ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝበኣሰ ኩነታት

ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝለዓለ መልክዑ ትቕጽሎ ከም ዘላ ናይ 2024 ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣስፊሩ።

እቲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣብ ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዝኾነ ይኹን ለውጥታት ከም ዘየለን እኩኣ ደኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ዘስዓቦ ምምዝባላት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተዓቒቡ ዝጸንሐ ህዝቢ ውን እንተኾነ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይገጥሞ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ዝመርሓሉ ናይ 30 ዓመት ዝኽሪ እታ ሃገር ን 3 ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገማት ተሸሚማ ከም ትርከብ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ፣ ምስ ወሰንቲ ኣገባባት መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን (AU) ምትሕብባር ከምዘይትገብር ይፍለጥ።

ንፍሉይ ጸብጻቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናብታ ሃገር ኣትዩ መጽናዕቱ ከየካይድ ብምኽልካል ከምኡ ውን ንኮሚሽን ኣፍሪቃ ኣብ ውሳነታት ሰብኣውን መሰላት ህዝብታትን ከምዝነጸገቶ ጸብጻብ ሰብ ኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግሊጹ።

ኣብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርናን ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ምግሃስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ሃይማኖትን ሓዊስካ ገለ ካብቶም ተዓፊኖም ዘለዉ መሰረታዊ መሰላት ደቅሰብ እዮም።

ኣብ 1994 ናይ የሆዋ መሰኻክር ዝኾኑ 36 ኣመንቲ (10 ደቂ ኣንስትዮን 26 ደቂ ተባዕትዮን) ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ይንገር።

መንግስቲ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጠቂሙ ነቲ ህዝቢ ብምቁጽጻር ንውሓት ግዜኡ ኣብ 18 ኣዋርሕ ዝድርት ሕጋዊ ድንጋገታት ንዘለዎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዘኺዶ ይፍለጥ።

ኣብ 2001 ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን 16 ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።