ኔዘርላንድስ፡ ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ብፖሊስ ይድለዩ ኣለዉ

እቲ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ፖሊስ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዕለት ዕግርግር ካብ ዝተፈላለያ ካሜራታት፡ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝተወስደ ኣሳእል ሽዱሽተ ሰባት ኣስፊሩ ኣሎ።

እቲ ብቀዳም ምሸት - 17 ለካቲት፡ ኣብ ፍረትቨኽ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ኦፔራ ዝተራእየ ከቢድ ናዕቢ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጕጅለታት ብዝፈጠርዎ ግጭት ዝተቐስቀሰ ኰይኑ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ምንባሩ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።

ኣብቲ እዋን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር መግለጺ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ምምሕዳር እታ ከተማ ሮቢን ሚደል፡ "እቲ ናዕቢ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ" ኰይኑ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፍ ጕጅለ ኣኼባ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ቦታ ብተቓወምቲ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ፖሊስ ብተወሳኺ፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ከቢድ ረጽሚ ከም ዝኣተዉ ጠቒሱ።

“እቶም ናዕበኛታት ኣእምሮኦም ምቍጽጻር ስኢኖም፣ ዳርጋ ንዅሉ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ - መካይን፡ መሳዅቲን ካልእን - ኣዕንዮም፡” ብምባል እቲ ኣዳራሽ ብከቢድ ከም ዝዓነወ’ውን ኣመልኪቱ።

ነቲ ናዕቢ ንምህዳ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተጠቐሙ፤ እንተዀነ፡ እቶም ናዕበኛታት መካይን ፖሊስን ኣውቶቡሳትን ከምዘቃጸሉ መሰካኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ትክን ሙቐትን ኣብ ጥዕና ሰባት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝገደፈ ዝሓበረ ፖሊስ፡ ብዘይካ ንዋታዊ ዕንወት፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ከምዝተሃርሙ ጠቒሱ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኣብ መንጐ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ዕግርግርን ምትፍናን ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ከተማ ስቱትጋርት ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናዕቢ ብውሕዱ 26 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ዓሰርተታት ሰባት ቆሲሎም እዮም።

ብሰንኩ ድማ ፖሊስ ጀርመን ኣብ ልዕሊ እቶም ዕግርግር ዝፈጠሩ ኤርትራውያን 125 ገበናዊ ክስታት ከምዝመስረተ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ብዙሓት ከም ዝተኣስሩን ገለ ድማ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዘለዉን ይንገር።

ብዘይክኡ፡ ኣብ እስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ እውን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕግርግር ብዙሓት ሰባት ተጐዲኦም ነይሮም። እቲ ናዕቢ ንኣፍሪቃውያን ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ድማ ዝጸለወ ነይሩ።

ኣብ ካናዳ እውን፡ ኣብ መስከረም ኣብ ካልጋሪ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር ኤርትራውያን፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረደ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ኵነታት ‘ብዝተፈላለየ ተራ’ ዝተሳተፉ ዝበሎም 16 ሰባት ኣሳእሎም ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ፖሊስ ካናዳ፡ ንመስርሕ ድልያ ኣመልኪቱ፡ "ንልዕሊ 600 ሰዓታት ዝቐጸለ ካብ ሲሲቲቪ - ካሜራ ዝተኣከበ ቅንጥብጣብ ኣሳእል፡ ኣብ ክዳውንቲ ብዝጠበቐ ካሜራታት ዝተኣከበ ዲጂታዊ መርትዖታት ንምርምር ኣለና፡” ብምባል ንኽብደትን ዕምቈትን እቲ መስርሕ መርመራ ኣረዲኡ ነይሩ።

ፖሊስ ኔዘርላንድ፡ ኣብዚ ከፊትዎ ዘሎ ፍሉይ መዝገብ ገበን፡ ሰፊሕ ጕጅለ መርመራ ተመዚዙ ከምዘሎ ይሕብር።

ኣብቲ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ዝርዝር ዕንወታት ድማ፡ ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተፈጥረ ከቢድ ስንባደ፡ ዕንወት መካይን፡ ኣባይትን ትካላት ንግድን ብምዝርዛር እቲ ጽልዋ ዓቢ ምዃኑ ኣቐሚጡ።

ኣብዚ እዋን ዕቱብ መርመራታት ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ብምሕብር ፖሊስ፣ ድሮ 16 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ሓደ ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።