ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያን ኣውፈርትን ሞያውያንን ስለምንታይ ንርዋንዳ ይመርጹ'ለዉ?

ፈለማ ናብ ኤውሮጳ ክትግዕዝ'ኳ ሓሲባ እንተነበረት፡ ኣብ ስደት እውን ብሞያኣ ክትነጥፍ ድሌት ስለዝነበራ፡ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ እንተገዓዘት ዝሓሸ ምዃኑ ኣሚና።

ሰፊሕ ዕድላት ስራሕን ንግድን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ንርዋንዳ ቀዳመይቲ ምርጫኣ ከምዝገበረት ከምዘሎ ትፈልጥ ስለዝነበረት ካብ ናብ ኤውሮጳ ናብ ርዋንዳ ክትግዕዝ መሪጻ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኩባንያ ህንጸት መስሪታ ኣብ ህንጻ ትነጥፍ ኣላ። ኣብታ ከተማ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝዀነ ኵሉ ናውቲ ብርትዓዊ ዋጋ ዘቕርብ ትካል ንግዲ እውን ከፊታ ኣላ። እዚ ትካል ኣብ ሓጺር እዋን ዕውት ምዃኑ ስዒቡ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ፡ "ተወሳኺ ክልተ ጨናፍር ክንከፍት መደብ ኣለና" ትብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ብኦንላይን ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ንግዲ፡ ምሕደራ ፍጻመታትን ንጥፈታት መሰርገዊን ተካይድ።

ሳራ ይስሓቕ ካብ ሃገራ ወጺኣ ወፍሪ ምክያዳ ኣብ ዝሓሰበትሉ እዋን ምርጫኣ ንርዋንዳ ምግባራ "ቅኑዕ ውሳነ" ክትብል ትገልጾ።

ኣብ ርዋንዳ ወፍሪ ክገብሩ ዝመርጹ ሰብ ሃብቲ ጥራይ ኣይኰኑን። ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከብዎም ክኢላታት እንተላይ ኣብታ ሃገር ብሞያኦም ተዋፊሮም ይርከቡ።

ንኣብነት ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ተቘጺሮም ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓካይም ልዕሊ 150 ይበጽሕ።

ካብተን ድኻታት ዝበሃላ ኣህጉራት ሓንቲ ዝዀነት ኣፍሪቃ፡ ንነዊሕ ግዜ ስማ ምስ ግጭታት፡ ሕማማት፡ ሕጽረት መግቢን ጥሜትን ክተኣሳሰር ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ወፍሪ ከካይዱ ወይ ድማ ዕድመ ጥሮታኦም ብሰላም ከሕልፉ ዝደልዩ ብዙሓት ወጻእተኛታት መዳርግቶም ኣፍሪቃ ክትከውን ይመርጹ ኣለዉ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ከይተረፈ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዋፈሩን ንዳሕረዋይ ህይወቶም ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጹን ይረኣዩ ኣለዉ።

ንወፍሪን ንናብራን ቀደውቲ ኰይነን ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ርዋንዳ እያ።

ክሳዕ ቀረባ እዋን ርዋንዳ፡ ምስቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ምጽናት ብዝተኣሳሰር እዩ ስማ ክለዓል ጸኒሑ።

ይዅን'ምበር እታ ሃገር ብሕሉፍ ታሪኻ ከይተሸበበት፡ ጽቡቕ ምዕባለን ውሕሰነት ካብ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ትኸውን ኣላ።

ኢትዮጵያውያን ኤርትራውያን ካልኦት ወጻእተኛታት ስለምንታይ እዮም ንርዋንዳ ዝመርጹ ዘለዉ? ርዋንዳ ካብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እንታይ ዝተፈልየ ጸጋታት ተቕርብ?

ሓንቲ ሃገር ንናብራን ንወፍሪን ምችእቲ ክትከውን ዘኽእልዋ ዝተፈላለዩ መለክዒ ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ጽሬት፡ ዋጋ መነባብሮ፡ ቍጠባዊ ዕድላት፡ ድሕነትን ሰላምን ከምኡ'ውን ምዕቡል ትሕተ ቅርጺ ይርከብዎም።

ብመንጽር እዚ እታ 'ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር' ብዝብል እትፍለጥ ርዋንዳ ኣብ ምንታይ ደረጃ ትርከብ?

ጽሬት መነባብሮ

ርዋንዳ፡ ምድሪ ኣሽሓት ኣክራን ብዝብል ትፍለጥ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ርዋንዳ፡ ምድሪ ኣሽሓት ኣክራን ብዝብል ትፍለጥ

ርዋንዳ ሓንቲ ካብተን ጽሩያት ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃና ብዙሓት በጻሕቲ ይምስክሩ።

ኣብ ጽሬትን ንቕሓት ከባቢን እንትመጽእ፡ ርዋንዳ ቀዳመይቲ ከምእትስራዕ ዝምጕቱ'ውን ኣለዉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናይ መወዳእታ ቀዳም፡ ነፍሲ ወከፍ ነበርታ በብከባቢኦም ዘካይድዎ ብቛንቋ ኪንያርዋንዳ 'ኡሙጋንዳ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወፍሪ ጽሬት፡ ርዋንዳ ብጽሬታ ክትፍለጥ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

እዚ ድማ ብዙሓት ወጻእተኛታት ናብራኦም ንምጥያስ ወይ'ውን ወፍሪ ንምክያድን ቀዳመይቲ ምርጫኦም ንርዋንዳ ክገብሩ ከምዝደረዀም ይገልጹ።

ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ተበጻሕነት ናይ ትርፊ ግዜ ንጥፈታት ክመጽእ እንከሎ እውን እታ ሃገር ተመራጺት እያ።

ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን ዶክተር ዮሃና ገብረዮሃንስ

ምንጪ ስእሊ,Yohana Gebreyohannes

መግለጺ ስእሊ,ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን ዶክተር ዮሃና ገብረዮሃንስ

ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኪንግ ፈይሰል እትሰርሕ ሓኪም ሕርሲን ማህጸንን ዶክተር ዮሃና ገብረዮሃንስ፡ ፈለማ ናብ ርዋንዳ ክትግዕዝ እንከላ ዘጋጠማ ኵነታት ኣይትርስዕን።

"ርዋንዳ ካብቲ ዝተጸበኽዎ ንላዕሊ ብጣዕሚ ተቐባሊት ኰይና እየ ረኺበያ። መሳርሕተይ እውን ኣዝዮም ዝርድኦም፡ ኣዝዮም ተሓጋገዝቲ፡ ኣዝዮም ጋሻ ተቐበልቲ እዮም ነይሮም። ብጣዕሚ ኢና ፈቲናዮ። ዓድና እውን ከምዚ ንክኸውን ንምነ" ክትብል ብዛዕባ'ታ ሃገር ንቢቢሲ ኣካፊላ።

ኣብታ ሃገር ዝስትብህል ዋጋ መነባብሮ እውን ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝሓሸ እዩ። መንበሪ ገዛ፡ መግቢ፡ መጓዓዝያን ብተመጣጣኒ ዋጋ ከምዝርከብ ብዙሓት ይምስክሩ።

ኣብ ከተማታት ርዋንዳ ኣገልግሎት ኣብ ዝህባ ካፈታትን ኣብያተ መግብን ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ጽሬት ይስትብሃል።

ኵነታት ኣየራ ብብዝሒ ኣብ መንጐ 16ን 28ን ዲግሪ ሰልሽየስ እዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ውዕይ ወይ ኣዝዩ ቍሪ ብዘይ ምዃኑ፡ በጻሕቲ ሃገር ምቹእ ከምዝዀነ ይገልጹ።

ድሕነትን ትሑት ገበንን

ርዋንዳ ውሑስቲ ሃገር ምዃና ዝምስክሩ ብዙሓት ናብራኦም ኣብታ ሃገር ዝመስረቱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይገልጹ።

ቀትሪ ይዅን ለይቲ፡ ብዛዕባ ዘመተ ይዅን ዋላ ዝዀነ ዓይነት ገበን ስክፍታ ከምዘይብሎም ወሲኾም ይምስክሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህብብቲ ጋዜጠኛ ዝነበረት መቲ ሸዋየ ይልማ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ንግዲ ቡን ተዋፊራ ትርከብ። ንሳ ናይ ርዋንዳን ኢትዮጵያን ቡናት ካብ ምቕራብ ሓሊፋ፡ 'ሻንኮፊ' ብዝብል ባዕላ ዝመሃዘቶ ውዕይ መስተ፡ ኣብቲ ከባቢ ተፈታውነት እናረኸበ ይኸይድ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጻ።

መቲ፡ ብዝዀነ ስራሕ ናብ ርዋንዳ ምምጻኣ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝረኣየቶ ጽሬት፡ ድሕነት፡ ውሕስነትን ሰላምን ብሓፈሻ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከምዘየስተብሃለቶ ትዛረብ።

ስለዝዀነ ድማ ወፍሪ ክትገብር መደብ ሒዛ ዳህሳስ ምስ ኣካየደት፡ ምስ ርዋንዳ እትወዳደር ካልእ ሃገር ኣይረኸበትን።

"ሰላምን ውሕስነት" ነታ ሃገር ዝመረጸትሉ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝዀነ ትጠቅስ።

ብዙሓት ኤርትራውያንን ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐሱ እንከለዉ፡ ዝዀነ ናይ ሓደጋ ስክፍታታት ከምዘይስምዖም ይምስክሩ።

ብሓፈሻ ብፍላይ ምስ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ፡ ርዋንዳ ትሑት መጠን ገበን ዝፍጸመላ ሃገር እያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህብብቲ ጋዜጠኛ ዝነበረት መቲ ሸዋየ ይልማ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ንግዲ ቡን ተዋፊራ ትርከብ
መግለጺ ስእሊ,ኣብ ኢትዮጵያ ህብብቲ ጋዜጠኛ ዝነበረት መቲ ሸዋየ ይልማ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ንግዲ ቡን ተዋፊራ ትርከብ

ቅልጡፍን ዘተባብዕን መስርሕ ወፍሪ

መንግስቲ ርዋንዳ ብትግሃት ካብ ዝሰርሖም ንጥፈታት፡ ንኣውፈርቲ ዝምችኡ ፖሊሲታት፡ መተባብዒ ግብሪን ዝቐለለ ኣገባባት መስርሓትን ይርከብዎም። እዚ ድማ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ምቹእ ሃዋሁ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ቍጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን እታ ሃገር ክብ ክብል ይገብር ከምዘሎ ይግለጽ።

"ከም ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርአ፡ ዝተሓላለኸ መስርሕ ዘይምህላዉ ዘተባብዕ እዩ" ትብል ኣብ ክንዲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ርዋንዳ ክትዋፈር ዝመረጸት ሳራ ይስሓቕ።

ርዋንዳ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምቕሉልነት ንግዲ ካብ ዘለወን ሃገራት ከምትስራዕ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም የመልክት።

ኣውፈርቲ፡ ኣብ ሓደ ማእከል ጥራይ ብዝወሃብ ኣገልግሎት ብቐሊሉ ምዝገባ ንግዲ፡ ፍቓድ፡ ክፍሊት ግብሪን ከባብያዊ ፍቓድን ብቕልጡፍን ብብቕዓትን ክዛዝሙ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ውሑዳት ሰዓታት ጥራይ ከምዝወስድን ይምስክሩ።

"ካብ ኢሚግሬሽን ጀሚሩ 'ንምንታይ መጺእካ' ዝብለካ ዘይኰነስ 'እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኢሉ ብፍሽኽታ ዝቕበል ሰራሕተኛ እዩ ዘሎ" ትብል መቲ ብወገና።

መንግስቲ ንቝጠባዊ ምዕባለ ብዘለዎ ተወፋይነት፡ ኣብ ብልሽውና ዜሮ ተጻዋርነት ዘለዎም ፖሊሲታት ብምትእትታዉ፡ ኣውፈርቲ ብቐሊሉ ክስስኑ ዝሕግዝ ንወፍሪ ምቹእ ሃዋህው ፈጢሩ'ዩ።

ርዋንዳ ካብ 180 ሃገራት ውሑድ ብልሽውና ካብ ዘለወን ሃገራት ኣብ መበል 43 ከምእትስራዕ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ኣብ 2024 ዘውጽኦ መዐቀኒ ኣረኣእያ ብልሽውና የመልክት።

ርዋንዳ ብዙሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘለዋ ይንገር

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ርዋንዳ ብዙሕ ዕድላት ወፍሪ ከምዘለዋ ይንገር

ናይ ማስተርስ ዕድል ትምህርቲ ረኺባ ናብ ርዋንዳ ዝገሸት ኣብርሀት ገብረጊዮርጊስ'ውን ኣብ መወዳእታ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣብታ ሃገር ወፍሪ ምጅማር እዩ ነይሩ።

ኣብርሀት ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ናብ ሃገራ ከምዘይትምለስ ምስ ተገንዘበት፡ ኣብታ ሃገር ዘስተብሃለቶም እወታዊ ጐድንታት ወፍሪ ከተካይድ ከምዘተባብዕዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኣመልኪታ።

ርዋንዳ፡ "ዘተኣማምን ሰላምን ድሕነትን ዘለዋ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ወፍሪ እተተባብዕ ኣዝያ ምችእቲ ሃገር'ያ" ትብል እታ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሕርሻ ቃንጥሻ ዝተዋፈረት መንእሰይ።

ንኣውፈርቲ ምምቕራሕ መሬት ብምምችቻእ'ውን ኣብ ከተማን ገጠርን ብሉጻት ቦታታት ንግዲ ከምዝረኽቡ የረጋግጽ።

ሓደ ምስክር ድማ ቢንያም ሓጐስ እዩ። ብስራሕ ናብ ርዋንዳ ዝኸደ ቢንያም፡ ውዕል ስርሑ ምስ ኣብቀዐ፡ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ርዋንዳ ክዋፈር እዩ ወሲኑ። ስለዝዀነ ድማ ኣብ ኪጋሊ መሬት ወሲዱ፡ መዕረፊ ኣጋይሽ ይሃንጽ ኣሎ።

"ኵሉ ኣገዳሲ መስርሓት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኢኻ እትውድኦ" ክብል ድማ ኣብ ኣገልግሎት ምዝገባ ንግድን ፍቓድ ዘሎ ኣሰራርሓ ቅልጡፍ ከምዝዀነ ይምስክር።

ኣብ ርዋንዳ ወፍሪ ዘተባብዑ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ዘላቒ ልዑል ቍጠባዊ ዕብየት፡ ድልዱል ምሕደራ፡ ተበጻሕነት ዕዳጋታትን ምቹእ ሃዋህው ወፍሪን ይርከብዎም።

ብፍላይ ከም ማኑፋክቸሪን፡ ኣግሮ-ፕሮሰሲን፡ ቱሪዝም፡ ንብረትን ህንጸትን፡ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፡ ዕደና፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ ጸዓት፡ ትምህርቲን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ዝኣመሰሉ ጽላታት ሰፊሕ ዕድላት ብምህላዉ ድማ ሰብ ሞያን ኣውፈርቲን ዝመርጽዋ ሃገር ክትከውን ክኢላ ኣላ።