ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
Eritrean man found dead in Kent prison after expressing fears of deportation
An Eritrean man who had a 'number of risk factors for suicide and self-harm' was found dead at a Kent Prison. Filmon Brhane hung himself in his cell at HMP Maidstone on June 12, 2023, a new report has...
ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ እያ። ኣቢጋይል ብርሃነ እያ ትበሃል። ኣብዚ ቀረባ እዋን...
ንህዝቢ ዘፍቀረን ብህዝቢ ዝተፈቕረን ድምጻዊ
"ተመስገን ገብረስላሰ መን እዩ?" ኢልካ ንሓደ ሰብ እንተ ሓቲትካዮ፡ ቀልጢፉ ምላሽ ከይህበካ ይኽእል እዩ። መጸውዒ ስሙ ቀይርካ "ተመስገን ጣኒቆኸ?" ምስ እትብሎ ግን፡ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያንን ክንዮኡን ብዛዕባኡ ዘይነጽፍ ዛንታ ድፍንቕ ሕሉፍ እዋን ንእስነት፡ ጦብላሕታ ናፍቖትን ክትሰምዕ ግድን እዩ። ኣብ ፈለማ 2000ታት፡ ንብዙሓት መንእሰያት ዘስቈንቈነን መሰነይታ ፍቕሮም ዝዀነ...
ኤርትራዊት ስኒት ሃብተኣብ፡ ካብ ኣስመራ ክሳብ መድረኽ ወይዘሪት ዓለም
ኣብ ታሪኽ ውድድራት ጽባቐ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣካላዊ ትርኢትን ደጋዊ ማራኺነትን ከም ቀንዲ መዐቀኒ ብቕዓት ኰይኑ ክረአ ጸኒሑ እዩ። ሕብረተሰብና እውን መብዛሕትኡ ግዜ ንውድድራት ሞዴሊንን ጽባቐን ምስ ኣካዳምያዊ ብቕዓትን ብልሒ ኣእምሮን ኣተኣሳሲሩ ኣይርእዮን እዩ። ይዅን እምበር፡ እዚ ጽኑሕ ክውንነት እናተቐየረ ይመጽእ ኣሎ። ነዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብግብሪ ካብ ዘንጸባርቓ ዘለዋ ብሉጻት ደቀንስትዮ ድማ፡ እታ ንሃገራ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ብምውካል ሓድሽ ታሪኽ ትጽሕፍ ዘላ መንእሰይ ስኒት ሃብተኣብ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ...





















