ኡጋንዳ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክትዝቲ ምውሳናን ዝተሓላለኸ ኵነታት ስደተኛታትን
ኣብ ኡጋንዳ ምኒስተር ድልውነት ሓደጋን ስደተኛታትን ሳም ኤንጎላ፡ ቍጽሪ ዕቝባ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምንታይ ይውስኽ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኡጋንዳ ንምሉእ ዓመት ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታት ዳግማይ ድሕሪ ምጅማራ፡ እቲ ቍጽሪ...
Latest releases
ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዘመናዊ ምዝመዛ ካልኣይ ተሰሪዖም
ብሰንኪ ናህሪ ዋጋ ናብራን ሓድሽ ተክኖሎጅን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝፍጸም ምዝመዛ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ናጻ ኮምሽነር ጸረ-ግልያነት (IASC) ኣጠንቂቑ። ኣብ 2025፡ ልዕሊ 23,000 ግዳያት ዘመናዊ ግልያነት ናብቲ ኮምሽን ቀሪቦም ኣለዉ፤ እዚ ከኣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ22% ወሰኽ ኣርእዩን ቅድሚ ሕጂ ተበጺሑ ዘይፈልጥ ኣሃዝን ምዃኑ'ውን ተገሊጹ። ...
በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ
ምንጪ ስእሊ,DM 10 ጉንቦት 2026, 09:16 EAT ንባብ: 5 ደቓይቕ ብ1992፡ ኤርትራዊ ስነ-ማሕበረሰበኛ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና ኢሉ ካብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ንኽምህር ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኵነታት ሓዲስ ህይወቱ ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ'ኳ እንተ ጀመሮ፡ ደሓር ግን ናብራ ኣይግድን ኰኖ። ብድሕሪ ብዙሕ መከራ ከኣ ዳግማይ ክስደድ ተገደደ። ...
ዓዲ እንግሊዝ፡ ንሞት ሓደ ኤርትራዊ 'ኢድ ዝሓወሱ' ክልተ ኤርትራውያን እንታይ ተፈሪዶም?
ኣብ በርሚንግሃም ሃገረ እንግሊዝ፡ "ምኽንያት ሞት ሓደ ካልእ ኤርትራዊ እዮም" ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ብሰሉስ 5 ግንቦት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። እቶም ተኸሰስቲ ስምኦን ገብረንጉስ ዝተባህለ ወዲ 44 ዓመት፡ ቢቢ ጊላዝጊን ወዲ 31 ዓመት መንእሰይን ኰይኖም፡ ኣብ ኣማውታ ናይቲ ወዲ 33 ዓመት ዝዀነ ብርሃነ ጸጋይ ንዝተባህለ ኤርትራ ተሳትፎ ነይርዎም፡ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።
ሩስያ ዝደገፈቶን ቻይና ዓይና ዝሓሰየትሉን እገዳ ኣመሪካ ዓሎቚ'ዩ ነይሩ - ኤርትራ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ትዳሎ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ። ምኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ረቡዕ 6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳታት ክለዓል'ዩ ዝብል ጸብጻባት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ግጉይ ክብል ዝገለጾ ፖሊሲታት ዋሽንግተን "ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

























