ኤርትራ፣ ኣብ African All Games ብ15 ሜዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ

ካብ 4 ክሳብ 23 መጋቢት፣ ኣብ ጋና ክካየድ ኣብ ዝቐነየ፡ መበል 13 ውድድራት ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ወይ ድማ African All Games፡ ኤርትራ ብ15 ሜዳዳልያታት መበል 11 ደረጃ ተሰሪዓ።

ኣብ 5 ዓውድታት ስፖርት ብ35 ኣትሌታት ዝተኻፈለት ኤርትራ፣ ኣብዚ ኣስታት 5 ሽሕ ስፖርተኛታት ዝተሳተፍዎ ውድድር ፡ 7 ወርቂ፡ 2 ብሩር፡ 6 ነሓስ፣ ብሓፈሻ ብ15 ሜዳልያታት ‘ያ ረኺባ።

ኣብዚ 30 ዓውድታት ስፖርት ዘተሃላለኸ ውድድር፡ ግብጺ፡ ብ102 ወርቂ፡ 47 ብሩር፡ 42 ነሓስ፡ ብሓፈሻ ብ191 ሜዳልያታት ቀዳማይቲ፡ ናይጀርያ ብ47 ወርቂ፡ 34 ብሩር፡ 40 ነሓስ፡ ብድምር ብ121 ሜዳልታታት ካልኣይቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 32 ወርቂ፡ 32 ብሩር፡ 42 ነሓስ፡ ብጠቕላላ ብ106 ሜዳልያታት ሳልሳይ ደረጃ‘የን ሒዘን።

ኣልጀርያ ብ115 ሜዳልያታት፡ ቱኒዝያ ብ88 ሜዳልያታት፡ ጋና ብ69 ሜዳልያታት፡ ሞሮኮ ብ35 ሜዳልያታት፡ ኢትዮጵያ ብ22 ሜዳልያታት፡ ሞውሪሸስን ብ25 ሜዳልያታት፡ ኬንያ ድማ ብ37 ሜዳልያታት፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ንዘሎ ተርታ ተማሲሐንኦ።

ኬንያን ሞውሪሸን ካብ‘ተን ቅድሚአን ተሰሪዐን ዘለዋ 3 ሃገራት ዝበዝሐ ሜዳልያታት‘ኳ እንተ ረኸባ፡ ኣብ ብዝሒ ወርቂ ስለ ዝተበለጻ ግን፡ ኣብ ተርታ ንድሕሪት ክዘዝዋ ተቐሲበን።

ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ካብ ዝሃፈሰተን 15 ሜዳልያታት፣ እተን 14 ኣብ ዓውዲ ስፖርት ቅድድም ብሽክለታ ዝተደለባ ክኾና ከለዋ፡ እታ ዝተረፈት ሓንቲ ድማ፡ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣትለቲክስ እያ ተረኺባ።

ከም ውጽኢት ናይ‘ዚ ኤርትራ፡ ኣብ ዓውዲ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ልዕሊ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ በሪኻ ክትወጽእ ከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞውሪሸስን ድማ፡ ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ክ/ሰ ዝርዝር ናይዚን ካልእን ዘጠቓለለ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብዚ ናይዚ ሰዓት ፈነወና ከነቕርበልኩም ኢና።