ንወዲ ሃገሮም ዝቐተሉ ኤርትራውያን ተፈሪዶም

ብ7 ሓምለ 2022 በረኸት ሰለሙን ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ ብሪጣንያ ስቴቫንንጅ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ብበሊሕ ተወጋጊኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ::

ምስ ቅትለት በረኸት ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተታሒዞም መርመራ ክካየደሎም ብምጽናሕ በደለኛታት ኮይኖም ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ቤት ፍርዲ ሴንት ኣልባንስ ፍርዲ ተዋሂብዎም::

ክሱሳት ኣብ ቅትለት በረኸት በብዝነበሮም ተራ ክፍረዱ እንከለዉ ወዲ 25 ዓመት ጀላኒ ዑመር ንሕልፈት ማእሰርቲ: መሰትኡ መልኣከ ፍስሃየ ን9 ዓመት: ወዲ 20 ዓመት ናትናኤል ሓጎስ ን9 ዓመት: ዕድሜኡ ዘይተነግረ ሮቤል ምስጋነ ድማ ተሓባባሪ ኮይኑ ብምርካቡ ን4 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም::

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እቶም ኣርባዕተ ገበነኛታት ናይ ማእሰርቲ ግዜኦም ምስ ወድኡ ካብ ብሪጣንያ ክጥረዙ ዝዓበየ ተኽእሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ::

መጻኢ ዕድሜኡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ጉዱእ በረኸት ሰለሙን ሸሞንተ ግዜ ብካራ ተወጊኡ ኣብ ወሰን ጽርግያ ተደርብዩ ከምዝተረኽበን እዩ ዝግለጽ::