ልኡኽ ቻይናን ኣብ ምንታይ ዝዓለመ እዩ?

ነቲ ዘይርጕእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምክትታልን፡ቻይና ኣብ ምርግጋኡ ግደኣ ክትጻወት ተባሂሉ ብፍሉይ ብመንግስቲ ቻይና ኣብ ለካቲት 2022 መዝነት ዝተዋህቦ ዲፕሎማት ዡ ቢንግ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዘመልእ ግዜ እዩ ንኻልኣይ ሳዕ ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዘራረብ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዕጡቓት ሑቲ የመን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ መራኽብ ዝፈጠሮ ስግኣት፡ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእን ግጭታትን፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ሶማልያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን - ሶማልያን ግዝኣት ፑንትላንድን እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ቅልውላዋትን፡ ንጸጥታ እቲ ዞባ ፈተንቲ ኰይኖም ዘለው ዓበይቲ ጉዳያት እዮም።

ኣብቲ ብሰንበት፡ ኣብ ኣደራሽ ደንደን ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣምባሳደር ዡ ዝተኻየደ ዘተ፡ ‘ዞባዊ ሰላም’ ብሰፊሕ ኣጠማምታ ክርአ ከም ዝግባእ ዘመልከተ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ብሰፊሑ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ኒልን ጉዳይ ወሽመጥ ዓረብን ንኤርትራ ልዕሊ ኵሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳያት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

በዚ ኣጠማምታ’ዚ ድማ ኤርትራ ነቲ ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ተግባራት ኣልማማ ቅትለትን ዕንወትን ከም እትቃወም ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ገሊጹሉ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ቻይናን ዘሎ “ስትራተጅያዊ ምሕዝነት” ዘተኰረ ከምኡ’ውን ንሓባራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝጸሉ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ዝተገልጸ እዚ ርክብል ክልቲኦም ወገናት፡ ኣምባሳደር ዡ ቢንግ ሃገሩ፡ ን “ናጻ፡ መትከላዊን ዘይሻራዊን”ፖሊሲ ወጻኢ ኤርትራ ንኢዱ ብምባል፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕ እትህቦ ተራ ኣድኒቝ ክብል ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።

ኣምባሳደር ዡ፡ ኣብ ሰነ 2023 ኣብ ዝተኻየደን ብቐንዱ ንቅልውላው ሱዳን ኣመልኪቱ ዝዘተየን ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ እውን ተዛቲፉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ዋዕላ፡ ሰላምን ምርግጋእን ኣብቲ ዞባ ንምስፋን ደገፍ ቻይና ቀጻሊ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ቻይና ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ተገዳስነትን፡ ኣብ ጅቡቲ ድማ ዓቢይ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኤርትራን ቻይናን ልዕሊ ሰለስተ ዕቝድ ዝቐጸለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘለወን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻ፡ ዕደና፡ ተሌኮሙኒኬሽን፡ ሃብቲዓሳ፡ ትሕተ ቅርጺን ዝኣመሰሉ ጽላታት ምትእስሳር ከምዘለወን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻይና ሰፊሕ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን መራሒ እታ ሃገርን ኣቦ መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ቻይናን ሺ ዢንፒን፡ ኤርትራ፡ ምስ ሃገራዊ ኵነታታ ዝሰማማዕ ኣንፈት ልምዓት ክትክተል፡ ከምኡ'ውን ልኡላውነታን ጸጥታኣን ከተውሕስ ቻይና ከምእትድግፍ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ ርክብ ሺ ዢን፡ "ሓባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕን ብመንገዲ፡ ከም ቻይናዊ ተበግስ ’በልት ኤንድ ሮድ’ [Belt and Road]፡ ቻይና-ኣፍሪቃ ናይ ምትሕግጋዝ ፎረም፡ ከምኡ'ውን ጠመተ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህሉ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ቻይና ምስ ኤርትራ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ፡" ብምባል፡ ነቲ ኣብ መንጐ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዝምድና ንመዕማቝን ናብ ሓድሽ ዝበረኸ ደረጃኡ ንምስግጋር ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ነቲ ፕረዚደንት ከሰንዮ እንከሎ፡ እቲ ካብ ከምዚ ዝበለ ዓበይቲ ርክባት ዘይተርፍ ዝነበረ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ግን ኣይተራእየን።