ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ተቕርቦ ዘላ ክሲ ምስግጋር ኣጽዋር፡ መመኽነይታ ንኲናት እዩ'
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ናብቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቕባል ዘቕረቦ ክሲ ሓሶት ምዃኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክጅምሮ ዝደሊ ዘሎ ኲናት ንመመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እቲ ብ14 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ከም ዝመልክቶ፡ "ምስ ውሽጣውያን ጕጅለታትን ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምትሕብባር" ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ምዃኑ ዝገለጾ ኣስታት 56ሽሕ...
Latest releases
ኣብ ፍርጅ መኪና ተዓጽዮም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ብውሕዱ 15 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ተዓጽዮም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምኻድ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓገዝ ደልዮም ድሕሪ ምእዋዮም ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ ሰንበት ንግሆ እዩ ኣጓኒፉ። እቶም ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ካለይ (ሰሜናዊ ፈረንሳ) 72 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ A26 ሞተርወይ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ቦታ ሴንት-ሂለር-ኮትስ ናብታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣትዮም። እታ መኪና ኮሚደረ ጽዒና ካብ መሮኮ ናብ እንግሊዝ ትኸይድ ስለ ዝነበረት፡ ነዊሕ...
መጻኢ ኣሌክሳንዳር ኢሳቕ ብዝምልከት ኣሰልጣኒ ኤዲ ሃው እንታይ ኢሉ?
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ደቂ ጋንትኡ ርሒቑ እዩ ልምምድ ክገብር ጸኒሑ። እዚ ዝዀን ዘሎ ድማ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሆው "ኣብዚ እዋን'ዚ ምስታ ጕጅለ ክንሓውሶ ከም ዘይንኽእል ንጹር'ዩ፡" ድሕሪ ምባሉ'ዩ። ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣጥቃዓይ ብ110 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕድግ ሕቶ ኣቕሪባ'ኳ እንተነበረት፡ ኒውካስል ግን ነዚ ሕቶ ነጺጋቶ'ያ። ሽወደናዊ ዓለምለኻዊ ተጻዋታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብወገኑ ኣማራጺታቱ ክድህስስ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ እዩ። ...
ዝተናውሐ ኲናት 'ዝተኾለፎም ጸላእቲ' ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ - ብልጽግና
ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ። እቲ ቤትምኽሪ ሽም ናይቶም "ጸላእቲ" ኢሉ ዝጠቐሶም ሓይልታት ኣይጠቐሰን፣ እንተዀነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ንዝንቀሳቐሱ "ኣኽረርቲ" ሓይልታት እናደገፉ ሓድነት ህዝብን መንግስትን ንምብታን ህርዲግ ይብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና፡ ካብ 30 ሓምለ ክሳዕ 2 ነሓሰ 2017 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ኣብ...
ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብዛዕባ ርክባት ትግራይን ኤርትራን እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣቦመንበር ህወሓት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ርክባት ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ ተዛሪቡ። ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብቲ ውሑዳት መንግስታዊ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዝተዓደምሉን ሕቶን መልስን ዘይነበሮን መግለጺ፡ ኣብ ውሱናት ጉዳያት እዩ መብርሂ ሂቡ። "ንሕና ምስ ኵሎም ጐረባብትና ሰላም ኢና ንደሊ፣ ዶባትና ዶብ ሰላም ክዀኑ እዩ ባህግና። ይዅን'ምበር እቲ ርክብ ልኡላዊ መሬት ትግራይ ብዘኽብር ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሉ። ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ፡ 'ኣብ ዘዳውቡና ከባብታት መሬትና ሓራ ክኸውን ንመንግስቲ...























