ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ ንዘመናዊት ኤርትራ ዝሃነጸ ኢጣልያዊ ጸሓፍን ፖለቲከኛን

እዚ ኣብ ፊረንሰ (ኢጣልያ) ብ1841 ዝተወልደ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ፖለቲከኛን ነቶም ንስልጣኖም ብዘይስርዓት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዓመጽቲ ወተሃደራትን ሲቪልን ንኸጽንዕ’ኳ እንተተላእከ፡ ብጕልባቡ ድማ ኤርትራ ረብሓ ይርከባ’ዶ ኣይርከባን ንኸጽንዕ ከም ዝተላእከ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ካብ ኵሎም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእቲ ጣልያን እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዘሕደረ ገዛኢ ከም ዝነበረ’ዩ ዝዝንተወሉ።

ንሱ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢ 9-10 ዓመት ጥራይ (ካብ 1897 – 1907) ክልውጣ ከም ዝኸኣለ መዛግብቲ ታሪኽ ይምስክርሉ።

ስልቲ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ

ፈርዲናንዶ፡ እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበሮ ስምዒታት ቀስ ኢሉ ብምልዋጥ ንምኽንያተ-ህላወ መግዛእቲ ጣልያን ‘ክርድኦ’ ኸኣለ - ብኻልእ ኣዘራርባ ህላወ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ከም ዘርብሖም ተረድኦ።

ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያ ኣብ ውግእ ዓድዋ እቲ ፈለማይ ሲቪል ገዛኢ ኤርትራ ኰይኑ ብ30 ሕዳር 1897 ተሾመ። ቀንዲ ስርሑ ድማ እቶም ቅድሚኡ ንጥቕሚ ኤርትራ ዝገምገሙ ሓለፍቲ ወተሃደራት ኣብ ግምት ብምእታው ዳግመ-ገምጋም ንኽገብር ነበረ።

ሰነዳት ታሪኽ ከም ዝምስክርዎ፡ ዕላማኡ ነቶም ውግእ ዓድዋ ዘስዓቦም በሰላታት ብምምካት (ኣሉታዊ ወኸሳ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ስዕረት ጣልያን) ንዝተነኽአ ክብሪ ጣልያን ኣሕውዩ ብኸመይ ኣገባብ ህላወን ምሉእነትን ኤርትራ ኣብ ሰላማዊ ሃዋህው ንክዕቅብ ነበረ።

ማርቲኒ ቀስ ኢሉ ነቲ ኣብ ውትህድርና ዝነበረ ዜጋ ጣልያን ናብ ሲቪል ብምልዋጥ፡ ኣብ ከበሳ ሳዕሪሩ ዝነበረ ሽፍትነትን ጽልኢ ጣልያንን ዘልዓሎ ህውከት ብምብታን ነቲ ማሕበራዊ-ፖለቲካዊ ኵነታት ከመሓይሾ ተበገሰ።

ብኣተሓሕዛኡ ክኢላ ስለ ዝነበረ ንሓይሊ ውትህድርና ነክዩ፡ ንተራ ሲቪል ኣሐይሉ ሓደ ሚዛኑ ዝሓለወ ቅጥዒ ብምትእትታው ኣብ መኽሰባትን ልምዓትን ዘድሃበ ስርዓት ከተኵር ጀመረ።

ካብ 1898 ጀሚሩ ኣብ ምሕደራዊ ሸነኻት ለውጥታት ብምትእትታው ብ1900 ንርእሰ-ከተማ ኤርትራ ካብ ባጽዕ ንኣስመራ ኣግዓዛ።

ናይ ሽዑ ኣስመራ 5,500 ተቐማጦ ጥራይ ነበርዋ፤ ብተወሳኺ ድማ 910 ፈረንጂ። እቶም ደቀባትን ፈረንጅን ተፈላልዮም ይነብሩ ነበሩ - ኣብ ደቡብ ዞባ ንግዲ ኰይኑ ሰፈር ጸዓዱ ነበረ፤ ኣብ ሰሜን ድማ ደቀባት ዝነብርሉ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ገዛ ባንዳ፡ ንመንገዲ ባጽዕ ኣቢሉ ድማ ዓሳክር ጣልያን ዝነበሩ (ዲቦዚቶ) ዝነብሩሉ ቦታ ነበረ።

ይዅን’ምበር ብዘመኑ ኣስማራ ውቁብ መልክዕ ክትሕዝ ጀመረት። ናይ ገዛኢ ፓላስ፡ ማዕረ 300 ብጽቡቕ ዝተሰርሑ ኣባይቲ፡ ቤት-መግቢ፡ እንዳ ቡን፡ እንዳ መስተ፡ ሰፈር ወተሃደራት (ባራካታት) ኣብያተ ኣምልኾን ጽሕፈታትን ከምኡ’ውን ካልኦት ህንጻታት ኣማሊኣ ክትዕንብብ ጀመረት። ብዘመን ማርቲኒ ውጥን ከተማ ወጺኡ ብኡ መሰረት ኣስመራ ክትህነጽ ጀመረት።

ፊያት ታሌሮ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ግዜ ጣልያን ብመልክዕ ነፋሪት ዝተሃንጸ ህንጻ ፊያት ታሌሮ - ኣስመራ

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ንኤርትራ ኣብ ኣውራጃታት ብምምቃል ምስ ምሕደራ ጣልያን ዝረዳድኡ ዓበይቲ ዓዲ መመሪጹ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣበለ።

ኤርትራ ብድኽነት ተጠቒዓ ስለ ዝነበረት ቍጠባዊ ዓቕማ’ውን ትሑት ስለ ዝነበረ ነቲ ኣሉታዊ ሸነኻ ንምሽፋን ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ክጣበብ ጀመረ፤ ከም ኣገዳሲትን ዓቕሚ ከም ዘለዋን ኣምሲሉ ክጕስጕስ ጀመረ። ብጥረ-ነገር ዝመልአት ሃገር ገይሩ ብምውቃብ ድማ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንኤርትራ ዋጠየላ፤ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸኣ ማእከል ንግዲ ናይ ምዃን ዕቝር-ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኣድሚቑ ሰኣላ።

ንከምስል ማርቲኒ ክኢላታት ቈጺሩ መጽናዕትን ድህሰሳን ብምክያድ ብዝከኣሎ ጸዓረ። ንሱ ኤርትራውያን ምስ መሬቶም ጽኑዕ ምትእስሳር ከም ዝነበሮም ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። ኰይኑ ድማ ንሓረስቶት ጣልያን ኣምጺኡ ኣብ መሬት ደቀባት ኮፍ ከብል ዓቐብ ምንባሩ ተረዲኡ ኣብ ዓበይቲ ርእሰ-ማል ዘጽዓቐ ፕሮጀክታት-ሕርሻ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ መታሕት ከተኣታቱ መረጸ። ነቲ መደቡ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ። እቶም ደቀባት ኣብ ገዛእ መሬቶም ብባዕዳውያን ተቘጺሮም ንብ’ላዕ ዝሓርሱ ሓረስቶት ገበሮም (ሚእታዊት እናተኸፍሉ ኣብ ግራቶም ንክሽቅሉ ማለት’ዩ)።

ኣብቲ ዘመን ኣታዊ ገዛእቲ ንኸዛይድ ኣብ ከበሳ 11 ሚእታዊት ናይቲ ዝሕረስ መሬት ንንግዳዊ ሕርሻ ክውዕል ብመንግስቲ ጣልያን ከም ዝህገር ገበረ፤ ተጣቢቡ ንደቀባት ብሜላ ብምሓዝ ተኻፈልትን ብመጠኑ ኸኣ ተጠቀምትን ናይቲ ፕሮጀክትኡ ገበሮም።

ኣብ እንስሳ ዘቤት ሕማም-ተላገብ (ለብዒ) ምስ ኣተወ ማርቲኒ ነቲ ግዙፍ እቶት ዝርከቦ ዝነበረ ምርባሕ ከብቲ ሓደ ማእከል ክታበት እንስሳታት ብምትካል ዝከኣሎ ሓገዝ ንሓረስቶት ኣቕረበ።

ናይ ግዝኣት ኤርትራ ውሱን ባጀት ስለ ዝነበረ ንዅሉ ኣይኣክልን ነበረ። ካፒታል ንከኻዕብት ኢሉ ድማ - ብዙሕ ውጽኢታዊ’ኳ እንተዘይነበረ - ዝተፈላለዩ ማዕድናዊ ዳህሳሳት ምክያድ ቀጸለ።

ንኤርትራ ማእከል መዋፈርን መተሓላለፍን ንግዲ (መግለሲ-ካምቦ) ብምግባሩ ግን ዓወት ተጓናጸፈ፤ ምኽንያቱ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምልውዋጥ ንግዲ (ኢምፖርት-አክስፖርት) ከዐምሮ ስለ ዝኸኣለ።

ቍጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ንምሕያል ድማ ካብ ተጻብኦ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ተኣልዩ ኣብ መንገዲ ሰላም ዝተጸግዐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት መስረተ። ብተወሳኺ ክሳብ ዶብ ሱዳን ዝበጽሑ መስመራት ሓዲድን ንኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዝተረግረጉ መንገድታትን ዘርግሐ።

እቲ ዝዓበየ ዓወት ከኣ እቲ ንሱ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝፈረሞም ናይ ሰላምን ንግዳዊ ውዕላትን - ምስ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ (እንግሊዛዊ ሸነኹ)፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ - ብምፍራም ንህላወ ኤርትራ ዘረጋገጸን ካርታ ሃገር ከኣ ከም ዝፍለጥ ዝገበረ ሰብ ነበረ።

ምስ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ብምክያድ፡ ምስኡ ኸኣ ዳግማዊ ሚኒሊክ ናይ ገንዘብ ክፍሊትን ብምርካብ (5 ሚልዮን ሊረ ዝኣክል) ደቡባዊ ዶብ ኤርትራ ንኽሕንጸጽ ኣኽኣለ። እዚ ሓደ ካብ ዘመዝገቦም ዓወታት ኰይኑ፡ ነቲ ዓወት ንኽጽንብሎ ማርቲኒ ንኣዲስ ኣበባ ተጓዕዓዘ፤ ንጉስ ምስ ተቐበልዎ ተወሳኺ ክልተኣዊ ንግዳዊ ስምምዓት ክፈራረም ከኣለ።

ብሓጺሩ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ሓደ ዝተረጋግአ ግዝኣት ፈጠረ ክበሃል ይከኣል። ዋላ’ኳ ግዝኣት ጣልያን ንኸሐይልን መኽሰባት ንኽሓፍስን ዓቢ ተራ ይጻወት ብዓይኒ ተግባራውነት ምስ ዝርአ ክኢላ ገዛኢ ከም ዝነበረ ኣመስኪሩ’ዩ ትብል ሚከላ ሮንግ ኣብታ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ዝጸሓፈታ መጽሓፋ።

ርግጽ’ዩ ማርቲኒ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ኣባታዊ ኣቕዋም ነይርዎ ይበሃል’ዩ። እንተዀነ ግን ብኣካይዳኡን ጠመተኡን ዘርአኛ ካብ ምዃን ሓራ ኣይነበረን። የማነ ምስግና ዝበሃል ተመራማሪ ታሪኽ ንማርቲኒ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝነበሮ ዘይምትእምማን ንሃገሮም ከመሓድሩ ብቑዕ ዓቕሚ ከም ዘይነበሮም ዝኣምን ሰብ ነይሩ ኢሉ’ዩ ዝገልጾ።

ከም ኣብነት፡ ኣብ ትካላት ሚስዮን እንተ ዘይኰይኑ ዕድላት ትምህርቲ ኣይነበረን ይብል የማነ። ማርቲኒ ደቀባት እንተ ድኣ ተማሂሮም ኣንጻር መግዛእቲ ጣልያን ክለዓሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ጥርጣረ ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

መቸም ሽዑ ዝነበረ ጽኑዕ ሕጊ - ምናዳ ኣብ ልዕሊ ደቀባት - ብራዕዲ ዳርጋ ምዩቕ ዝብል ሰብ ከም ዘይነበረ ይዝንቶ’ዩ።

ከባቢ ማይጃሕጃሕ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ሓደ ካብቶም ንማርቲኒ ፍሉይ ዝገብሮ መለለዪታት ኣብ ፕሮፓጋንዳ ዝነበሮ ክእለት’ዩ። ንኤርትራ ኣብ ዓዲ ጣልያን እኹል ጐስጓስ-ተቓልዖ - ከም ምርኢታት ዘኣመሰሉ - ብምክያድ ግሩም ገይሩ ኣፋሊጡዋ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ሓደ ሃገራዊ-መግዛእታዊ ስነ-ሓሳብ ከም ዝሰርጽ ገበረ።

ብ1905 መግዛእቲ ኤርትራ ዕዉት ፕሮጀክት ከም ዝነበረ ንከርኢ ኣብ ኣስመራ ዓቢይ ኮንግረስ ኣካየደ። ማርቲኒ፡ ዋላ’ኳ እኹል ባጀት ኣይንበሮ፡ ዝገበረ ገይሩ ኣብ ኤርትራ ርጉእን ቅዉምን መግዛእታዊ ምሕደራ ክምስርት ከኣለ። ስርሑ ወዲኡ ብዕለት 25 መጋቢት 1907 ካብ ቦታኡ ባዕሉ ተኣልየ።

መንግስቲ ጣልያን ብስራሕ ማርቲኒ ሕጉስ ስለ ዝነበረት ብ1913 ሚኒስተር ግዝኣተ ጣልያን - ቀንዲ ተጸዋዒ ናይተን ብመግዛእቲ ጣልያን ዝመሓደራ ዝነበራ ሃገራት ገበረቶ።

ማርቲኒ ህርኩት ጸሓፋይ ስለ ዝነበረ ኵሉ ስርሑ ይምዝግቦ ነበረ። በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፎ ግዝያት መጻሕፍቲ ክጽሕፍ ከኣለ። ንእግረ-መንገዱ ኸኣ ዝኣከቦም ናይ ግዕዝን ዓረብኛን ሰነዳት ንመጻኢ ትውልዲ ከመሓላልፍ ክኢሉ’ዩ።

ጸሓፊት ሚከላ ሮንግ ኣብ መጽሓፋ ከም ዘስፈረቶ፡ ማርቲኒ ኣብ ኤርትራ ዘሕለፎም ዓመታት (10 ኣብ ዘይመልኡ ዓመታት) ብምሉኦም ኣብ መዝገበ-ዕለት (diary) ኣብ ‘Il Diario Eritreo’ ዝበሃል እኩባት ደባትር ኣስፈሮ። እቲ ዘገርም እቲ ዲያርዮ ብኢድ ዝተጻሕፈ 7,000 ገጻት ዘለዎ ኰይኑ ብዛዕባ ኵሉ ኣብ ኤርትራ ዝረኣዮን ዝሰምዖን ዝተመኰሮን ፍጻመታት - ጽቡቑን ሕማቑን - ሓደ-ብሓደ ከስፍሮም ብምኽኣሉ’ዩ ትብል።

ብ1920፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ዝመዝገቦም መዓልታዊ ተዘክሮታት ብመጽሓፍ መልክዕ ከሕትሞ ከኣለ። ብኣገላልጻ ሚከላ ሮንግ እቲ መጽሓፍ ንተመራመርቲ ታሪኽ ግሩም ምንጪ ወይ ከኣ ብሉጽ ዕዮ ከም ዝዀነ መስከረትሉ።

ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ብ1928 ካብዛ ዓለም ተሰናበተ።