ብኤርትራዊት ዝተማህዘት ንንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ እተገልግል መተግብሪ ( ኣፕ)

ምርኣይን ምስማዕን ንዝሰኣኑ ኣካላት ፊልምታት ክከታተሉ ዘኽእል መተግብሪ( ኣፕ) ዘዳለወት ኤርትራዊት ጀርመናዊት ሰናይት ኣስመላሽ ደበሳይ ነቲ ኣፕ ንምድላው ዝደረኻ ኩነታት ዛንታ ሓንቲ ውልቀሰብን ንታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኤርትራ ንምስናድ ዝነበራ ባህጊን ምዃኑ ትሕብር።

ሰናይት እዚ መተግበሪ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን እንታይ ትሕዝቶ ከምዘለዎ’ውን ኣብዚ ቃለ መሕትት ተብርህ።

እዚ ንምርኣይን ምስማዕን ዝሰኣኑ ተባሂሉ ዝተዳለወ መተግበሪ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ትርጉም ‘ውን ከምዘለዎ ሰናይት ትገልጽ። ክሳብ ሕጂ ናብ ሓሙሽተ ቋንቋታት ማለት ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ቱርኪ፡ ዩክሬንን ፈረንሳን ኣገልግሎት ትርጉም ምሃብ ጀሚሩ’ሎ ። ኣብ መጻኢ ካልኦት ቋንቋታት ንምውሳኽ መደብ ከምዘሎ ሰናይት ትሕብር።

እዚ መተግበሪ ነዞም ኣካላት ኣብ ካልእ መዓልታዊ መነባብሮም ከምኡ ኣብ ትምህርቲ ኮነ ስራሕ’ኸ ይሕግዝ’ዶ ንዝብል ዝቐረበላ ሕቶ ሰናይት ንሳ ተመክሮኣ ኣብ ፊልም ኢንዳስትሪ ብምዃኑ ነቲ ኣፕ ኣብ ምክትታል ፊልም ጥራይ ኣተኲራ ከምዘዳለወቶ እዚ ግን ኣብ ሲነማ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ነፋሪት ኮነ ኣብ መንበሪ ኣባይቶም እቶም ውልቀሰባት ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ተረድእ። ብተወሳኺ ናይ ቀረባ መደባት’ቲ ትካል ነቲ መተግበሪ ኣብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ከምዝኾነ ግን ኣብ ነዊሕ ብዙሕ መደባት ከምዘለዎም ሓቢራ።

እዚ ብግሬታ ዝጽዋዕ መተግበሪ ተጠቀምቲ ብናጻ ዝጥቀምሉ ምዃኑ’ውን ሰናይ ትሕብር።