ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዛዕባ ምትራፍ ተጻወትቲ እንታይ ኢሉ?
ካብ ዝለሓፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ጀሚሩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢስዋትኒ ድሕሪ ምስዓራ፡ ኤርትራውያን ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ፡ ናብ ዓዶም ከይተመለሱ ምትራፎም ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ። ነታ ጋንታ ንምምዕባል ዝክኣሎ ክገብር መብጽዓ ዝኣተወ ሓድሽ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ሸውዓተ ተጻወትቲ ናብ ኤርትራ ከይተመለሱ ምትራፎም ኣረጋጊጹ። ኤርትራ ድሕሪ 2008 ንፈለማ እዋን እያ ናብዚ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ናብ መጻረዪ ግጥማት ኣፍኮን ተመሊሳ። ...
ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎ 'ሓደገኛ' ኣሰጋገሪ ሰባት
ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 50 ደቀንስትዮ ክዕመፃ ምኽንያት ዝዀነን "ብሞት ልዕሊ 100 ሰባት" ዝሕተት ዝበሎ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ- እንዳስላሰ፡ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ። ፖሊስ፡ ብሰኑይ 28 መጋቢት 2018 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ እቲ ይትባረክ ዳዊት ወይ ክብሮም ዳዊት ብዝብል ዝፍለጥ...
ኣስመራ፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከም ዘይተመልሱ ምንጭታት ኣረጋጊጾም
ኣብ ቅድመ-መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንኢስዋቲኒ ብድምር 4 ብ1 ካብ ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብቶም 10 ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመርጹ 7 ተጻወትቲ ናብ ዓዶም ከም ዘይተመልሱ ቢቢሲ ካብ ኣስመራ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እታ ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተመልሰት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ 14 ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ 10 ድማ ኣብ ውሽጢ...
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብቐጻሊ ዝጠቕሳ 'ቍሸት ፖተምኪን' እንታይ'ያ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ደበና ካልእ ደማዊ ኲናት ከም ዘንጸላሉ ገይሩ ኣሎ። ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብ ውሃ ዘበለ ፍሕፉሕ ፍቕሪ ናብ ምትፍናን ብምስጋር፡ ብግጥሚ፡ ዜማ፡ ውስጠዘን ምስላታትን ዝተሰነየ ዳርባ ቃላት ክለዋወጣ ጸኒሐን። ናብ ብሂልን ጽዋን ዝኸደ'ውን ኣይስኣንን። ...


























