ድራር ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና ንምንታይ ኢና ንግሆ ኣዚና ንጠሚ?

እዚ ናይ ጥሜት ስምዒት ካብቲ ንቡር ዝብሃል ጥሜት ዝተፈለየ ምዃኑ’ዩ እቲ ዝያዳ ኣዛራቢ ዝገብሮ።

እንተኾነ እቲ ስምዒት ካብ ሰብ ናብ ሰብ ስለ ዝፈላለ፡ ከምኡ ተሰሚዕዎም ዘይፈልጥ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ።

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ዝበልዕዎ ብዝሒ መግቢ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መኣዲ ዝምለሱ ኣይመስሎምን።

ካብ ኣዝዮም ምጽጋቦም ዝተላዕለ ከኣ ‘ብልዑ’ እንተኢልካዮም “መዓርኳ ኣይውስኸላ” ኢሎም ክምልሱልካ ይኽእሉ’ዮም። ንግሆ ግን ምጥማዮም ኣይተርፎምን’ዩ። ወረ ምስ ሃለፍትኡ።

እቲ ጠንቂ ብመጽናዕቲ ኣመጋግባን ስነ-ኣእምሮን ክግለጽ ይኽእል ድዩ?

ምሽት ጽግብ ኢልኩም ንግሆ ካብ ንቡር ንላዕሊ ጥሜት ዝስምዓኩም እንተኾይኑ ድሓን ኣይትሻቐሉ ኣብ በይንኹም ኣይኮነን።

ምስ ኣመጋግባ ዝተኣሳሰሩ ዝተገብሩ መጽናዕቲታት ገና ንኹሉ እቲ ምኽንያታት ኣብ ዝገለጸሉ ደረጃ’ኳ እንተዘይበጽሑ፡ ክኢላታት ግን ንገላ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ከምዚ ዓይነት ስምዒታት ክገልጹ ፈቲኖም እዮም።

ብመሰረት ክኢላታት ዝሃብዎ ሞያዎ ትንተና፡ ብብዝሒ መግቢ ምብላዕ ብዙሕ ነገራት ክቕይር ይኽእል እዩ፡ ሓደ ካብኡ ድማ ጥሜት ከም ዝስምዓና ምግባር እዩ።

እቲ ሓሳብ ከብድና ስለዝተመገበን ስለዝሰፍሐን እዩ ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ክኢላታት ግን እዚ ፈጺሙ ሓቂ ክኸውን ከምዘይክእል ይዛረቡ።

ሓቂ እዩ ብብዝሒ ክንበልዕ ከለና ከብድና ይንፋሕን ምስ ጠመና ድማ ይሽምረርን’ዩ።

ፕሮፌሰር ይሁነይ ኣየለ ኣብ ዲላ ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ኣመጋግባን ስነ መግብን እዩ። ኣብ ከስዐና ዝኣተወ መግቢ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ኣርባዕተ ሰዓት ከም ዝሓቕቕ ከኣ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ስምዒት ጥምየት ሓንጎልና ካብ ካልኦት ክፋላት ኣካላትና ስምዒታት ወሲዱ ዝመልሰሉ መልእኽቲ ምዃኑ ይፍለጥ" ይብል።

ብተወሳኺ ምሸት መግቢ ፍጊዕ ክሳብ ዝብለና በሊዕና እከለለና ንግሆ ስለምንታይ ሃለፍ ክሳብ ዝብለና ጥምየት ይስምዓና ዝገልጽ ፍሉይ መጽናዕታዊ ውጽኢት ከምዘይፈልጡ እኳ እንተሓበሩ፤ ብብዝሒ እንበልዖምን ከብድና ጥርንቕ ዘብሉልናን እንተኾነ ቀልጢፎም ዝሓቑ ዓይነታት መግቢ ከምዘለዉ እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ።

ኣብዚ መዳይ እዚ “ሓንጎልና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሆርሞናት መልእኽቲ ተቐቢሉ ከብድና ጽጉብ እንከሎ ናይ ጥምየት ስምዒት ከምዝስምዓና መልእኽቲ ዝሰደሉ እዋናት ኣሎ” ይብል ፕሮፌሰር ይሁነይ ኣየለ።

ከብድና ክብደት ሰብነትናን ቁመትናን ብዘየገድስ ዓቕሚ ኣዳም ኣብ ዝበጽሑ ሰባት ካብ 1 ክሳብ 2 ሊትሮ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎ። ኣብ ገለ ሰባት ከኣ ልዕሊኡ።

ከከምቲ ዝረኸቦ ዓይነትን ብዝሕን መግቢ ከኣ ክገፍሕን ክሽምረርን ይኽእል።

ኣብ ከብድና ክልተ ሰልስተ ዝኮኑ ዓይነት ሆርሞናት ናብ ሓንጎልና ናይ ጥምየት መልእኽቲ ይሰዱ’ሞ ጥሜት ክስምዓና ይጅምር።

እዞም NYP ከምኡ ከኣ AgRP ዝብሃሉ ሆርሞናት ጥሜት ንኽስምዓና ሓላፍነት ዘለዎም ቀንዲ ሆርሞናት’ዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማስትሪክት ተመራማሪት ዝነበረት ካሮሊን ቫን ደን ኤከር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ሓንጎልና ዝስምዖ ናይ ጥሜትን ጽምእን ስምዒት፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ኣመጋግባና ልምዲ ኮይኑ ናይ ጥሜት ወይ ናይ ምብላዕ ድሌት ክፈጥር ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ብመሰረት እዚ ምስ ስድራቤትን ፈተውትን ኮይንካ ወይ’ውን ንበይንኻ ኣዝዩ ብዙሕ ድራር በሊዕካ ክንስኻ ንግሆ ብርቱዕ ጥምየት ክስምዓካ ንቡር’ኳ ኣንተኾነ ጽቡቕ ከምዘይኮነ’ያ ሞያዊ ምኽራ ትልግስ።

ካብ ንቡር ንላዕሊ በሊዕካ ድሕሪ ምጽጋብካ ንጽባሒቱ ወይ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ጥሜት ዝስምዓካ፡ ከብድኻ ስለ ዝተዘርግሐ ዘይኮነስ ከብድኻ ብዙሕ መግቢ ምብላዕ ስለ ዝተላመደ ከም ዝኾነለ ከኣ ትገልጽ።

ካልእ መግለጺ ድማ፡ ምሸት ኣዚኻ ምስ ጸገብካ፡ መጠን ሽኮር ኣብ ደምካ ኣዝዩ ይውስኽን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ብቕልጡፍ ይወርድን እዩ። እቲ ብርቱዕ ጥሜት ዝስምዓና ከኣ መጠን ሽኮር ኣብ ደምና ሃንደበት ኣዝዩ ምስ ዝወርድ እዩ ትብል።

ስለምንታይ ኢና ንጠሚ?

እቲ ንምንታይ ኢና ንጠሚ ዝብል ሕቶ፡ መሰረታዊ ሕቶ'ኳ እንተኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና ግን መልሱ ዝተሓላለኸ'ዩ ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ መምህር ሸውሃትን ስብሕን ዶክተር ኣሩን ኩማር፤ "ኣብ ዓውዲ መጽናዕተይ፡ ጥሜት፡ ንባዮሎጂካዊ ድሌት ምላሽ ንምሃብ፡ ገለ ነገር ንምብላዕ ዝግበር ጸቕጢ'ዩ ዝግለጽ" ይብል።

ብቐሊል ኣዘራርባ ጥሜት ማለት ኣካላትና ዕቑር ጸዓትና ንምምላእ ወይ ኣካላትና ንኽሰርሕ ክንበልዕ ከምዘለና መልእኽቲ ምስ ዝልእኸልና እዩ።

እቲ ክኢላ፡ ብዩኒቨርሲቲ ሊድስ ብዛዕባ ስምዒት ጥሜት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ስምዒት ጥሜት ካብ ድሌት ምብላዕ ከም ዝመጽእ ይገልጽ።

ኣካለዊ ምንቅስቃስ ምስ ናይ ምብላዕ ድሌት ከምዝተኣሳሰር ብምግላጽ ከኣ ብቅልል ዝበለ ኣገባብ፡ ስምዒት ጥሜት ምስ ናይ ምብላዕ ድሌት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሞያውያን ይሕብሩ።

“ከብድና ጥራዩ ምስ ዝኸውን፡ ትሑት መጠን ሽኮር ደምን ምስ ሸውሃት ምግቢ ዝተኣሳሰሩ ሆርሞናትን ዝኣመሰሉ ምልክታት’ውን ከጥምዩና ወይ ናይ ጥሜት ስምዒት ክፈጥሩልና ይኽእሉ’ዮም" ይብል ዶክተር ኣሩን ኩማር።