ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኤርትራውያን ኣብ ዳያስፖራ ብኸመይ'ዩ ዝፍጸም?

እቲ ዝግበር ጸቕጥታት ብፍላይ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ፖለቲከኛታት፡ ከምኡ'ውን ጋዜጠኛታት ዒላማ ዝገበረ'ኳ እንተዀነ፡ ብሓፈሻ ንዅሎም ዝተፈልየ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ዝጸሉ ምዃኑ'ዮም እቶም ኤርትራውያን ዘመልክቱ።

ስግረ-ዶባዊ (transnational-repression) ብዝተፈላለየ ሜላታትን፡ ከምኡ'ውን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ኣገባባት ከምዝፍጸም'ዮም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ገሊጾም።

ኣብታ ን34 ዓመታት ብዘይቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን እትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊን ሲቪካዊን ውደባ፡ ከምኡ'ውን ናጻ ፕረስ ዝተኣገደ ብምዃኑ ተቓወምቲ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲን ናጻ ጋዜጠኛታትን ኣብ ስደት ክነጥፉ ተገዲዶም ይርከቡ።

ሓደ ካብዚኦም ጋዜጠኛን ጸሓፊን ዘካርያስ ክብርኣብ ኰይኑ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክጽሕፍን ክዛረብን ድሕሪ ምጅማሩ ጸቕጥን ምስርጣያትን ከምዘጋጠሞ ይዛረብ።

"ኣነ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ስደት ናብ ስክሪን ዝወጽኡ ኤርትራውያን'የ። እቲ ቀንዲ መጀመርያ ዝወጻእኩሉ ብመጽሓፍ መልክዕ'ዩ። እቲ ስደት ከመይ ከምዝነበረ፡ ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠመ ሽግርን፡ ኣብ ጀርመን ምስኣተና ኸኣ ናይ ኢሚግረሽን ሕጊታት ከመይ ጽንኩር ከምዝነበረ ንምቅላዕ'ዩ ነይሩ።"

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ፍልጥቲ ብሪጣንያዊት ጸሓፊት ሚሸላ ሮንግ ኣብ ዘቕረበቶ ተመኵሮ፡ ምልካውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቶም ሃዲሞም ኣብ ምብዕራውያን ሃገራት ዝኸዱ ማሕበረኮማቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከሰራጥዩ ከምዝፍትኑ ናይ ርዋንዳን ኤርትራን ኣብነታት ብምጥቃስ ገሊጻ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ንኸምዚ ዓይነት ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ዝምልከት መስርሕ ምጽራይ ብምእዋጅ፡ ግዳያት ናይ ከምዚ ዓይነት ምስርጣይ ዝዀኑ ሰባትን ተሓለቕትን መርትዖታት ከቕርቡ ዓዲሙ ነይሩ።

እቲ ብፍሉይ ኮሚቲ ሰባዊ መሰላት ዝምራሕ ምጽራይ፡ "ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይ ብኸመይ ንሰባዊ መሰላት ናይቶም ኣብ ብሪጣንያ ዝነብሩ ሰባት ከምዝጸልዎም ንምንጻር" ዝዓለመ'ዩ።

"መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ዘካየዱ መንግስታት ኣፍሪቃ'ዩ። መንግስቲ ርዋንዳ'ውን ቀንዲ ካብቶም ነዚ ዝፍጽሙ'ዩ" ትብል ሚሸላ። እቶም መንግስታት ግን ንኸምዚ ዝበለ ወቐሳ ክነጽግዎ'ዮም ዝስምዑ።

ኣየኖት መንግስታት ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከምዝፍጽሙን ዝጥቀምሉ ኣገባባትን ንምፍላጥ፡ ጭብጥታት ብጽሑፍ ክቐርበሉ እቲ ኮሚተ ፓርላማ ብሪጣንያ ዕድል ከፊቱ።

ዝተፈላለዩ ስልትታትን ኣገባባትን

ሚሸላ ከምእትብሎ እቶም ነቲ በደል ዝፍጽሙ ስርዓታት ተመሳሳሊ ስልትታት ከምዝጥቀሙ'ያ ትገልጽ።

"ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ከምዝተዓዘብክዎ፡ መንግስታት ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ኣገባብ ብምጥቃም'ዮም ኣብ ዳያስፖራ ንዘለዉ ማሕበረኮማት ሃገራቶም ዝከታተሉን ዘሰራጥዩን።

"ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ እዞም ኣብ ዳያስፖራ ዘለዉ ማሕበረኮማት ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ'ዮም ዝነብሩ። ኣብ መንጐኦም ምጥርጣር ስለዝፍጠር ድማ ሓድሕድ ምትእምማን የጥፍኡ፡" ትብል።

ብፍላይ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዳያስፖራ ፖለቲካዊ መርገጺታትን ኣረኣእያን ዘበገሶ ወጥሪን ምትፍናንን እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ፍልልያት ንመዓልታዊ ማሕበራዊ ህይወትን ኣገልግሎታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣካላዊ ድሕነት ከይተረፈ ስግኣት ዝፈጥር'ዩ።

"ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻ ናብ ኣብያተ መግቢ እኳ ኬድካስ ከም ተራ ሰብ እንጀራ ኣዚዝካ ክትበልዕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ብምባል ኣብ ፈለማ ዓመታት ናይ ስደት ህይወቱ ንዘጋጠሞ ጸቕጥታት ይዝክር።

"ሓደ እዋን ብዘይ ኣፍልጦ ጥራይ ናይ ዓደይ ሽም ስለዝራኣኹ፡ እንቋዕ ድሓን መጻእካ ኢሎም ክቕበሉኒ'ዮም ኢለ፡ ምስ ኣዕሩኽተይ ናብኡ ኣቲና መግቢ ኣዚዝና። ግና ኣብቲ ቦታ ክንረአ ቅቡላት ከምዘይኰንና፡ ድሕሪ ሕጂ ክንመጽእ ከምዘይብልናን ካብቲ ሬስቶራንት ክንወጽእ ከምዘለናን ተነጊሩና ተሰጒግና" ይብል ኣዳላዊ ቻነል ዩቱብ መስትያት ቤትና ዝዀነ ዘካርያስ።

ኣብቲ ቤት መግቢ ስእሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰቒሉ ከምዝነበረን ፍሉጣት ደገፍቲ መንግስቲ ዝኣትውዎ ምዃኑ'ውን ይጠቅስ።

"ስለዚ ሬስቶራንት ክንከይድ መሪጽና ኢና፣ ቤተክርስትያን ክንከይድ መሪጽና ኢና፣ ኣብ ኩሉስ ቅቡላት ኣይኮናን፡ እዚ ድማ'ዩ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ኰይኑ ዝስማዓኒ ንዓይ።"

ተቓዋሚ መንግስቲ ዝዀነ ሰንጋል ዛይድ ከምዝብሎ'ውን፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝብሎም ውልቀሰባት ብቴለፎን ከይተረፈ ደዊሎም ከምዘፈራርሕዎ'ዩ ዝዛረብ።

"ንዓና ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ከቢድ ዝዀነ ጸቕጢ'ዩ ዘለና" ብምባል "ብዙሕ ኣሎ ኣብ ሞባይልካ ዝሰዱልካ፡ ከነጥፍኣካ ኢና ክንቀትለካ ኢና" ዝብል ቀጥታዊን ዘይቀጥታውን ምስርጣይ ከምዝበጽሖ ይጠቅስ።

እቲ ኵነታት ማሕበራዊ ተነጽሎን፡ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ብምስዓብ ብዙሓት ሕጉስን ቅሱንን ናብራ ከይህልዎም ዕንቅፋት ከምዝዀነ'ዮም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ተሓለቕቲ ዘረድኡ።

እቲ ምትፍናን ኣብ ትካላት ሃይማኖት፡ ስድራቤታት፡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምትእኽካባትን ዝንጸባረቕ ምዃኑ'ውን ብዙሓት ኤርትራውን ዘማርርሉ ጉዳይ'ዩ።

ኤምባሲታት ኤርትራ'ውን፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም ከም ሬሳ ምስዳድ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝደልዩ ወይ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝደልዩ ሰባት "ናይ ጣዕሳ ሰነድ" ክፍርሙ ብምግዳድ ኣካል ናይቲ ኣብ ወጻኢ ብመንግስቲ ዝፍጸም ጸቕጥን ምስርጣይን ምዃኑ'ዮም እቶም ተሓለቕቲ ዝዛረቡ።

ሚሸላ ሮንግ እዚ ምልካውያን ስርዓታት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ምስርጣይ "ከቋርጽዎ ኣለዎም። ስለዚ ሱር ነቀል ለውጢ ክንሪኢ ንደሊ ኢና። ገለ ኤምባሲታትውን ነዚ ዝገብርዎ ዘለዉ እንድሕር ቀጺሎሞ ክዕጸዉ ምዃኖም ክንገሮም ኣለዎ" ትብል።

ውደባታት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ

ተሳተፍቲ ኣኼባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይ
መግለጺ ስእሊ,ተሳተፍቲ ኣኼባ ስግረ-ዶባዊ ምስርጣይ

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዘለዎ ደገፍ ኤርትራውያን ዓቢ ጠመተ ዝገብረሉ ኰይኑ "ራብዓይ ግንባር" ክብል ብወግዒ ዝጽውዖ'ዩ።

ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ዝጸንሖ ህዝባዊ ወደባታት'ውን ኣብ 1998 ጀሚሩ ዝያዳ እናኣሐየሎ'ዩ መጺኡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት ዘሎ ጨናፍር ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ብፍላይ እቲ ቀንዲ ንኣብ ስደት ዝተወልዱ ዝሓቘፈ ክንፊ መንእሰያት ናይቲ ውድብ (YPFDJ) ሓደ ካብቶም ንጡፋት ውደባታት መንግስቲ'ዩ።

እቲ ኣብ 2005 ዝተመስረተ "ሓያል ስግረ-ዶባዊ ውድብ መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ . . . ብጸላእቲ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓሶት ንምቅላዕ" ዝተፈጥረ ምዃኑ ብመንግስቲ ዝውነን መርበብ ሓበሬታ የመልክት። ተቓወምቲ መንግስቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ከኣ ኣካል ናይቶም "ጸላእቲ" ተባሂሎም'ዮም ዝግለጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ብኤምባሲታት ዝእለያን ዝቕለሳን ማሕበረኮማት፡ ከምኡ'ውን ጨናፍር ናይታ ብግብሪ ኣካል ህግደፍ ምዃና ዝንገረላ ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ) ኣካል ናይቲ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ምንቅስቓሳት መንግስቲ ኤርትራ'ዮም።

ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ ግን፡ እዞም ወደባታት እዚኦም ንሃገሮም ኣብ ምድጋፍን ምፍላጥን፡ ከምኡ'ውን ኤርትራውያ ምስ ሃገሮም ዘለዎም ባህላዊን ማሕበራዊን ርክብ ንምድልዳል'ውን ግደ ከምዝጻወታ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም።

እንተዀነ፡ እዚ ነቶም ንመምርሒታትን ፖለቲካዊ ፖሊሲን መንግስትን ወኪላቱን ዝሰማምዑን ዝምእዘዙን ዝወሃብ ዕድል ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ብኤምባሲታቱን ካልኦት መሓውራቱን ኣቢሉ ዝቈጻጸሮም ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕማማት ኣብ ምፍጻም ዝተዋፈሩ ምዃኖም ሰብመዚ ባዕሎም ክገልጽዎ ዝጸንሑ'ዩ።

ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ተቓወምቲ ዝቐርብ ክስታት

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ግጭት ክፍጸም ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ቀዚፉን፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ካልኦት ድማ ከቢድ ስንክልና ከምዝሽከሙ ገይሩ።

ብፍላይ ብርጌድ ንሓመዱ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ መንእሰያት፡ ኣብ ልዕሊ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝውደብ ጽንብላት ዘካየዶ መጥቃዕትታት ነቲ ምትፍናንን ወጥርን መሊሱ ኣዕሪግዎ'ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሰብመዚ ጸጥታ ናይተን ሃገራት ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ክሳብ ንሓያለ ዓመታት ዝጸንሕ ማእሰርቲ ከምዝፍረዱ ገይሮም።

ኣብ ከም ብዓል ጀርመን፡ ሆላንድ፡ ብሪጣንያ፡ ሽወደን፡ ከምኡ'ውን ካናዳ ዝበላ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ብፖሊስ ዝድለዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ከምዘለዉ'ውን መርኣያ ናይቲ እናኸፍአ ክመጽእ ዝጸንሐ ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እዩ።

እቲ ዝኸፍአ ሓድሕዳዊ ግጭት ኤርትራውያን ግን እቲ ኣብ እስራኤል ዝተራእየ ሕጂ ብተዛማዲ ሃዲኡ ዘሎ ዝመስል ቀዛፊ ምትፍናን እዩ።

እዚ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ዘውርድ ግጭት ኣብቲ ካብ ግንቦት ክሳብ መስከረም ዘሎ እዋናት ዝግበር ጽንብላት'ዩ ዝያዳ ክውላዕ ዝርአ።

ዘካርያስን ሰንጋልን ከምዝብልዎ ግን፡ እቲ ግጭታት ብደገፍቲ መንግስቲ ዝተዃቶዂ ምዃኑ'ዮም ዝምጕቱ።

"ዕላማ ናይቲ መንእሰይ፡ ናብ ዳሳት ህግደፍ ወይ ናብቲ ጽንብል ዝግበረሉ ከይዱ ደው ከብሎ ዝደሊ ዘሎ፡ ኣብኡ ፕሮፖጋንዳ ናይ ጽልኢ፡ ንማሕበረኮም ናይ ምፍልላይ፡ ገንዘብ ነቲ ስርዓት ንምኽዕባት ተባሂሉ ዝግበር ስለዝዀነ ንዕኡ ንምቅዋም እዩ።"

"ኮነ ኢሉ ክሃርም ዝኸይድ የለን። ምናልባት እቲ መንእሰይ ግን፡ ሕጂ እቲ ወጽዓ እናነውሐ ኣብ ዝኸደሉ በሰላ ኣለዎ፡ ሕርቃን ኣለዎ፡ ኣብ ገለ ገለ በጨቕ ኢሉ ነንባዕሉ እቲ ሕብረተሰብ (ካብ ክልቲኡ ወገን) ዝጋጮ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡ ነይሩ'ዩ።"

"እቲ ሱር ናይቲ ጠንቂ ግን እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት'ዩ" ክብል'ዩ ሰንጋል ዝምጕት።

ዘካርያስ'ውን እቲ ብወገን ሰብመዚ መነግስትን ደገፍቱን ዝነቅል ጠቐነን ዘለፋን እቲ ምትፍናን ክግንፍል ከምዝገብር ይዛረብ።

"መንእሰይ'ዩ ኢሎም ስምዒቱ ይትንክፍዎን የረሳስንዎን እሞ፡ ድሓር በተግ ኢሉ ገበናት ንኽፍጽም ይደፍእዎ። ንኣብነት ኤርትራዊ ኣይኮንካን ይብሉኻ፣ ንስኻ'ኳ ትግራዋይ ኢኻ፡ ኢትዮጵያ ኢኻ፡ ከዳዕ ኢኻ ኢሎም ብማዕዶ ኰይኖም ዓው ኢሎም ወይ ብሕሹክታ ይጸርፉኻ።"

"ድሓር እቲ ሰብ ስምዒቱ ገንፊልዎ ኣብ ጽርግያታት መጥቃዕቲ ይወስድ። ሕጂ ፖሊስ ክመጽእ ከሎ፡ ነቲ ብተግባር ኢዱ ወስ ዘበለን ተቘጢዑ ገለ ነገር ስጕምቲ ዝወሰደን እዮም ገበነኛ ዝገብርዎ" ብምባል "እቲ ዘረሳሰነ ግን ብጉርሒ" ግዳይ ሕጊ ኣይከውንን ይብል።

ሰብመዚ እተን ኤርትራውያን ዝርከቡለን ሃገራት፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ፈሪሑ ዑቕባ ዝሓተተ ሓቀኛ ስደተኛ ፈልዮም ክርእይዎ'ዩ ዘካርያስ ዝምሕጸን።

ገለ ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም፡ እዘን ሃገራት ንደገፍቶም ካብ መጥቃዕቲ ብዘይምክልኻለን፡ ከምኡ'ውን ንገለ ጽንብላት ምእጋደን ክነቕፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።