ኤርትራ፣ ኣብ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ብቅድድም ብሽክለታ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ

ኣብ ጋና ኣብ ዝካያድ ዘሎ መላእ ጸወታታት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስፖርት ዝወዳደሩ 35 ኣትሌታት ልኢኻ ዘላ ኤርትራ፣ ብ12 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ፣ ሰለስተ ወርቂ ሓፊሳ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ክሮኖሜተር፣ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝኾኑ ናሆም ዘርኣይ፣ መርሃዊ ቅዱስን ሚልክያስ ማእከለን ተመራሪሖም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምእታው፣ ወርቂ፣ ነሓስን ብሩርን ኣንጠልጢሎም።

ኖሆም ዘርኣይ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ‘ውን ቀዳማይ ብምዕዋት፣ ንኤርትራ ክልኣይቲ ወርቂ ከምጽኣላ እንከሎ፣ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተመሳሳሊ ዕድመ ድማ ኣድያም ዳዊት ነታ ሳልሰይቲ ወርቂ ናብ ጸንቢራታ።

ኣብ 09 መጋቢት፣ 100 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ጽርግያ ሲንየር ደቂኣንስትዮ፡ ተቐዳደምቲ ኣድያም ዳዊትን ሞናሊዛ ኣርኣያን ብሲንየር ደረጃ ሻብዓይን ሻሙናይን ተርታ ክስርዓ ከለዋ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ፡ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምሓዝ ብቅደም ተኸተል ብሩርን ነሓስን ሜዳልያ ተሸሊመን‘የን።

ኣብ 10 መጋቢት ድማ፡ 137.5 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ ውድድር ጽርግያ ሲንየር ደቂተባዕትዮ፡ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ ብምውጻእ ነሓስ ሜዳልያ ከንጠልጥል እንከሎ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ድማ ሳልሳይ ተርታ ዝተሰርዐ ናሆም ዘርኣይ፡ ነሓስ ሜዳልያ ረኺቡ።

ኣብዚ ካብ 8 መጋቢት ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ፣ ዝንኣደ ምንቅስቓስ ዘርኣየ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ ብሓፈሻ፣ ክልተ ወርቂን ሓንቲ ነሓሰን‘ዩ ተዓዊቱ።

ጽወታታት መላእ ኣፍሪቃ፣ ኣብ 23 መጋቢት ክዛዘም‘ዩ።