ኤርትራ፡ ኣቦ መንበር ተሓኤ ነበር ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?

ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብቶም ንጐበጣ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን መንእሰያት 60’ታት እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ፡ ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱ፡ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣልሚሱ፡ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣዊጁ።

በዚ ተግባር እዚ ዝተቘጥዑ ኣሕመድ ናስርን ብጾቱን፡ መንእሰያትን ተምሃሮን እቲ እዋን፡ ኣብ ከተማታት (ሰላማዊ ሰልፊ) ሾቦሮ ብምክያድ ንተግባራት እቲ ስርዓት ይቃወምዎ ነይሮም። ብተወሳኺ ኣብ መናድቕ መሸጓሹጋት ኣስመራ፡ ከረን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ከተማታት፡ ጭርሖታት ናጽነት እናጸሓፉን በራሪ ጽሑፋት (ቡሮቸርስ) እናበተኑን ንህዝቢ የበራብሩ ነበሩ።

ናይ ህዝቢ ኣውቶቡሳት ብ‘ሸፋቱ’ ይኽተራ ስለዝነበራ እቶም ብውሑድ ቍጽሪ ቃልሲ ዝጀመሩ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ -ተሓኤ፡ ነቶም ሸፋቱ ብምህዳን ነቲ ህዝቢ ዘከላብት ዝነበረ ብፍላጥ ዝተበጋገሰ ፍኑው ሕገ ኣልቦነት ይከላኸልሉ ነበሩ። ብኣንጻሩ ግን ንመሓውራት ቍጠባ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድኻም፡ ኣገደስቲ ቢንቶታት ብምፍራስን ባቡራት ካብ ሓዲደን ኣንደልሂጸን ከምዝወጽኣ ብምግባርን ኣዕነውወን። ጸኒሖም ካብ ዝተፈላለየ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ነፈርቲ ብምጭዋይ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓለማዊ ኣፍልጦ ንኽረክብ ይጽዕሩ ነበሩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስከረም 1961 ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) እዩ ጀሚሩ። ተሓኤ፡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስትራተጂ ሓንጺጹ ንህዝቢ ኤርትራ ከቃልስ ዝተበገሰ ሃገራዊ ውድብ እዩ። እቲ ቃልሲ ኣብ ቆላታት ስለዝጀመረ፡ ኣብ ፈለማ፡ ዳርጋ ኵሎም ኣባላቱ ደቂ መታሕት እዮም ነይሮም። ምስ ግዜ ግን ኣብ ከተማታት ተወሊዶም ዝዓበዩን ዝተማህሩን ከም በዓል አሕመድ ናስር ዝኣመሰሉ መንእሰያት ተጸንቢሮም ነቲ ቃልሲ ኣሐይሎምዎ።

ንምዃኑ፡ ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?

ኣሕመድ ናስር፡ ብ1945፡ ኣብ ከባቢ ዓዲቐይሕ ዝተወልደ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ልሉይ ዓሻራ ዘለዎ ተጋዳላይ እዩ።

ኣሕመድ ከም ጠባይ ምቕሉልን መኽበር ሰብን’ዩ። ኣዘራርባኡ እውን ልዙብ እዩ። ብሃይማኖት ዘይጽሎ፡ ንዅሉ ብማዕረ ዝርኢ፡ ሓልዮት ኤርትራ’ምበር ካልእ ዋኒን ዘይነበሮ ፍትሓዊ ውፉይ ተቓላሳይ’ዩ ነይሩ።

ኣሕመድ ናስር ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራን ጕዳይ-ዓለምን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዝነበሮ ምስ ሰባት ናይ ምርድዳእ ልዑል ክእለት ዝነበሮ ፍቱው ሰብ ምንባሩ ብዙሓት ተቓለስቲ ብጾቱ ይምስክርሉ።

ሮሞዳን ሳልሕ ዝበሃል መቕርቡ ከም ዘዘንተዎ፡ ኣሕመድ ናስር ኣብ ዲዖት (ባሕሪ - ምብራቕ ኣከለጉዛይ) እዩ ተወሊዱ። እታ ቀንዲ ዓዲ/ ቁሸት ‘ኣይሮማለ’ ትበሃል። ኣብ ዓዲ ቀይሕ መባእታን ማእከላይን ትምህርቲ ምስ ወድአ ኸኣ ንኣስመራ ሰገረ።

ሮሞዳን ሳልሕ እውን ብ1970 ብደንካልያ ገይሩ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ገድሊ - ኣብ ደንከል፡ ሰምሃር፡ ጋሽ፡ ከምኡ’ውን ኣከለጉዛይ ተጋዲሉ። ድሕሪ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ጀብሃ ድማ ጠቕላል ኣካያዲ ናይ ኣከለጉዛይን ጋሽን ከም ዝነበረ መጋድልቱ የዘንትውሉ።

ሮሞዳን ንኣሕመድ ናስር ብማዕዶ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ከለዉ ከም ዝፈልጦ፡ ከም ንፉዕ ተምሃራይን ንብዙሓት ከኣ ጽቡቕ ኣርኣያ ከም ዝነበረን ይዛረብ። ቀንዲ ፍልጠቶም ግን ኣብ ሜዳ ድሕሪ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከባቢ ከረን ድሕሪ ምርኻቦም እዩ ነይሩ።

ኣሕመድ ናስር ብቘልዓኡ፡ እንግሊዝ ኣጣጢሖም ንኤርትራ ይቈጻጸሩ ነበሩ። መዓስከራቶም ከኣ ብምሾት ፉሕ-ፉሕ ዝብል ነበረ። ምኽንያቱ፡ እንግሊዝ ነቲ ኢጣልያውያን ዘማዕበልዎ ፋብሪካታትን ዘልምዕዎ ሕርሻታትን ኮንቸስዮናትን ራስዮም ነቲ ሃብቲ ገቢቶም ንረብሓ ኤርትራውያን ዘይኰነስ ንረብሓኦም ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ።

እንግሊዝ ንብረት ፋብሪካታት ክዘምቱን ንትካላት ክምሕዉን ግዜ ኣይወሰደሎምን። መደቦም ዝዝመት ዘሚቶም፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ መን ትውደቕ ብዘየገድስ ራሕሪሖምዋ ንምውጻእ ነበረ።

ንዓሳክር ጣልያን ዝነበሩ ደቀባት ዝገበርዎ መብጽዓታት ጠሊሞም፡ ኣደዳ ድኽነት ገበሩዎም። ሽዑ ኣብ ኤርትራ ብርቱዕ ድኽነት ከም ዝኣተወ በዓል ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም ኰነ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኣስሚሮም ዝገለጽዎ ሓቂ ነበረ።

ቍጠባ ንዝቕበባ ሓሊፉ ኣንቈልቈለ፣ ሽፍትነት ኣዝዩ ሳዕረረ፣ ጣልያን ብሸፋቱ ክህደኑ ስለዝጀመሩ፡ ብብዝሒ ንዓዶም ክምለሱ ጀመሩ። እዞም ሓቅታት’ዚኦም እንግሊዝ ሓልዮት ኤርትራ ከም ዘይነበሮም ብግሁድ ኣመስከሩ።

ኣብ ዕላል ሮሞዳን ሳልሕ ምስ እንምለስ፡ ኣቦኡ ንኣሕመድ ናስር ብንኡሱ ስለ ዝሞቱ፡ ኣሕመድ ምስ እንዳ ኣቦሓጐኡ'ዩ ዓብዩ ይብል። ፖለቲካዊ መንነቱ ከኣ ካብ ኣቦሓጐኡ ከም ዝወረሶ ይፍለጥ።

ዓመተ 1952 ንፈደረሽን ሒዛ መጸት። መብዛሕትኦም ኣቦታት ከበሳ ድማ ልባቶም ናብ ኢትዮጵያ ገጹ ከደ። እቶም ዝረኣዩ ፍሩያት ኣቦታት ከኣ ካብ ጃንሆይ ሽመት ክቕበሉን ስራሕን ስልጣንን መንግስቲ ክዕደሉን ይቀዳደሙ ነበሩ። ከም በዓል ኣሕመድ ናስር ዘኣመሰሉ መንእሰያት ኤርትራ ግን ልቦም ንምግዳል ኣንቀደ።

“ኣሕመድ ናስር ኣብ ኣስመራ ምስ ማሕሙድ ጢዕና ዝተባሀለ ዜጋ ወዲ ዓዶም ብምወላ ናይ ኣቦሓጐኡ ይቕመጥ ነበረ። ማሕሙድ ጢዕና ኣብ ኣስመራ ንሓያሎ ተምሃሮ ዘዕቍብ ዝነበረ ዜጋ ነበረ። በዓል ኣሕመድ ናስር ካብ ስድራ ቤቶም ተፈልዮም ኣብ ኣስመራ ምስኡ ኣብ ሓደ ገዛ ተጸጊዖም ይቕመጡ ነበሩ። ሽዑ ሓቢሮም ኣብ እንዳ ማሕሙድ ጢዕና ዝቕመጡ ዝነበሩ፡ 1. ኣሕመድ ናስር 2. ዓብደላ ናስር 3. ዓብደላ ሓሰን ... ሰለስቲኦም ኣብ ጀብሃ ዝተጸንበሩ፣ ከምኡ’ውን 4. ማሕሙድ ሸሪፎ ናብ ሻዕብያ ዝተጸንበረ እዮም (ሕጂ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ተኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ)። ማሕሙድ ጢዕና ንዓብደላ ሓሰን ኣኮኡ ምዃኑ’ዩ።

እዞም ኣርባዕተ ናብ ሜዳ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ስርዓት ደርግ፡ ንማሕሙድ ጢዕና ምስ ሰበይቱን መላእ ስድራቤቱን ቀተሉዎም።

ኣሕመድ ናስር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሓልዮት ናይቲ ኣብ ኣቑርደት ዝሰርሕ ዝነበረ ዑመር ካሰሪ ዝተባህለ ሓዉ ይናበ ከም ዝነበረ ይዝንቶ’ዩ።

“ኣሕመድ ናስር ናብ ሜዳ ዝወጸሉ ርግጽ ዕለት ኣይዝክርን” ይብል ሮሞዳን ሳልሕ።

“ግን መጀመርታ ናብ ሱዳን ከም ዝወጸ እፈልጥ። ኣብ ሱዳን ኰይኑ ይንቀሳቐስ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ብጀብሃ ናብ ዒራቕ ተላኢኹ ኣብኡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ቀሲሙ ናብ ሜዳ ተመሊሱ። ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ 1971 ኣባል ሰውራዊ ባይቶ - ኣባል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ኸኣ ተመሪጹ።”

ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንድህስስ፡ ወልደየሱስ ዓማር ኣብታ ‘ተምሃሮ ኣብ ቃልሲ’ ዘርእስታ መጽሓፉ ንኣሕመድ ናስር ኣብ ስሳታት፡ ኣብ ምንቕስቓስ ተምሃሮ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ይጠቕሶ’ዩ። ሽሕ’ኳ ወልደየሱስ ኣብ ልዑል መኰነን፡ ኣሕመድ ከኣ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ (ቀ.ሃ.ስ.) - ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ - ይምሃሩ እንተ ነበሩ፡ በቲ ወልደየሱስ ምስ ኣሕመድ ብ1995 ኣብ ካስል (ጀርመን) ዘካየዶ ቃለ-መሕትት መሰረት፡ ኣሕመድ ናስር ምስ ወዲ-ሓወብኡ ዑመር ናስር ኰይኖም ኣብ ቃልሲ ተምሃሮ ይነጥፉ ከም ዝነበሩ መዝጊብዎ ይርከብ።

ኣብ ቃለ-መጠይቑ ኣሕመድ ናስር ከም ዝመስከሮ፡ “ናይ 60’ታት ወለዶ፡ ብፍላይ ከኣ ተመሃሮ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዉን ኣብ ምግባር በቒዑ’ዩ” ይብል።

መልክዕ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

ብረታዊ ቃልሲ ብመስከረም 1961 ኣብ እምባ ኣዳል ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ክጅመር እንከሎ ኣሕመድ ናስር ወዲ 16 ዓመት’ዩ ነይሩ። ከም ብዙሓት ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ናይቲ ዘመን ናይ ናጽነት ኤርትራ ክቱር ስምዒት ሓደሮ።

ብረታዊ ቃልሲ ንኽዓቢ ግዜ’ኳ ኣይውሰደሉ ‘ምበር ብዙሕ ፈተነታት ኣጓኒፉዎ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ምጅማሩ ብናይ 40’ታት ስምዒታት ተደሪኹ’ዩ ተበጊሱ። ብፖለቲካ 50’ታት - ‘ኤርትራ ንኤርትራውያን’ ኰነ ‘ኢትዮጵያ ወይ ሞት’ ተሰሓሒቡ ንሓድሕዱ ተጋራጭዩ’ዩ፣ ብዕጡቓት ኣንድነታውያን ሸፋቱ ተጠቒዑን ተደፊኡን ናብ ሻራ ኢትዮጵያ ገጹ ተደፊኡ’ዩ፤ ብግዲ ኸኣ ፈደረሽን ከም ዝቕበል’ውን ተገይሩ’ዩ።

ኣብ 60’ታት ዘመን ፈደረሽን ኣሕሊፉ ድማ ናብ ዘመን ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ብምእታው ብረታዊ ቃልሲ ጀመረ።

ንጉስ ሃይለስላሰ ግን ዘመተኦም ቀጸለ፤ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራትውያን ንሓድሕዶም ዝነበረ ዘይምስናይ ብምስትብሃል፡ ምስ እንግሊዝን ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብውዲት ብምትእስሳር ድማ ንከበሳዊ ህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ሽመትን ኣስዲዖም ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም እትልቀብ ገበሩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ቍስልታቱ’ዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሰጋገረ። ቍስሉ ንኸሕዊ ኣበርቲዑ’ኳ እንተተቓለሰ ግዳይ ሕንፍሽፍሽ ምዃኑ ግን ኣይተረፎን።

ብ1962 - ኤርትራ ብኢትዮጵያ ክትወሓጥ - ኣብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ክልተ ጋንታታት - ካብ 60 ዘይበዝሑ - ተጋደልቲ ጥራይ’ዮም ነይሮም። ይዅን’ምበር፡ እቲ ቃልሲ ኣብ ዓመቱ ቆላሕታ ኣዕራብ ክረክብ ጀመረ።

ብረታዊ ቃልሲ ክዓኩኽ ምስ ጀመረ እቶም ናይ ሽዑ መራሕቲ ንኤርትራ ኣብ ጂኦግራፍያዊ መልክዓታ ብዝተመስረተ ኣገባብ ኣብ ሓሙሽተ ዞባዊ ምምሕዳራት ከፋፈልዋ። ንክውንነት ኤርትረ ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ካብ ቃልሲ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ፡ ብታህዋኽ ዝተሓንጸጸ ውጥን ምንባሩ ከኣ ዳሕራይ ብዘኸተሎ ጸገማት ተጋህደ።

ዋላ’ኳ ጀብሃ ብኲናት-ደባይ ኣቢላ ህላወኣ ኣብ ምሉእ ኤርትራ እንተ ኣመስከረት ኣብ ውሽጢ ሜዳ ግን ጸገማት ፈኸም ይብሉ ነበሩ። ተጋደልቲ፡ ሃይማኖትን ዓሌትን ብዝፈጠሮ ስምዒት ንሓድሕዶም ተፋጠጡ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብቲ ሰውራ ኤርትራ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ መታሕታዊ ክፋል ኤርትራ ዓድታት ብምቅጻል ንህዝቢ ከበሳብሱ ስለዝጀመሩ ህዝቢ መታሕት ንሱዳን ይሃድም ነበረ።

ምጽንባር ኣሕመድ ናስር ናብ ቃልሲ

ኣሕመድ ናስር ኣብ ሱዳን ከሎ’ዩ ብ1967 ኣብ ገድሊ ዝተጸምበረ። ኣይጸንሐን፡ ንትምህርትን ታዕሊምን ንዒራቕ ንኣርባዕተ ዓመት ተላእከ። ኣሕመድ ኣብ ዒራቕ ዝነበረሉ እዋን እቶም ኮሚሳራት ናይተን ሓሙሽተ ክፍልታት ንቻይና ንስልጠና ተላእኩ፣ ዑመር እዛዝ፡ መራሒ ካልኣይ ክፍሊ፡ ኣብ ውግእ ሓልሓል ተወጊኡ ተሰውአ፣ ጀነራል ተሾመ ዕርገቱ ኣብ ከባቢ ከረን ምስ ተቐትለ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዑና ፍጹም ህልቂት ፈጸሙ፤ ህዝቢ መታሕት ኸኣ ብብዝሒ ንሱዳን ተሰደደ። ብ1969 ድማ ጀብሃ ኣብ ዋዕላ ኣዶብሓ ዳግመ ስርርዕ ገበረት።

ስለዚ ኣሕመድ ናስር ካብ ዒራቕ ንሜዳ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ብዙሕ ለውጥን ሕንፍሽፍን ኣጓነፎ።

ጀብሃ ኣብ ዘመን ኣሕመድ ናስር

ኣሕመድ ናስር ንሜዳ ኣብ ዝተመለሰሉ እዋን ኣብ መራሕቲ ገድሊ ስኒት ኣይነበረን። ሽዑ ኣብ ስእሊ ዝነበሩ መራሕቲ በዓል ኢድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ዑስማን ሳልሕ ሰበ፡ ዓብደላ እድሪስ፡ ሕሩይ ተድላ ባይሩን ካልኦት ነበሩ። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ምስጢራውያ ሰልፍታት ክንቀሳቐሱ፡ ኣብ 1970 ካብ ተሓኤ ዝተፈልየ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ‘ንሕናን ዕላማናን’ ዝብል ንመንነቱን ናይ ቃልሲ ዕላማኡን ዝገልጽ ጽሑፍ ዝዝርግሓሉ ዝነበረ ዘበነ ሕንፍሽፍሽ ነበረ።

ብ1974 ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ኣደሙ ንናይ ደርጊ ኣብዮት ማዕጾ ከም ዘርሓወሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ንጉስ ሃይለላሴ ዘውዶም ተቐንጢጡ ኤርትራዊ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ከኣ ንስልጣን ደርግ ከማእክል ዝተመርጸሉ እዋን ነበረ። ጀነራል ኣማን ዓንዶም ንሽግር ኤርትራ ክፈትሑ’ኳ እንተ ፈተነ ነዊሕ ከይጸንሐ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ተቐትለ። ኣብ ዝተቐትለሉ ምሸት ድማ እቲ ብ’ጥቁሩ ቅዳሜ’ ዝፍለጥ ፍጻመ ተፈጸመ -እቶም ደርግ ዝኣሰሮም ሰበ-ስልጣናት ጃንሆይ ብጃምላ ተረሸኑ።

እቲ ዘመን’ቲ ጀብሃ ኣብ ጥቅምቲ 1974 ኣብ ዛግር ምስ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሰላም ዝርርብ ዝገበርሉ እዋን ከም ዝነበረ’ውን ክጥቀስ ዝግብኦ ፍጻመ’ዩ። ምስኡ ኸኣ ኣብ ኣስመራ ዓፋኝ ዝበሃሉ ወተሃደራዊ ጕጅለ ዝገርገርሉን ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ዝቕዘፍሉን እዋን ነበረ።

1975 ምስ ኣተወ ኸኣ ኣሃዱታት ጀብሃ ኣብ ኣስመራን ዓዲዃላን ሓደ ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ሓራ ዘውጽእሉ ዓመት፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተፈላለዩ ስርሒታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይካየዱ ነበሩ።

ሽዑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ይቕዘፉን ይእሰሩን’ኳ እንተነበሩ ብዓጸፋኡ ዝቝጸሩ መናእሰይ ድማ ንኽጋደሉ ንሜዳ ዝወርድሉ እዋን ነበረ። ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ፖሊስ ሓላፍነቶም ራሕሪሖም ንኽጋደሉ ዝመረጽሉ፡ ኣብ ኤርትራ ህጹጽ-ኣዋጅ ዝተኣወጀሉ ዘመን ነበረ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ወኪዱባ፡ ኦምሓጀር ከምኡ’ውን ኣቑርደት ዜጋታት ብኣሊፍ ዝጠፍእሉ ሕማቕ ዘመን ከም ዝነበረ ክስገር ዘይብሉ ፍጻመ ነበረ።

እምበኣርከስ ሽዑ’ዩ ኣሕመድ ናስር ከም ኣቦ-መንበር ተጋድሎ ሓርነት ተመዚዙ ክሰርሕ ዝጀመረ። ኣብ ግዜኡ ዝተፈጸሙ ስርሒታት ብዓቐኖም ግዝፎምን ዓይነቶምን ድማ ብሉጻት ነይሮም ክበሃል ይከኣል።

ከይጸንሐ ኸኣ ምስ ናይ ወጻኢ ልኡኽ ህዝባዊ ግንባር - ዑስማን ሳልሕ ሰበ - ሓቢሩ ክቃለስ’ኳ ወሰነ። እንተዀነ ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ተጋደልቲ ነቲ ናይ ሰላም ውዕል ብምንጻግ ንዑስማን ሰበ፡ ነቲ ካብ ሃገራት ዓረብ ንገድሊ ኤርትራ ዘድሊ ሓገዝ ጓሪቱ ዘምጽኦ ዝነበረ መራሒ ከም ወኪሎም ዝዀነሉ እዋን ነበረ።

ኢትዮጵያ እንክደፍኡ፡ ጀብሃ ግብረ-መልሲ እንክህቡ ዝነበረ ምርብራብ ቀሊል ኣይነበረን። ምስኡኸኣ ውግእ ሓድሓድ ስለ ዘርከበ እቲ ጸሊም ታሪኽ’ቲ ንኤርትራ ኣብ ሰንፈላል ኣእተዋ።

ብዘመን ኣሕመድ ናስር (ሰብዓታት) ጀብሃ ንኦምሓጀር፡ ተሰነይ፡ ኣቑርደት፡ ዓዲዃላ፡ መንደፈራ ክትቈጻጸር ብዙሕ መስዋእቲ ከፊላ’ያ። ኢትዮጵያ ብሸነኻ ተኸታታሊ ወራራት ኣካይዳ። ህዝባዊ ግንባር እውን ብወገኖም ብዙሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት የካይዱ ነይሮም።

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ላዕልን ታሕትን እናበለ፡ ብዙሕ መከራ ሰጊሩ ኣብ ናጽነት በጽሐ። ናጽነት ግን ትጽቢት ኣሕመድ ናስርን ብጾቱን ሒዛ ኣይመጸትን። ከም ባህግን ቃልስን ኣሕመድ ናስር ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያውን ሕብረ-ሰልፋውን ስርዓት ክትከል ኣይተኻእለን፣ ስለዚ ዝግብኦ ጻማን ሃገራዊ ክብርን ከይረኸበ ኣብ ሽወደን ብ2014 ብሕማም ካብዛ ዓለም ተፈልየ።

ኣሕመድ ናስር፡ ብዛዕባ ታሪኽ-ህይወቱ፡ ብዓረብኛ መጽሓፍ ጽሒፉ ምሕላፉ ይዝረብ እዩ። ግን እታ መጽሓፍ ክሳብ ሕጂ ኣይተሓትመትን። ተሓቲማን ተተርጒማን ናብ ህዝቢ ክትዝርጋሕ ብዙሕ ትጽቢት ይግበር እዩ።