ሽወደን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ካብ ምምሕዳር ስቶኮልም ሓገዝ ከምዘይረክብ ተገሊጹ

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንፌስቲቫል ኤርትራ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ክስሕቦ ምኳኑ ‘ዳገንስ ኒሄተር‘ ንዝተባህለት ጋዜጣ ብምጥቃስ ራድዮ ሽወደን ትግርኛ ሓቢራ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ስቶክሆልም፣ ብስም ‘ፈስቲቫል ኤርትራ‘ ኣብ ዝተኻየደ ጓይላ፣ ካብ ምንቅስቓስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ተቓውሞ ከምዝገጠሞን፣ ናብ ዕግርግርን ባእስን ክሳብ ምቅጻል ቴንዳታትን ከምዘምርሐ ይፍለጥ::

‘ፈስቲቫል ኤርትራ‘ ኣብ ክንዲ መላለይን መዐቀብን ባህሊ፣ ልምዲ፣ ምምዕባል ጥበብ፣ ትምህርቲ፣ ምዕባለን፣ መሃዝነትን ምብልሓትን ናብ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲንካ ፈኸራ፣ ትምዩን ጠበናጁ ሒዝካ ምቅንጃው ኲናትን ጽልእን ተቐይሩ ምጽንሑ‘ዩ ዝንቐፍ።

‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ፈስቲቫላት ህግደፍ ኣብ ዘካየዶ ምንቅስቓስ፣ ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ካናዳ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን መዘራረቢ ማዕከናት ዜናን ፖለቲከኛታትን ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣዛራቢ ኮይኑን ብዙሕ ነቐፌታ ወሪድዎን‘ዩ።

እቲ ናይ ስቶኮልም ፌስቲቫል ክካየድ ድገፍ ዝህብ ዝነበረ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ፣ ኣብዚ እዋን‘ዚ መርገጺኡ ብምቕያር፣ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝወሃቦ ዝነበረ ሓገዝ ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።

በዚ ውሳኔ መሰረት፣ እቲ ፌስቲቫል ናይ ኤለክትሪክ፣ ማይን ዓይኒ ምድሪን ኣገልግሎታት ኣይረክክብን‘ዩ። ኣዳራሻት ናይ ምክራይ ፍቓድ‘ውን ኣይክወሃብን እዩ።

ኣብ ልዕል‘ዚ፣ ፈስቲቫል ንምክያድ ዘድልይ፣ ክማልእ ዘለዎ ደሞክራሲ ዘማእከላ ቕጥዕታት ክወጽእ ‘ዩ።

ስእሊ፦ ካብ አርካይቭስ ኢንተርነት