ክልተ ኤርትራውያን ኣብ መስመር ኬንያ-ዩጋንዳ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ሞይቶም

እቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ሳያቱ ኣብ ጽርግያ ናኩሩ-ኤልዶሬት (128 ኪሜ ካብ ዶብ ዩጋንዳ) ዘጋጠመ ኰይኑ እቶም ከቢድ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣብቲ ሆስፒታል ይናበዩ ኣለዉ።

ምንጪታት ፖሊስ ዝጠቐሳ ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ እታ ኤልዶረት ሻትልስ ብዝበሃል ኩባንያ እትካየድ 11 ሰባት ከተሳፍር እትኽል ሚኒባስ፡ ኵሎም ኤርትራዊ ዜግነት ዘለዎም ተሳፈርቲ ሒዛ ከምዝነበረትን፡ ካብ ናኩሩ ናብ ኤልዶሬት እናተጓዕዘት ከላ፡ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ምስ ዝነበረት ናይ ጽዕነት መኪና ብናህሪ ከም ዝተጋጨወት ጸብጺበን።

ፖሊስ ከም ዝበሎ፡ እታ መኪና ጽዕነት ብሰንኪ ብልሽት፡ ብዘይ ዝዀነ ናይ ተጠንቀቕ ምልክት እያ ኣብ ጽርግያ ደው ኢላ ኔራ።

እታ ሚኒባስ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ልዕሊ ዓቐን ማለት 14 ኤርትራውያን ጽዒና ከምዝነበረት'ውን ፖሊስ ወሲኹ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሓደጋ ኸኣ ክልተ ሰባት ብኡ ንብኡ ህይወቶም ሓሊፉ።

እቶም ዝደሓኑ ኵሎም ብህጹጽ ናብ ሆስፒታል ናኩሩ ከምዝተጓዕዙን ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ኣስማቶም ብቕልጡፍ ክረጋገጽ ከምዘይከኣለ ተፈሊጡ።

እቶም ከቢድን ፈኲስ ማህረምቲ ዘጋጠሞም 12 ሰባት ኣብቲ ዝተባህለ ሆስፒታል ተዓቚቦም ኣለዉ።

ሬሳታት ናይቶም ቀዳም ምሸት ሰዓት 9:40 ዝሞቱ ክልተ ሰባት፡ መንነቶምን መርመራ ሞትን ንምጽራይ ናብ መካነ ሬሳ እቲ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ብሰንኪ ጸገም ቋንቋ ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ እውን ንምርድዳእ ከም ዝተጸገመ ኣፍሊጡ። ተርጓሚ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ግን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳ ይዅን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሰግሩ ዝፍትኑ ኰይኖም፡ ብዙሓት ይተሓዙ ወይ ይሃድሙን ወይ ዝተፈላለየ ሓደጋታት የጋጥሞምን እዩ።

ካብ ኢትዮጲያ ተበጊሶም ንዩጋንዳ ክበጽሑ መደብ ዝነበሮም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ብ17 ታሕሳስ 2023 ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ቱርካና ብዘጋጠሞም ሓደጋ ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከባቢ ሜሩ ኬንያ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና’ውን፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።