ሶፊያ፡ ኣብ ሓያለ ዓለምለኻዊ ፌስቲቫላት ዝተሸለመት ኤርትራዊት ፊልም

እዛ ፊልም ሽልማታት ምርካባ ንኤርትራዊ ፊልም ምስ ዓለም ኣብ ምልላይ ዓቢ ግደ ትጻወት ከምዘላ ደራስን ዳይረክተርን ኤፍሬም ካሕሳይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።

ኤፍሬም ካሕሳይ፡ ኣብዛ ናይ 90 ደቂቕ ፊልም ክሳብ 30 ዝዀኑ ተዋሳእቲ ከምዝተሳተፉ ብምሕባር ትልሚ ናይታ ፊልም ሓደ ኣእምሮኡ ቅሩብ ዝተተንከፈ ንሓንቲ ነፍስሄር ኣብ መቓብራ ዝተለጠፈ ስእላ ብምርኣይ ኣፍቂሩ ዘሕልፎ ሂወት እተርኢ ኰይና ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተመርኮሰት ፊልም ምዃና እዩ ዝገልጽ።

ፊልም ሶፊያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝን ጀርመንን ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫላት ተዓዊታ ኣላ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ‘ኣሜሪካን ፊልማቲክ ኣርትሰ ኣዋርድ ብ’ቤስት ፎረይን ፊውቸር’ ተሸሊማ።

ኣብ ‘ሆሊዉድ ኢንዲፐንደንት ፊልም ሜከርስ ኣዋርድ’ ናይ ክብሪ ሽልማት ረኺባ።

ኣብ ሃገረ-ጥልያን ሮማ ዝመደበሩ ‘ካስል ፊልም ኤንደ ሚድያ ኣዋርድ’ እታ ዝበለጸት ‘ፊቸር ፊልም’ ዝብል ሽልማት ሂቡዋ።

ኣብ ሮማ ኢንተርናሽናል ፊልም ኣዋርድ ‘ቤስት ፊቸር ፊልም’፡ ከምኡ ከኣ ተዋሳኣይ ኣማን ሓሚድ ኣብ ፊልም ሶፊያ ብዝተላበሶ ገጻ ባህርን ብዘርኣዮ ዘደንቕ ኣወሳስኣን ኣብ ሮማ ኢንተርናሽናል ፊልም ኣዋርድ ዝበለጸ ተዋሳኣይ ዝብል ሽልማት ረኺቡ።

ኣብ ‘ኢንተርሽናል ዎርልድ ፊልም ኣዋርድ’ ከኣ ብዝበለጸ ኣልያ ተሸሊማ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ኢንተርናሽናል ዎርልድ ፊልም ኣዋርድስ’ ኤፍሬም ካሕሳይ እቲ ዝበለጸ ኣላዪ ፊልም [ዳይረክተር] ኰይኑ ተዓዊቱ።

ከምኡ ከኣ ፊልም ሶፊያ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ‘ማንሀይም ኣርት ኤንድ ፊልም ፈስቲቫል’ በስት ፊቸር ፊልም ተባሂላ ተሸሊማ።

እዚ ገለ ካብቲ ፊልም ሶፊያ ዝተሸለመቶ’ዩ።

ፊልም ሶፊያ ካብ ሮማ ኢንተርናሽናል ሞቪ ኣዋርድ ዝተረበርከተላ ሽልማት

ምንጪ ስእሊ,EFRIEM KAHSAY

መግለጺ ስእሊ,

ፊልም ሶፊያ ካብ ሮማ ኢንተርናሽናል ሙቪ ኣዋርድ ዝተበርከተላ ሽልማት

ኤፍሬም ካሕሳይ “እታ ፊልም ኣብ ትልሚ ናይቲ ዛንታ፡ ኣብ ኣተኣላልያ ከምኡ ከኣ ስእሊን ድምጺን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንገብሮ ዝነበርና ቅርብ ፍልይ ዝበለ ነገር ሒዝና ስለዝመጻእና እቶም ተዋሳእቲ’ውን ቅሩብ ጸብለል ስለዝበሉ ናይዚ ኵሉ ድምር’ዩ ነዚ ሽልማታት ኣብቂዑዋ” ይብል።

ኤፍሬም ዝደረሳን ዝኣለያን ዜና ዕረፍቲ ትብል ሓጻር ፊልም’ውን ኣብ 2020 ኣብ ዓለምለካዊ ሽልማታት ብ7 ረቛሒታት ተሸሊማ ምንባራ ይዝከር።

ሓጻር ፊልም 'ዜና ዕረፍቲ' ኣብ 'ደብዝ ኦፍ ፊልድ ኢንተርናሽናል ፊልም ፈስቲቫል' (DOFIFF)፡ ብርቃዊ ጸብለልታ፡ ዝበለጸ መሪሕ ጠባይ ንዝተጻወተ ተዋስኣይ ኣብርሃም ተኽለኣብ፡ ብርቃዊ ሲነማቶግራፊ፡ ኣብ ኣልያ፡ ኣብ ኣርትዖት፡ ኣብ ጽሑፍ (ስክሪፕት) ከምኡ እውን ኣብ ብርቃዊ መሰነይታ ሙዚቃ ኣብ ዝብል እያ ሽልማት ረኺባ።

ፊልም ሶፊያ ክሳብ ሕጂ ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐትን ኣብ ሲነማታት’ውን ክትረአ ኣይጀመረትን ኣላ።

ኤፍሬም ካሕሳይ፡ እታ ፊልም ድሕሪ ሰነ ናብ ህዝቢ ከምእትዝርጋሕ ብምግላጽ እቲ ውድድር ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጽኣ ፊልምታት ዝተወዳደራሉ ምንባሩን ኤርትራዊት ፊልም ናብዚ ሽልማት’ዚ ምብቃዓን ዕቤት ኤርትራዊ ፊልም ዘርኢ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ኤፍረም ካሕሳይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ባህላዊ ጉዳይ ኰይኑ ኣማኢት ተምሃሮ ኣብ ኣልያ፡ ኣጸሓሕፋ ፊልም፡ ተዋስኦን ካልእ ምስ ፊልም ዝተሓሓዝ ዓውድታትን ኣሰልጢኑ’ዩ።

“ባህላዊ ጉዳያትን ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን እዚ ኣነ ዝህቦ ትምህርቲ ዕዉት ንክኸውን ዓቢ ግደን እጃምን’ዩ ዘለዎም ስለዚ ክምስገኑ ይግብኦም’ዩ፤ ነዚ ኣነ ዝህቦ ስልጠናታት ብገንዘብን ብኣዳራሽን ንሶም’ዮም ዝሕግዙኒ” ይብል።

ሓደስትን ኣብ ዕዮ ፊልምታት ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያንን ካብ ፊልም ሶፊያ ክምሃርዎም ዘለዎም ነገራት ክገልጽ እንከሎ ከኣ “ኣብ ብቕዓትን ኣብ ጽፈትን ክንኣምን ኣለና፣ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ጽፈትን ኣብ ብቕዓትን ጸቒጦም ክሰርሑ ከምዝደልዩ ኣብ ገለ ስርሓቶም የርእዩ ኣለዉ። ካብ ፊልም ሶፊያ ከኣ ታህዋኽ ዘይምህላው፡ ኵሉ ነገር ኣማሊእካ ክትሰርሕ ከምዘለካ ጽልዋ ክትገድፍ ትኽእል’ያ ዝብል እምንቶ ኣለኒ” ይብል።

ደራስን ዳይረክተርን ኤፍሬም ካሕሳይ

ምንጪ ስእሊ,EFRIEM KAHSAY

መግለጺ ስእሊ,

ደራስን ዳይረክተርን ኤፍሬም ካሕሳይ

ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ደረስቲ ፊልምታት ስኣን ምወላ ጽሑፋቶም ተተርኢሶሞ ይሓድሩ ከምዘለዉ ይገልጹ’ዮም።

ኣብ መወዳእታ 90ታት ከምኡ ከኣ ኣብ መጀመርታ 2000 ኣቢሉ ፊልምታት ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ይፈርያ ነይረን’የን። እቲ ንዓውዲ ፊልም ካብ ቀንዲ ዘተባብዑ ዝነበሩ ነገራት ከኣ ደረስቲ ወጻኢታቶም ንፊልሞም ኣብ ሲነማታት ብምርኣይ ይሽፍኑ ስለዝነበሩ እዩ።

ሳሕቲ እውን ቅሩብ መተባብዒ ዝኸውን መኽሰብ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ብዙሓት ይዛረቡ። ሕጂ ግን ኣብያተ ሲነማታት ፊልምታት የርእያ ስለዘየለዋ ደረስቲ ኣብቲ ብዙሕ መኽሰብ ዘይርከቦ ዩትዩብ ክምርኰሱ ከምዝተገደዱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ይገልጹ።

ፊልም ሶፊያ ነቲ ናይ ምወላ ጸገማት ብኸመይ ከምዝሰገረቶ ኤፍሬም ክገልጽ እንከሎ፡ “ዝተወሰነ ምወላ ረኺብና ኢና ተዋሳእቲ፡ ሰኣልቲን ካልኦት ኵሎም ኣብታ ፊልም ዝተዋስኡ ብተወፋይነት ስለዝሰርሑ ከኣ ኢና ክንውድኣ ክኢልና” ድሕሪ ምባል‹ “ሕጽረት ባጀት እናኣመኽነኻ ኮፍ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ‘ሾርት ፊልምን ኣብ ፊቸር ፊልምን’ ናይ ባጀት ፊልም ክህልወና ይኽእል’ዩ ኣብ ተኸታታሊ ፊልምታት ግን ከም ሚኒስትሪ ዜናን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ይምውልዎ’ዮም”

“ኣብ ሓጸርትን ኣብ ፊቸር ፊልምን ግን ዋላ እቶም ኣብ ዓድና ዘለዉ ሰብ ጸጋ፡ ፊልም ኣብ ምምዋል ዘለዎም ተራ ብዙሕ’ዩ ኢልና ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ ግን ገንዘብ እንተተረኺቡ ፊልም ኤርትራ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ከምዝኽእል ርግጸኛ’የ” ይብል።

ፊልም ሶፊያ ነዚ ኵሉ ዓወታት ክትጐናጸፍ ዝኽኣለት ሳላ ጻዕሪ ኵሎም ኣብታ ፊልም ዝተሳተፉ ከምዝዀነት ብምግላጽ ከኣ ንዅሎም ኣመስጊኑ።

ኤፍሬም ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ስነ ጥበብ፡ ኣብ 1999 ኣብ ሊድስ ዩኒቨርስቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምርካቡ 'ብትያትር ስታዲስ' ብካልኣይ ዲግሪ ድሕሪ ምምራቑ፡ ናብ ኤርትራ ብምምላስ ጐድኒ ጐድኒ ስነጥበባዊ ፍርያት፡ ዘለዎ ተመኵሮ ብምክፋል ሓያለ ስነጥበባውያን ኣፍርዩ።

ወዲ ዃዳ፡ ሚኒስተር፡ ፈቲሐ'ዶ ክምርዓወኪ፡ ሰብ ኣርወን ምንያን ከምኡ እውን እዛ ኣብ ዓመተ 2019 ኣህጉራዊ ሽልማት ዝረኸበላ 'ዜና ዕረፍቲ' ዝብላ ፊልምታት ኣፍርዩ፤ ሕጂ ከኣ ፊልም ሶፊያ።

ኣብ ድራማ መድረኽ እውን መጋርያ፡ ኢለኒ፡ ወዲ ሰጊድ፡ ኣባ ደለም፡ ቤላ ሮባ፡ ኑዛዜ ዛኖይ፡ ሞባእን ካልኦትን፤ መብዛሕትአን እቶም ባዕሉ ዝምሃሮም ስነ ጥበባውያን ዝተዋስኡወን ሓያለ ፍርያት ኣቕሪቡ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ በዓላት ናጽነት፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ መኽፈትን መዕጸውን ፈስቲቫላትን ካልኦት ሃገራዊ በዓላትን ከም ቅኒት ጓሶት፡ ሽም ነውጽኣሉ፡ ቀዳም ምሸት፡ እንዳ ንህቢም ሓላዊ መሸላ፡ እምባ ደንደን፡ ፈላሲት ዑና ጉዶ፡ ኣዝማች ጨፈና፡ ከንቲባ ተፋደ፡ ሰብ ወርቂ፡ ዞማ ኣጎስማ ዝብላን ካልኦት ድራማን ሙዚቃዊ ድራማን ኣቕሪቡ።

ኤፍሬም ካሕሳይ ኣብ ስነ ጥበብ ኤርትራ ብኣልያን ድርሰትን ፊልምታት ጥራይ ኣይኮነን ዝፍለጥ፤ ብሕደማን ዜማታት ኣብ ምስራሕ’ውን ጕሉሕ ተራ’ዩ ዘለዎ።

ኤፍሬም ወዲ ዃዳ፡ ኣብ 2011 ብጀማል ሮሞዳን ተደሪፋ ናይቲ ዓመት ዝበለጸት ደርፊ ተባሂላ ዝተሸለመት 'ገዛና' እትብል ደርፊ እትርከበን ልዕሊ 50 ደርፍታት ሕደማን ዜማን ከም ዝሰረሐ እዩ ዝገልጽ።

"ቀንዲ ስርሐይ ኣብ ድራማን ፊልምን ኩውይኑ ሕደማ ይዅን ዜማ ከም 'ሆቢ' እየ ዝሰርሖ" ዝብል ኤፍሬም፡ ገዛናን በዓል ካሮሳን ዘርእሰተን ንጀማል ሮሞዳን፡ ክትጭክኒ እትብል ብፍረሰላም ሙሴን ሄኖክ ተኽላይ (ናጎ) ብሓባር ዝደረፍዋ ደርፊ፣ ኣብ ቀረባ'የ፡ ከምኡ እውን ሃናየ ዝብላ ብተስፍኣለም ኣረፋይነ (ቆርጫጭ)፡ ኣበይ ኣምሲኻ ብኤልሳ ኪዳነ፡ ቸኮሌት ብሶሎሜ ማሕራይ፡ ተበሪሁኒ ኣሎ ብድምጻዊት ሰምሃር ዮሃንስን ካልኦትን ኣፍርዩ ኣብ ምዝያምን ምሕዳምን ዓቕሙ ከርኢ ክኢሉ'ዩ።