ኬንያ፡ ኣብ ሓደገኛ ጉዕዞ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጠፍኡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ 10 ተስፋ ዝቖረጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ገጾም ተበጊሶም። መዕለቢኦም ኡጋንዳ’ዩ።

ክሳብ ቀረባ ዓመታት ኣስታት 200 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝበዝሑ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ነይሮም።

ይኹን’ምበር እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኲናት ሓድሕድ ንመዓስከራት ስደተኛታት ስለዝጸለዎም፡ እቶም ዓቕሎም ዝጸበቦም ኤርትራውያን ካልእ ውሑስ መዕቆቢ ቦታ ክደልዩ ተገዲዶም።

ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም፡ ካብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝሃደሙ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ከቢድ ጉዕዞ ምድረ በዳ ሳሃራን ማእከላይ ባሕርን ሰጊሮም ንኤውሮጳ ቅድሚ ምብጽሖም ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም እዮም።

ሕጂ ግን እታ ቀንዲ መተሓላለፊት ጉዕዞኦም ዝነበረት ሱዳን ብጽዕጹዕ አዕናዊ ኩናት ሓድሕድ ተናዊጻ ስለዘላ እቶም ተስፋ ዝቖረጹ ስደተኛታት ናብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ ገጾም ክጥምቱ ተገዲዶም ኣለዉ።

እዞም ጉጅለ ስደተኛታት ብኬንያ ሰጊሮም ናብ ኡጋንዳ ምስ በጽሑ፡ ብእኡ ኣቢሎም፡ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ናብ ኤውሮጳ ወይ ሰሜን ኣመሪካ ክኸዱ እዩ ተስፍኦም።

እቶም ኣርባዕተ ንስድራ ቤቶም ኣብ ከቢድ ሓዘን ሸሚሞም ክሞቱ እንከለው እቶም ዝተረፉ ከኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም ናብታ ዕግርግር ዝመልኦ ዝመጽእሉ ቦታ ከይምለሱ ብሻቕሎት ይጽበዩ ኣለው።

ብጭንቂ ዝደብዘዘ ተስፋ

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዶብ ኬንያ ምስ ሰገሩ፡ ኣብ ሓንቲ ዕጽውቲ ትዮታ መኪና ተጸፋጺፎም ብኣውራጃ ኢሲዮሎ ኣቢሎም ናብ ኬንያ ክኣትው ጉዕዞ ጀሚሮም።

ኣዛዚ ፖሊስ ሜሩ ካውንቲ ካኒንግሃም ሱያንካ፡ እቶም ስደተኛታት በታ ዝተዳለወትሎም ዕጽውቲ ቶዮታ መኪና እናተጓዕዙ፡ ካብ ከተማ ሜሩ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኢጎጂ ምስ በጽሑ፡ ኣባላት ፖሊስ ይስዕብዎም ከምዘለዉ ከምዝተረድኡን ሓቢሩ። ቅድሚ ናብ ኣውራጃ ሜሩ ምእታዎም ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣጋጢምዎም።

“እቲ መራሒ መኪና ፖሊስ ይስዕብዎም ከምዘለዉ ምስ ፈለጠ ብልዑል ናህሪ ክዝውር ይውንጨፍ ኔሩ። ሽዑኡ ከኣ እያ እታ መኪና፡ ናብ ናይሮቢ ምስ እትጓዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ፊልደር ፊት ንፊት ተጋጭያ” ይብል።

እቶም ሰለስተ ስደተኛታት ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሽዑ ንሽዑ ኣብቲ ቦታ ሞይቶም። እቲ ኬንያዊ ምዃኑ ዝእመነሉ መራሒ መኪና ግን ብዘይ ዝዀነ ይኹን መጉዳእቲ ብህይወት ድሒኑ ስለዝሃደመ ገና ኣብ ቀይዲ ኣይኣተወን።

ሓደ ትሕተ ዕድመ ኣባል እቶም ጉጅለ ስደተኛታት ኣብ መወከሲ ማእከል ሆስፒታል ሜሩ ተሓኪሙ። እቶም ኣብታ ፊልደር ትዮታ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተጓዓዝቲ ተሓኪሞም ተፋንዮም።

"ንሓደ ካብቶም ግዳያት ናብ ሓፈሻዊ መወከሲ ሆስፒታል ሜሩ ከነሰጋግሮ እኳ እንተደለና፡ ንሳቶም ግን ንናይሮቢ ክኸዱ ስለዝደለዩ ኣምቡላንስ ተኻርዮም ኣስታት ሰዓት 10 ምሸት ጉዕዞኦም ቀጺሎም " ይብል እቲ በዓል ስልጣን።

ብመሰረት ብ7 ለካቲት ብፖሊስ ዝተላእከ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝነበሩ ሰባት ብስሞም ተለልዮም እዮም።

ቢቢሲ፡ ምናልባት ስድራ ቤቶም ዘይተሓበሩ ከይኰኑ ብምባል’ዩ ነቲ ዝርዝር ኣስማት ዘይዘርገሖ።

ካልኦት ሰለስተ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝጸንሑ፡ ብስሞም ዝተለለዩ ደቂ 18፣ 22ን 25ን ዓመት እውን ተሓኪሞም ወጺኦም ኣለዉ።

ነቶም ክልተ ሬሳታት ኣዝማዶም ወሲዶሞም ኣለው። እቶም ክልተ ካልኦት ግንኀ ኣብ መጽንሒ ምውታን ሆስፒታል ካንያኪነ ኣለው።

ተስፋኦም ሕጂ ናብ ራዕዲ ተቐይሩ ኣሎ

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት፡ ከመይ ገይሮም በቲ 800 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን እንኮላይ በቲ ዘይንቡር መገዲ ከምእተጓዕዙን ንፖሊስ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ጽርግያ ኢሲዮሎ-ሞያለ ካብ ዝርከብ ናይ ተፍትሽ ኖቕጣ፡ ከመይ ገይሮም ብሞተር ብሽክለታ ተጠዋውዮም ከምዝሓለፉዎ ገሊጹ።

“ብ30 ጥሪ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊስና ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ምስ ሰገርና፡ ብሞተር ብሽክለታ ጉዕዞና ቀጺልና። ድሕሪ ሰሙን ኢሲዮሎ በጺሕና። ካብኡ ብለይቲ በታ ዝተሳፈርናያ ዕጽውቲ ትዮታ ቦክስ ጉዕዞና ቀጺልና ” ይብል እቲ ብሰንኪ ድኻምን ሕጽረት መግብን ዝደኸመ መንእሰይ።

ናይሮቢ ምስ በጽሑ ድማ፡ ሓደ ካልእ ሰብ ናብ ኡጋንዳ ምስ ዘሰጋግሩዎም ሰባት ከራኽቦም ትጽቢት ከም ዝነበሮም ገሊጹ።

“ኣብ ኡጋንዳ ምስ ኣተና፡ ናብ ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ ዘግሸና ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከዳልውልና ምዃኖም ቃል ተኣትዩልና ነይሩ። ኣብተን እንኸደን ሃገራት ዝሓሸ ናብራ ክንነብር ኢና ዝብል ትጽቢት ነይሩና። ሕጂ ግን ምስ መንደቕ ተራጺምና፡ እንታይ ከም ዘጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና” ይብል እቲ ወዲ 22 ዓመት።

ናብ ኡጋንዳ ንክኣትው 2000 ዶላር ኣሜሪካ እኳ እንተኸፈሉ ምስቲ ነቲ ጉዕዞ ዝውደበሎም ሰብ ግን ከምዘይተራኸቡ ገሊጹ።

ንሙሉእ እቲ ናብ ኡጋንዳ ዝገበርዎ ጉዕዞ 2000 ዶላር ኣሜሪካ (280 ሽሕ ሽልንግ) ከምዝተኸፍለሎምን ምስቲ ነቲ ጉዕዞ ዘዳለወሎም ሰብ ግን ከምዘይተራኸቡን ገሊጹ።

ቀታሊ መንገዲ

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,LW

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ እዋን ልደተ ክርስቶስ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ቀላይ ቱርካና ኬንያ ሞይቶም፡ ሬሳኦም ኣብ ማይ ተንሳፊፉ ተረኺቡ።

ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ እቶም ኤርትራውያን፡ ናብ ኡጋንዳ ንክሰግሩ እንከለው ብፖሊስ ከየረኣዩ ምእንቲ እዮም ሰዓት 11 ናይ ምሸት ናብቲ ቀላይ ኣትዮም።

እቶም ሓሙሽተ ስደተኛታት ስለምንታይ ናብቲ ቀላይ ክኣትዉ ከምዝተገደዱ ዛጊት ኣፍልጦ የብሎምን። ሬሳኦም ካብ ሎድዋር ተኣኪቡ ብናይሮቢ ናብ ኤርትራ ተላኢኹ።

እዚ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ነቶም ብዶባት ቱርካና ኣቢሎም ናብታ ሃገር ክሰግሩ ዝፍትኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ዘጉልሕ እዩ።

ካልእ ኤርትራዊት ስደተኛ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ናብ ኡጋንዳ ንክትበጽሕ ዘሕለፈቶ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣቃሊዓ።

እታ ስደተኛ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ኣሰጋጋሪ ብናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉዕዞ ናብቲ እትደልዮ ቦታ ንኸብጽሓ 2000 ዶላር ኣኽፊሉዋ።

ይኹን እምበር፡ ናብ ኬንያ ምስ ኣተው፡ እቲ ዅነታት ኣዝዩ ጸንኪሩ።

እቲ ዝተዋህባ ናይ ሰለስተ መዓልታት ተስፋ፡ ካልእ ዘይተጸበየቶ ተኸታታሊ ፈተናታት ተደሪቡዎ።

እቲ ጉጅለ፡ ካብ ፖሊስ ንኽሕባእ ምስ ስደተኛታቱ ብዘይተለምደ ጫካታት ኬንያ ን16 መዓልታት ብእግሪ ክጓዓዝ ተገዲዱ።

እቲ ብዝናብን ውሕጅን ብጸቢብ ዝፈታተኖም ጉዕዞ ከኣ ኣብ ህይወቶም ዘሕዝን ተመክሮ ሓዲጉሎም’ዩ - ስለዝዀነ ካብቲ ሓደጋ ብጸቢብ እዮም ኣምሊጦም።

ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመዛቢሉ’ዩ። ንብዙሓት ኤርትራውያን ሱዳን ካልኣይቲ ዓዶም እያ ነይራ።

እዞም ኤርትራውያን ካብቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ሃዲሞም እዮም ናብ ሱዳን ሃዲሞም ዝኣትው።

ፖሊስ ኬንያ’ኸ እንታይ ይብሉ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ በረኻታት ኬንያ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ በረኻታት ኬንያ

ጸብጻባት ፖሊስ ኬንያ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ብህይወት ዝደሓኑ ስደተኛታት ድሮ ካብ ናብ ናይሮቢ ናብ ዝመጽእሉ ክምለሱ ኣብ ትጽቢት እዮም ዘለው።

ይኹን’ምበር፡ ካብ ናይሮቢ ዝተረኽቡ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ክሳብ ሕጂ ነቶም ስደተኛታት ንምስጓጎም ዝዀነ ምድላዋት ከምዘየሎ እዩ ዝፍለጥ።

እዚ ፍጻመ፡ ጽርግያ ኢሲዮሎ-ሞያለ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዓቢ መተሓላለፊ መስመር ምዃኑ ኣብ ዝተነግረሉ እዋን ዘጋጠመ እዩ።

ኣብ ታሕሳስ 2023፡ ብውሕዱ 63 ኤርትራውያን ናብ ናይሮቢ ክጓዓዙ እንከለው ኣብ ሓደ ዓዲ ኣውራጃ ዋጂር ብፖሊስ ተታሒዞም።

ብተወሳኺ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት 60 ኤርትራውያን ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ቱርካና ተኣሲሮም ዑቕባ ከምዝሓቱ ተገይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ካብ ዞባታት ሪፍት ቫሊን ምብራቓዊ ዞባታት ኬንያ ዝተዋጽኡ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማርሳቢት፡ ሳምቡሩ፡ ሜሩ፡ ላይኪፒያን ኢሲዮሎን ዝርከቡ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ጉጅለታት ንዝሓሸ ስራሕን ውህደትን ንምርግጋጽ ኣብ ኢሲዮሎ ተራኺቦም።

ኮሚሽነር ዞባ ሪፍት ቫሊ ዶክተር ዓብዲ ሓሰንን መዘንኡ ናይ ዞባ ምብራቓዊ መዘንኡ ፖል ሮቲችን፡ ጽርግያ ኢሲዮሎ-ሞያለ ንገያሾ፡ ኣውፈርቲ፡ ነበርትን መራሕቲ መካይንን ውሑስ ምዃኑ ንምርግጋጽ እኹል ስጉምትታት ከምዝተወሰደ ገሊጾም።

እቶም ሰበስልጣን፡ እቲ ሓድሽ ስጉምትታት፡ ኣብቲ መስመር ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ ፋርስን ደቂ ሰባትን ከምዝንኪ ኣረጋጊጾም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ጽርግያ ስሩዕ ሮንዳን ምክትታልን ስለዘየሎን፡ ኣብቲ መስመር ብዙሕ ዘይሕጋዊ ጠበንጃ ምዝውዋር ስለዘሎ ምዝውዋር ሰባትን ዕጸ ፋርስን ንምቁጽጻር ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ።