'ፈጣሪ ይመስገን'፡ ተላጊበን ዝተወልዳ ኤርትራውያን ማናቱ ብመጥባሕቲ ተፈላልየን

"እንቋዕ ሓጎሰና። ኣስማን ሱመያን ብዓይንና ርኢናየን ንምለስ ኣለና። ኣብ ክፍሊ ጽዕቕ ክንክን'ኳ እንተለዋ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኢየን ዘለዋ። vital signs ትርግታ ልቢ፡ ኦክስጅን፡ ጸቕጢ ደም.... ኩሉ ንቡር ኣሎ።

"ኣዲአንን ዓባየንን ሓጎሰን መግለጺ ስኢነናሉ። ንሓኪመን ረኺብና ኣዘራሪብናያ። ኩሉ ነገር ንቡርን ጽቡቕን ምህላውን፡ ሰንበት ብዘይ ናይ ኦክስጅን ሓገዝ ባዕላተን ብባህርያዊ ኣገባብ ከስተንፍሳ ኪጅምራ ምዃነንን ገሊጻትልና። 36 ክኢላታት ን15 ሰዓትን ፈረቓን ዘካየድዎ ዝተራቐቐ መጥባሕቲ ብርእሰን ዝተላገባ ማናቱ ደቅና ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ" ይብል እቲ ኤምባሲ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ።

ኣስማን ሱመያን ኣብ ፈለማ 2023 ኣብ ከረን ድሕሪ ምውላደን ብሓገዝ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንመጥባሕቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ናብ ሪያድ ከምዝኸዳ ይዝከር።

"ፈጣሪ ይመስገን፡ ንኣስማን ሱመያን ንምፍልላይ ዝተኻየደ መስርሕ ድሕሪ'ቲ ን15 ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ተነቃፊ መጥባሕቲ ተዓዊቱ'ሎ" ይብል ክፍሊ ጥዕና ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ።

"እተን ማናቱ፡ ናብቲ ኣብ ማእከል ሕክምና ንጉስ ዓብደልዓዚዝ ዝርከብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ፍሉይ ሆስፒታል ህጻናት ንጉስ ዓብደላህ ተሰጋጊረን ኣለዋ" ክብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ጥዕና ሓለዋ ሃገር ኣብ ኤክስ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኣስማን ሱመያን ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ከረን ብርእሰን ተጣቢቐን'የን ተወሊደን።

ብመጥባሕቲ ክፈላለዩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ክልተ ዓመት ምስ መልኡ ጥራይ መጥባሕቲ ክግበረሎም ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።

ኣብቲ እዋን ርእይቶኡ ንቢቢሲ ዝሃበ ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ናጽላታት ዶ/ር ዘሚካኤል ዑቕበ እተን ናጽላታት ብመጥባሕቲ ክፈላለያ ዝኽእላ እንተዀይነን ምርግጋጽ ዘኽእል መሳርሒ ኣብ ኤርትራ ከምዘነበረ ብምንጻር ንሓገዝ ጸዊዑ ነይሩ።

"ዓቢ ንጻረ ዘለዎ 'ኢሜጂን ሲስተም' ኣብዚ ስለዘይብልና፡ ኣየናይ መትንታት ርእሰንን ሓንጐለንን'ዩ ናይ ሓባር ዘሎ ክንጽረልና ኣይከኣልን ዘሎ።"

ኣተሓሒዙ'ውን ከምዚ ተጣቢቘም ዝተወልዱ ናጽላታት፡ ብመጥባሕቲ ክፈላለዩ ዝኽእሉ እንተዀይኖም ክልተ ዓመት ምስ መልኡ ጥራይ መጥባሕቲ ከምዝግበረሎም እዩ ሓቢሩ።

ተጣቢቘም ንዝተወለዱ መናቱ ንምፍልላይ ዝግበር መጥባሕቲ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዘድልይዎ፡ ዝተሓላለኸን ነዊሕ ሰዓታት ዝወስድን እዩ።

ስርዓተ ጥዕና ኤርትራ ንኸምዚ ዝበለ ዝተሓላለኸ ሕክምና ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ የብሉን።