ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን፡ ሰብ ተስፋን ሰብ ጓህን ኣብ ጐደና ግጋባ - ካምፓላ

ኣብታ ሃገር 13 ማእከላት መዕቈቢ ስደተኛታት ዘለው ኰይኖም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ብርክት ዝበሉ ካብ ኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ኮንጐ፡ ኢትዮጵያንን ደቡብ ሱዳንን ዝተሰዱ ስደተኛታት ከተማ ብግዝያውነትን ቀዋምነትን ይነብሩ።

ኣብ ከባቢታት ካባላጋላ፡ ካንሳንጋን ቡንጋን ብዝሒ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታትን ዋኒናቶም ዝርኣየ ሰብ፡ ገለ ክፋል እዚ ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ክሳዕ ንሃገራቶም ሒዞም ዝተሰዱ ክመስሎ ዝኽእል ተርእዮ ፈጢሮም እዮም።

ኣብ ከባቢ ካንሳንጋ ዝርከብ ጽርግያ ጋባ ዝርከባ ከባቢታት ድማ፡ ብብዝሒ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ይሰፍሩለን ብምህላዎም ‘ዘ ኦብሰርቨር’ ዝተባህለ ሰሙናዊ ጋዜጣ ዩጋንዳ ‘ንእሽቶ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ብዝብል ሳጓ ገሊጹወን ነይሩ።

መንበሪ ኣባይቲ እቲ ከባቢ፡ ኣብ ማእከል ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲታትን መሰልጠኒ ማእከላትን ተሓዊሶም ዘለዉ ክዀኑ እንከለው፡ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፋላት ጋባ ዝርከቡ ከባቢታት ትሑት ዝእተቶም ሰባት ዝነብሩዎም እዮም።

መብዛሕትኦም ዜጋታት እዘን ሃገራት (ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያን ኤርትራን)፡ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣጸቢቘም ኣይመለኹን።

ምልክታትን ኣስማትን እቶም ዝግልገሉሎም ብርክት ዝበሉ ትካላት ንግዲን ማእከላት ሕክምናን ክኣ ብቋንቋታት ትግርኛን ኣምሓርኛን ተጻሒፎም ይንበቡ።

‘ጐደና ግጋባ’

ዩጋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሞተር ብሽክለታ ካብ ዘለወን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይና፡ ንምግማቱ ብዘጸግም ዋሕዚ ኣዕለቕሊቐንኣ ኣለዋ።

እዘን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሰብን ንብረትን ዝህባ ኣብ ኬንያ (ፒኪ ፒኪ ወይ ቦዳ)፡ ኣብ ዩጋንዳ ድማ ‘ቦዳ ቦዳ’ ተባሂለን ይጽውዓ።

ግጋባ ኣውራ ጐደና ካንሳንጋ እዩ። መራሕቲ እዘን ‘ቦዳ ቦዳ’፡ ኤርትራዊ ይዅን ኢትዮጵያዊ መልክዕ ርእዮም ክፈልዩዎ ስለ ዘይክኣሎም፡ ‘ከመይ! ደሓን’ዶ? እንዴት ነሽ? . . . ቦዳ ደሊኻ? . . . ዝብሉ ሕቶታት የማነ ጸጋም ትሰምዖም።

ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ቡንን መግቢን ድማ፡ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ኰፍ ኢሎም ካርታ፡ ፑልን ቢላርዶን ክጻወቱ፤ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ኣብ መሸጢ ዓለባ፡ ንኣሽቱ ኣብያተ ብልዒ፡ እንዳ ቡንን ካልእን ክሰርሓን ከአንግዳን ይረኣዩ።

ምስይስይ ክብል እንከሎ ከኣ፡ ብ‘ሽሻ’፡ ቢራን ካልኦት ኣልኮላዊ መስተታትን ተሰንዮም የምስዩ።

ዝበዝሕ ዕላላቶም፡ ኣብ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ገዲፎምዎ ብዛዕባ ዝመጽኡ መሓዙቶምን ህይወቶምን፣ ብዛዕባ ዝጀመሩዎ ናይ ወጻኢ ፕሮሰስ ዝሰለጦምን ዘይሰለጦምን ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዘለዎ ዘይመስል ሰንፈለል ዝበዝሖ ጕዕዞ ስደቶም እዩ።

ካልኦት ብዙሓት፡ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን፡ ናብዞም ከባቢታት ብምምጻእ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ተዋፊሮም ይርከቡ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ሰለሞን ክብሮም፡ ኣብዚ ጐደና ‘ሰለሞን ሳሎን’ ዝብል ሓድሽ እንዳ መሻጢ ከፊቱ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ካምፓላ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ፑልን ቢላርዶን ክጻወቱ ይስትውዓል
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ካምፓላ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ፑልን ቢላርዶን ክጻወቱ ይስትውዓል

ከምቲ ንሱ ዝብሎ፡ ካብ ሱዳን ክወጽእ እንከሎ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝበጽሕ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ከበድቲ ክስተታትን ርእዩ እዩ መጺኡ።

“ኣብ መገዲ ብዙሕ ነገር ኣጋጢሙ’ዩ፤ ዋው ምስ ሓለፍካ (ኣብ ሰሜን ምዕራብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ከተማ) ደቂ-ኣንስትዮ ፖሊስ ክዕምጹወን ደልዮም ክከላኸለለን ኣብ ገጸይ ተሃሪመ እየ። ንዕአን ሒዘ ግን ናብ ጁባ ኣትየ፤ ጕዕዞይ ቀጻሊ ስለ ዝነበረ ናብ ካምፓላ መጺአ ሓድሽ ስራሕ ጀሚረ ናብራይ ሓደ ኢለ ይጅምር ኣለኹ” ይብል።

ይዅን’ምበር፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ብዙሓት መሓዙቱ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ተጸጊሞም ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዘለው ብምግላጽ፡ “ህዝቢ ሱዳን ሓላል ሰብ’ዩ፤ ግን ሕጂ ኣነ ብምውጽአይ ጥራይ ጥዒሙኒ ዘይኰነ ብዛዕባኦም ክሓስብ እንከለኹ ሕማቕ’ዩ ዝስምዓኒ” ብምባል ሻቕሎቱ ይገልጽ።

ኰይኑ ግን፡ ሰለሞን ኣብ ካምፓላ ብዝጸንሖ ጸጋታት ሰብን ፖሊሲ ስደተኛታትን እታ ሃገር ኣዝዩ ሕጕስ እዩ።

“ወላሂ፡ እዚ ዓዲ ጥዑም’ዩ። ናጽነት ኣለዎ፤ መን ኢኻ ዝብለካ የለን፤ ኣብ ሱዳን ዋላ ሰልዲ ሒዘ እንከለኹ ወረቓቕትን ካልእን ስለ ዘድልየካ ክሰርሓሉ ዘይክእል ቦታታት ነይሩ’ዩ። ኣብዚ ግን እትው ኢልካ ከም እትስጉም፤ ስራሕ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ዘርኢ ነገራት ኣሎ” ይብል።

እታ ናይ ስራሕ ቦታኡ፡ ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ኣብ ኢዱ ዝጸንሖ ሰልዲ ከየባኸነ እንከሎ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲታት ከም ዝዓደጋን ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ዓማዊል ኣጥርዩላ ኣሎ፤ “ኣብ መዓልቲ ን17 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ኣለኹ እንተበልኩ ምግናን ኣይኰነን፤ ዝድቅሰሉ ሰዓት ኣዝዩ ውሑድ’ዩ” ክብል የዕልል።

ጓህን ተስፋን ዝተፋረቘ ህይወት

ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ቍጽሮም ዘይንዓቕ ኤርትራውያን ኣብ ካምፓላን ከባቢኣን ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ብምውፋር መዐደሊ ነዳዲ፡ ፋርማሲታትን ክሊኒካትን፡ ሆቴላት፡ ትካላት ሸርፊ ባጤራ ወጻኢ፡ ሱፐርማርኬታትን ካልኦትን ዝወነኑ ሰብ ሃብቲ ተፈጢሮም’ዮም።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ናብ ዩጋንዳ ዝስደዱ ዘለው ሓያሎ ተወለድቲ ትግራይ ድማ፡ ቢዝነሳት ከቝሙ፡ ነታ ሃገር ናብ ሳልሳይ ሃገር ከም መሰጋገሪ ክጥቀሙላን ዕለታዊ ህይወቶም ክመርሑላን ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ ዕዳጋ ካባላጋላ፡ ንእሽቶ ድኳን ከፊታ ህይወታ ትመርሕ ዘላ ሽማ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኰነት ውልቀሰብ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ትግራይ’ኳ እንተወጽአት፡ ክትምለስ ግን ድልየት የብላን።

ኣብ ዓዳ ዝስኣነቶ ሰላምን ራህዋን ኣብ ካምፓላ ክትረኽቦ ብምኽኣላ፡ ኣብ ዩጋንዳ ምጽናሕ ሕርያኣ ክኸውን ከም ዝገበሮ ትዛረብ።

“ኣብ ዩጋንዳ ኣዝየ ዝፈትዎ ነገር እንተሃልዩ ሰላም ምህላዉ’ዩ፤ መን ኢኻ? ኣብ ጐነይ ኣይትሸቅጥ . . . ኢሉ ዝቋዮቕ የለን” ኢላ።

ኢትዮጵያ፡ መበገሲት፡ መተሓላለፊትን መጽንሒትን ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ጐረባብቲ ሃገራት ኰይና፡ ዓመታዊ ኣስታት 250 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከም ዝስደዱ ሓበሬታ ጸብጻባት ሰብኣዊ ኵነታት ዘቕርብ ትካል ረሊፍ ዌብ የመልክት።

ስደት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወሲኹ ከም ዝተራእየ ድማ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብ2022 ጥራይ፡ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ክምለሱ እንከለው፡ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 16 ሚእታዊት ካብ ክልል ትግራይ ዝመጽኡ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተራጸምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ጠጠው ዝበለ ኲናት ስዒቡ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩን ካልኦት መንእሰያት ካብ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይስደዱ ከም ዘለው ይግለጽ።

ደጋፊ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ዝዀነ፡ ‘ቺንጊ ቻቻ’ ብዝብል ሳጓኡ ዝፍለጥ መንእሰይ ንጉስ ኪዳኑ ኣብ ካምፓላ ረኺብናዮ፤ ንሱ ሓደ ካብቶም በቲ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ስደት መንእሰያት ዝሻቐሉ ዘለው እዩ።

ደጋፊ ጋንታ መቐለ ንጉስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካምፓላ ኣብ ስደት ይርከብ

ምንጪ ስእሊ,NIGUS

መግለጺ ስእሊ,

ደጋፊ ጋንታ መቐለ ንጉስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካምፓላ ኣብ ስደት ይርከብ

ልክዕ ከምቶም ካልኦት መንእሰያት ትግራይ ናብቲ ኲናት ክኣቱ ግድን እኳ እንተነበረ፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ምስ ተሰናበተ ግን ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ክስደድ ከም ዝተገደደ ኣዋጊዑና።

“ናብ ስደት ዘምጽኣኒ ምኽንያት ዓድናን ህዝብናን ዘለወሉ ኵነታት’ዩ። ጽቡቕ መነባብሮ፣ ጽቡቕ ስራሕን ኣታውን ነይሩኒ። ምስ ጋንታና 70 እንደርታ ጽቡቕ ይሰርሕ ነይረ። ካብ በረኻ ምስ ተመለስና ግን ልክዕ ከምቲ ካልእ ናብ ዜሮ እየ ተመሊሰ። ተመሊሰ ቢዝነስ ዝጅመረሉ ባይታ ኣይነበረን” ይብል።

ብዙሓት ሓደሽቲ ስደተኛታት ዘለውሉ ኵነታት “ከቢድ’ዩ” ብምባል ዝገልጽ ንጉስ፡ መብዛሕትኦም ስራሕ ከም ዘይብሎምን ተሓዊሉሎም ዝነብሩን ብምዃኖም ብሰንኪ ሕጽረት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ናይ ባዕሎም ዕድላት ንምፍጣር’ውን ከም ዝጽገሙ ሓቢሩ።

“ካብ ክራይ ገዛ፡ መግቢ ጀሚሩ ከቢድ ስለ ዝዀነ መብዛሕትኡ ተጸጊሙ’ዩ ዘሕልፎ --ንርእሰይ ሓዊሱ። ከም መንእሰይ ስራሕ ዘይብልካ ከቢድ’ዩ፤ ካብዚ ብዝብገስ መብዛሕትኡ ብጭንቀት እዩ ዘሕልፎ፤ ካብኦም ሓደ እየ። ኣብዚ ነዊሕ ዝጸንሑ እግሪ ተኺሎም ብዙሕ ነገር ዝሰርሑ ኣለው፤ ንሓደሽቲ ስደተኛታት ግን ከቢድ እዩ” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ብዝሰርሖም ዝነበረ ስርሓትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ጽልዋ ዝነበሮ ብምዃኑ፡ ካልኦት’ውን ንዓይ ክኽተሉ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ዓብይ ስክፍታ ጭንቀት ይፈጥረሉ ከም ዘሎ ኣይሓብአን።

“ካብ ሊብያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመን ብዙሓት መልእኽቲ ይሰዱለይ’ዮም፤ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘለው ዝገልጹ፤ ብኣሰጋገርቲ ተታሒዞም ገንዘብ ክፈሉ እናተባህሉ እናተገረፉ ዘርኢ ቪድዮ ይመጽኣኒ፤ በዚ ኣብ ከቢድ ጭንቀት’የ ዘለኹ” ብምባል፡ እቲ ስደት ካብ ውሽጢ ዓዲ ጠጠው ዝብለሉ ባይታ ክፍጠር ይላቦ።

‘ናብራ ኣኽቢሮምልና’ - መረረ ዩጋንዳውያን

ኣብ መላእ ዓለም ብዝሒ ስደተኛታት ይውስኽ ብምህላዉ፡ ብዙሓት ሃገራት ነዚ ዋሕዚ ክገታሉ ዝኽእላ ኣማራጺታት ይርእያ እየን ዘለዋ።

ዩጋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ብዝሒ ስደተኛታት ዝነብረላ ሃገር ኰይና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት “ገስጋሲ ፖሊሲታት” ዘለዋ ክብል ንኢዱዋ ነይሩ።

ኣስታት 60 ሚእታዊት እቶም ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ደቡብ ሱዳናውያን ኰይኖም፡ ልዕሊ 3 ሚእታዊት ካብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝመጽኡ እዮም።

ልዕሊ 40 ሽሕ ኤርትራውያን ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያንን ካብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታትን ድማ ኣብታ ሃገር ብዝተፈላለየ ደረጃታት ይነብሩ ኣለው።

ሓደ ካብቲ ዩጋንዳ ፍልይቲ ዝገብራ ዘሎ ነገር፡ ስደተኛታት ብቐጥታ እትቕበልን ብዘይ ዝዀነ ጥርጣረ ወይ ሕቶታት ትሕግዞም ምዃናን እዩ።

ኣብ ሕመረት ናይዚ ልግሲ እዚ ብዙሓት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ብኣስገዳድ ካብ ሃገርካ ምህዳም እንታይ ከም ዝመስል ብግብሪ ዝፈልጡዎ ምዃኖም ክኸውን ይኽእል።

ንኣብነት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ 1962 ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ሓያሎ ውሽጣዊ ግጭታት ነይሮም፤ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክስደዱ ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ። ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቨኒን ገለ ኣባላት ካቢነኡን ንርእሶም ስደተኛታት ኰይኖም ይፈልጡ’ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ድማ ዳርጋ ኵለን እተን ምስ ዩጋንዳ ዝዳወባ ሃገራት - ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ፡ ሩዋንዳ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን - ምኽንያት ስደት ሰባት ዝዀኑ ግጭታት ኣጋጢምወን እዩ።

ዩጋንዳውያን ምስ ካብዘን መዳውቲ ሃገራት ዝመጽኡ ስደተኛታት ገለ ምትእስሳር ዓሌትን ቋንቋን ስለ ዘለዎም ብቐሊሉ ምስቶም ስደተኛታት ንምውህሃድ ኣይጽገሙን።

ነቶም ብዝዀነ ቋንቋ፡ ባህልን ካልእን ዘይዛመዱዎም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተዀነ’ውን ሃገሮም ዕቝባ ክትኰኖም ምኽኣላ ሓበን ከም ዝስምዖም ብርክት ዝበሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዩጋንዳውያን ይገልጹ።

ይዅን’ምበር እቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ሓደሽቲ ስደተኛታት፡ ምኽባር ዋጋ ሃልኪታት ብዓቢኡ ክኣ ክራይ ገዛ የስዕብ ብምህላዉ፡ ምስ ደቂ ዓዲ ውህደት ንምፍጣር ዝገብርዎ ጻዕሪ ድሩት ምዃኑ ቅሬታታት ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ብብዝሒ ይዛረብሉ።

ሻሂ

ፌስቶ ዝተባህለ ዩጋንዳዊ መራሒ መኪና፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ተሓዊሉሎም ዝነብሩን፣ ዝውዕሉዎን ዝሓድርዎን ዝርኣየ ብዙሕ ገንዘብ ኣለዎ ኢሉ ክግምት ዝገብርን ካብ ምዃኑ ብዝብገስ ብፍላይ ኣካረይቲ ገዛ ዝሓቱዎ ገንዘብ ክውስኽ ከም ዝጀመረን ብኣብነት ይጠቅስ።

“ክራይ ገዛ ንኣብነት፡ 100 ዶላር ንኸፍል ነይርና፤ ሕጂ ብብዝሒ ይመጽኡ ብምህላዎም ተመሳሳሊ ገዛ 300 ዶላርን ልዕሊኡን ኰይኑ። ምሳና ተወሃሂድካ ኣብ ምንባር ፈሺሎም’ዮም፤ እዚ ኸኣ ሰብ ገዛ ርህራሀ ከይህልዎም ገይሩ’ዩ። ካብ ፕሮግራም ስደተኛታት ናጻ ገንዘብ ከም ዝረኽቡን፡ ኣብ ወጻእ ሃገር ብዘለው ስደራቤቶም ከም ዝሕገዙን ይፍለጥ እዩ። ንዕኦም እቲ ገንዘብ ምርካብ ቀሊል’ዩ፤ ብቐሊሉ ከኣ ይጠፍእ ኣሎ። እዚ ንዓይ ደስ ኣይብለንን” እዩ ዝብል።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ከማይ ዝበሉ ሰባት ልዑል ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ ዝብል ፌስቶ፡ እዚ ካብ ዝሓለፋ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓመታት ናብዚ ክውስኽ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።

እቲ መራሒ መኪና፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኵሎም ‘ኣብ ሓደ ናብቲ ሃብታማት ዝነብርሉ ከባቢ ዝወስድ ጐደና’ ብምባል ዝገልጾ ከባቢ ጐደና ጋባ ምስፋሮም ትሕት ዝበለ ህይወት ንኽትነብር ቀሊል ከም ዘይገብሮ ይዛረብ። ካንሳንጋ ሓሊፍካ ዝርከባ ከባቢታት ቡንጋ፡ ሙንየኞ፡ ቡዚጋ ሃብታማትን ዝሓሸ እቶት ዘለዎምን ሰባት ዝነብሩሎም ከባቢታት ከም ዝዀኑ ፌስቶ ገሊጹ።

“ቅድሚ ሕጂ 200 ዶላር ዝነበረ በዓል ክልተ መደቀሲ ሕጂ ካብ 500 ክሳብ 600 ይበሃል ኣሎ፤ ኣፈላላይ ርኢኺ’ዶ? ቅድም፡ ሱዳናውያን ኣብዚ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኵሉ ነገር ከቢሩ ምንባሩ እዝክር፤ ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ከኣ ኵሉ ናብ ንቡር ተመሊሱ።

"ሕጂ ድማ፡ ኤርትራውያን ብዙሓት’ዮም፤ ብብዝሒ ኸኣ ይመጽኡ ኣለው። ምምጽኦም ጸገም የብሉን --ንዓይ ዓለም ሓንቲ እያ። መንግስትና ከም ዜጋታት እንተተቐበሎም’ውን ጸገም የብለይን። ብውሑድ ግን ማዕረ ቍጠባዊ ስርዓት ንኽህልወና ዝሕግዝ መስርሕ ክህልወና ኣለዎ” ዝብል ትዕዝብቱ ኣካፊሉና።

ኣብ 2011 [ኣ.ኣ] ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ ጽርጊያ ጋባን ሙየንጋን ዝርከቡ ከባቢታት ብደቡብ ሱዳናውያን ይዕብለሉ ከም ዝነበሩን ናይ ገንዘብ ጸገም ስለ ዘይነበሮም ኣካረይቲ ገዛን ኣብያተ ትምህርትን ንዕኦም ቀዳምነት ይህቡ ከም ዝነበሩን ይግለጽ።

ድሕሪኡ መብዛሕትኦም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ወይ ናብ ካልኦት ከባቢታት ዩጋንዳ ግዒዞም ከም ዘለው ይእመን።

ሰላም - ተሃራፊት ኢትዮጵያውን ኤርትራውን መንእሰይ

ሰለሞን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሱዳን እዩ ዝነብር ነይሩ
መግለጺ ስእሊ,

ሰለሞን፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሱዳን እዩ ዝነብር ነይሩ

እዞም ስደተኛታት ብዝፈጥርዎም ዘለው ቢዝነሳትን ዕድላት ስራሕን ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ኣበርክቶ ይገብሩ ከም ዘለው ይእመን።

ኣብዚ ጽቡቕ ማሕበራዊ ዝምድናታት እዩ ዘለዎም፤ ኣብ ንግዲ ይዅን ስነ-ጥበብ ተሻሪዀም ዝሰርሑን ዝተሓጋገዙ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ብዙሓት’ዮም።

ኣብታ ሃገር፡ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ሰላም ምህላዉ፡ ኵሉ ብሰላምን ፍቕርን ንኽነብር ምኽንያት ከም ዝዀነ ክኣ ይዛረቡ።

“ካብቲ ናይ ኲናት ዞባ ዝመጽአ ውሑድ ኣይኰነን፤ ኣብዚ ዘሎ ሰላም የቕንአካ፤ ወትሩ ዓድናስ ከምዚ ተትኸውን ትብል፤ ዘሎ መሰረተ ልምዓት’ውን የቕንኣካ፤ ዓደይ እዚ’የ ዝምነየላ” ዝብል መንእሰይ ንጉስ “ኣብ ትግራይ መንእሰይ ናብ ስራሕ ወፊሩ፡ ስደት ጠጠው ኢሉ ካብዚ እንርእዮ ዘለና መዓልታዊ ስቓይ ክንናገፍን ወለድና እፎይ ዝብልሉ ኵነታት ክርኢ፡ መንእሰይ ኲናትን ወረ ኲናትን ዘይሰምዓሉ ሰላም መጺኡ ዓድና ከነልምዕ’ዩ ተስፋይ” ብምባል ናብ ዓዱ ዝምለሰሉ መዓልቲ የመዓዱ።

መሻጢ ሰለሞን፡ ስድራ ኣለይ መለይ ክብል ስለ ዝደሊ ጕዕዞኡ ቀጻሊ’ዩ። ልዕሊ ዅሉ ነብሰይ ክኣሊ ስለ ዝደሊ ድማ ዝዀነ ይዅን ስራሕ እናሰራሕኩ ሰልዲ ክእክብ ኣለኒ ይብል።

“ስራሕ ዘይብሉ ከምቲ ናተይ ክሰርሕ እየ ዝደሊ፤ ኣብዚ መብዛሕትና ንድቅስ ኢና፤ ገለና ድማ ንነዓዓቕ፣ ስራሕ’ውን ንንዕቕ ኢና። ገሊኡ ‘ሓዋላይ ክሳብ ዝመጽእ’ ይብለካ። ናጽነት ኣብ ዘለዎ ዓዲ ዝዀነ ኢኻ ክትሰርሕ ዘለካ። ኣነ እዛ ስራሕ ዋላ እንተትዝሕለኒ ጽሬት ክሰርሕ እየ” ክብል ብቐንዱ ናይ ስራሕ ባህሊ ክዓቢ ከም ዘለዎ ይምዕድ።

ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጽእ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘቝጸረ ሰለሞን፡ ኣብ ስደት ምክእኣል፡ ምክብባርን ምፍቓርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

“ኣብዚ ኵላትና ሓደ ኢና፤ ኣብ ስደት ኣደን ኣቦን የብልናን። ዓዲ ዓውዲ ኣይኣምነሉን እየ፤ እኳ ደኣ ከመይ ኢለ ምስ ኵሉ ፍቕሪ ገይረ ህይወት ይምስርት? ሰላም የውርደለይ፤ ፋሕ ኢሉ ዘሎ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ሰላም የውርደሉ? እየ ዝብል፤ ሰላም ከመይ ኢለ ይርኢ እየ ዝብል። ኣብ ስደት ብዙሕ ስለ ዝርኣኹ፡ ሰላም ይሃርፎ’የ” ኢሉ።

ሰላም።