ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር እዩ

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሉስ 14 ግንቦት 2024 ኣትሒዙ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ብመሰረት ዓንቀጽ 243[d] ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን እታ ሃገር ኣብ ሰበስልጣን ዝዀኑ ዜጋታት ኤርትራ ጸኒዑ ዝጸንሐ ገደብ ቪዛ ግን ኣብ ቦታኡ ከም ዘሎ ኣቐሚጡ።

ብመሰረት እቲ ሕጂ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተፈቒዱ ዘሎ ቪዛ እዞም ዝስዕቡ ማለት፡ ካብ ዳይረክተር ጀነራል ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኰይኖም ሃገራዊ ሓላፍነት ዝሓዙ፣ ከምኡ’ውን መጻምዲ እዞም ዝተመልከቱ ሰበስልጣን መንግስትን ውድብን ትሕቲ 21 ዝዕድመ’ኦም ደቈምን ገና እጉዳት እዮም ዘለዉ።

ካብዚኦም ወጻኢ ኤርትራዊያን ይዅኑ ነበርቲ ኤርትራ ዝዀኑ ካልኦት ዜጋታት ንቪዛ ከመልክቱን ኣገልግሎት ክረኽቡን ከምዝኽእሉ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ 2021 ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን ኤርትራ እገዳ ከምዘንበረት ይፍለጥ። ክፍሊ ፋይናንስ ኣሜሪካ ኣብ ነሓሰ እቲ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ 'ኣብ ጸሊም መዝገብ' ከምዘስፈረ ገሊጹ እዩ።

ጸኒሑ’ውን፡ ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን እግዳ ከምዝግበረሎም ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ኤርትራ ነዚ እገዳታት ሰበስልጣናታ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ በቲ "ዘይሕጋዊ" ተግባር ኣመሪካ ከም ዝጐሃየትን ነቲ “መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ጸለመን" ከም ዘይትቕበሎ ብምግላጽ፡ "ምምሕዳር ኣሜሪካ ነቲ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሓሶት ክሲ፡ መረጋገጺ ጭብጥታት እንተልዩዎ ናብ ናጻን ዘይሻራውን ኣካል ከቕርቦ" ምጽውዓ ኣይርሳዕን።

ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ብሓፈሻ ኣወንታዊ ምንባሩን፡ ድሕሪ ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣሜሪካ ኤርትራ [ከም ሃገር] ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ህንጸት ሃገርን ጻዕርታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ካልእ ሽርክነታትን ሓቢረን ክሰርሓ ተራእየን እየን።

እንተዀነ፡ ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝምድናአን ክሕርፍፍ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግዴታዊ ገደብ ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ከምኡ’ውን ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ግጭታት ምትእትታው ትገብርን ንኣኽረርቲ ጕጅለታት ትድግፍን እያ ብምባል ብትሪ ክትነቅፍን፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናታ ይዅን ኣብታ ሃገር እገዳታት ከተንብር ጸኒሓ እያ።

ኤርትራ፡ በቲ ብኣሜሪካ ብዝተነብረላ ኣገዳታት ኣመና ከምዝተሃስነየት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

መራሒ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ቃለመጠይቓትን ነቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ምዕራባዊ ፖለቲካ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስን እንተላይ ንመላእ ዓለም ግዳይ ከምዝገበረ ብምግላጽ ክዅንን ይስማዕ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ምምሕዳራት ፕረዚደንታት ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ዝተኸተልዎ ንዝበሎ "ግጉይ ፖሊሲ" ኣብ መግለጺታቱ ክነቅፍ ጸኒሑ እዩ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ነቶም ኣሉታዊ ዝበሎም ፖሊሲታት ንምእራም ምስ ምምሕዳሩ "ንጡፍ ጽምዶ" ብምግባር፡ ነቶም ዝነበሩ ጸገማትን መፍትሒታቶምን ዘነጽር "ሰፊሕ ሰነድ" ከምዘረከበ እውን፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ የመልክት።

እንተዀነ እቲ ዝምድና ናብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝምድና ከምዘይዓበየን፡ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ብዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ምስ ወረደ ገና ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰ ይፍለጥ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያንን ቀወምቲ ነበርቲ ኤርትራን ዝዀኑ ዜጋታት ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ቪዛ፡ ብ 13 መስከረም 2017 ደው ከምዘበለ ይዝከር።

ብዙሃት ኤርትራውያን ቪዛ ኣሜሪካ ንምርካብ ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ክጓዓዙን ብዙሕ ወጻኢታት ክገብሩ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።