ፓርላማ እስራኤል 'ንስርዓት ሃገሮም' ዝድግፉ ስደተኛታት ንምስጓግ ዘቕረቦ እማመ
ፓርላማ እስራኤል ንሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘኽእል ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ። እቲ 'ክነሰት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፓርላማ ኣበጊስዎ ዘሎ ሓሳብ ነቶም "ንስርዓት ሃገሮም" ዝድግፉ ሓተትቲ ዑቕባ ንምጥራዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ብኣባል የማናዊ ሰልፊ ዪስራኤል ቤትኑ ዝኾነት ዩሊያ ማሊኖቭስክን ካልኦት ኣባላት ባይቶን ዝቐረበ እማመ ሕጊ ምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ'ሎ። "ኣብቲ ዝተኻየደ መስርሕ ድምጺ፡ 51 ኣባላት ክነሰት ነቲ ሕጊ ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞን ተዓቅቦን ደጊፎሞ ኣለዉ" ይብል...
Latest releases
ኤርትራ፡ 75 ሚልዮን ዶላር ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር ኣለዋ
ኤርትራ፡ ዝተዋህለለ ዕዳ መንገድታት ኣየር፤ ንዝነውሐ ዓመታት ብዘይምኽፋላ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከምእትስራዕ፡ ኣህጉራዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ኣፍሊጡ።እቲ ማሕበር ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2024፡ ብደረጃ ዓለም፡ ንመንገድታት ኣየር ዘይተኸፍለ 1.7 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ከምዘሎ ኣስሚርሉ። እቲ ኣስታት 1 ቢልዮን ዶላር ካብዚ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋህለለ‘ዩ።...
ኤርትራውያን ኣብ ኮንትሮባንዳን ዘይሕጋዊ ተግባራት ይነጥፉ ኣለዉ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቒሱ
ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲን ካልአ ዘይሕጋዊ ተግባራትን ይዋፈሩ ኣለዉ ክብል ክፍሊ ኢምግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ገሊጹ።እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣዝማድ ንምብጻሕ፡ ካብ ኤርትራ፡ ዱባይን ኡጋንዳን፣ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪዛ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሳንጣታት ኣቁሑት ብምታውን ምውጻእን፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ከምዝተዋፈሩ ‘ዩ ወቒሱ። ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፡ ን90 መዓልታት ዝጸንሕን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝህረምን ቪዛ ከምዝወሃቦም ዝሓበረ እቲ ክፍሊ፡ ይኹንምበር ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ዝፍቀደሎም ግዜ ንላዕሊ...
‘ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቁጠባ ኡጋንዳ ኣበርኪቶም’
ኣብ ኡጋንዳ ዝርከቡ ልዕሊ 300 ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ካልኦት ዕዱማትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ፣ ን21 ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ከምዘሎ መርበባት ዜና ካብ ካምፓላ ሓቢረን።እቲ ኣብ፣ ፓላስ ፕለይ ፓርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ፣ ብምትሕብባር ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገርን ዝተዳለወ ምዃኑ መርበብ ዜና ናይል ፖስት ጠቒሱ። ኣብቲ ንኻልኣይ እዋኑ ከምዝካየድ ዝተገልጸ ዋዕላ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡጋንዳ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳን ካልኦት ዕዱማትን...
ኤርትራ፡ ታሪኻዊ መስመር ባቡር ናበይ ኣበለ?
እቲ ካብ ወደብ ባጽዕ ጀሚሩ ጊንዳዕን ኣስመራን ረጊጹ ንከረን ሓሊፉ ብኣቑርደት ኣቢሉ ድማ ኣብ ቢሻ ዝበጽሕ ዝነበረ 306 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ሓዲድ ብኸመይ ዓንዩ? ንምንታይከ ብግቡእ ክጽገን ዘይተኻእለ? ኢሎም ዝውከሱ ብዙሓት እዮም።ሓደ ካብ'ቶም ብግቡእ፡ ማለት ብዓሚቝን ብጸንቃቕን ኣገባብ ምርምር ዝተገብረሎም ዛዕባታት: እቲ ታሪኽ ናይ'ቲ ብጊዜ ጣልያን ዝተሃንጸ መስመር ባቡር ኤርትራ'ዩ። እታ ቀንዲ ተመራማሪት ጂኒ ስትሪት ዝተባህለት እንግሊዛዊት ጸሓፊት ክትከውን ከላ ምስ ሓላፊ ፈሮቭያ ዝነበረ ነፍሲሄር ኣማኒኤል ገብረስላሴ ብቐረባ ብምትሕብባር'ያ ነቲ ምርምር...