ሎሚ ኣብ ጎዶናታት ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2025፡ ኣባል ክለብ ደንደን ደበሳይ ደሳለ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘውዲ ደፊኡ። ኣብ 2023 ብዘገርምን ካብ ትጽቢት ወጻእን 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ቀዳማይ ብምውጻእ ናይዚ ውድድር ሪከርድ ሒዙ ዘሎ ኣትሌት ኖሆም ኤርምያስ ከኣ ካልኣይ ብምውጻእ ንደገፍቱ ኣረስሩሱ።
ሳልሳይ ኬንያዊ ኣትሌት ደሲስ ኩሱምባ ክወጽእ እንከሎ፡ ንነዊሕ ኪሎሜተራት በይኑ ኣብ ቅድሚት መሪሑ ምውዓል ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብናሆም ኤርምያስን ብደበሳይ ደሳለን ዝትወሓጠ ሙሴ እስቲፋኖስ ከኣ ራብዓይ ወጺኡ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብጀካ ካብቶም ናይ ውሽጢ ሃገር ኣትሌታት ካብ ሃገራት ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ዝመጽኡ ተቐዳደምቲ'ውን ተሳቲፎም'ዮ'ዮም።
ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ጋንታት ከአ ዞባ ደቡብ 6፡ ዞባ ማእከል 14፡ ጋሽ ባርካ 5፡ ደንደን 10 ብውልቆም ከኣ 14 ኣትሌታት ተወዳዲሮም።
ሎሚ ንማራቶን ኣስመራ ዝተዓወተሉ ደበሳይ ደሳለ ንውድድሩ ብ2 ሰዓት 16 ደቂቕን 30 ካልኢትን ብምዝዛም ተሸላሚ 6000 ዶላር ኮይኑ።
ብዙሓት ፕሮፈሽናላት ጎየይቲ ኣብ ምፍራይ ዓቢ ግደ ዘለዋ ናይ ሚኒሰትሪ ምክልኻል ክለብ ደንደን ክሳብ ሎሚ ኣብ ማራቶን ኣስመራ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን ነይራ።
ነቲ ናሆም ኤርምያስ ኣብ 2023 ዘመዝገቦ ናይ 2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ግዜ እቲ ዝበለጸ ግዜ እዚ ውድድር ኮይኑ፡ ነዚ ግዜ እዚ ዘመሓየሸ ናይ 1000 ዶላር ሽልማት ተዳልይሉ ነይሩ'ዩ።
እንተኾነ እቲ ግዜ ስለዘይተማየሸ ናሆም ዘርኣይ ኣብ 2023 ዘመዝገቦ ግዜ ሎሚ ዓመት'ውን ከመሓይሾ ዝኸኣለ ተጻዋታይ ኣይተረኸበን።
ጎኒ ጎኒ ናይቲ ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ'ውን ናይ 10 ሽሕ ውድድር ተሰሪዑለን ነይሩ'ዩ።
ኣብቲ 23 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ ውድድር ኦሎምፒካዊት ዶልሺ ተስፉ ቀዳማይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ራሄል ዳንኤልን ሙዚት ተስፋይን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።