ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብሓድሽ ሕጊ ስደት ኣውሮጳ ብኸመይ ይጽለዉ?

እቶም ዝተፈላለየ መገዲ ተጠቒሞም ኣውሮጳ ዝበጽሑ ስደተኛታት እዘን ሃገራት፡ ኣብቲ ዝረግጽዎ ኣውሮጳዊ ሃገር'ውን ሕቶ መብዛሕትኦም ብቐሊል ዝምለስ ኣይኰነን።

ብሓፈሻኡ ንስደተኛታት ዝምልከት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ነፍስወከፍ ሃገር ዘለዋ ንስደተኛታት ዝምልከት ፖሊሲታት፡ ከም ምኽንያት ምሕታት ዕቝባ ዘቕርብዎ ጉዳይ፡ ኣተኣታትዋኦም ናብተን ሃገራት፤ ድሕረ ባይታኦምን ካልእን ተደማሚሩ እዩ ውሳነ ዘውህብ።

እተን ብጉዳይ ስደተኛታት ኣመና ዝተሳቐያ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣብ መንጐ'ቲ ዝኸተማኦ ዓለምለካዊ ውዕላትን መትከላትን ምቕባል ስደተኛታትን ውሽጣዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ-ቍጠባዊ ኵነታተን ተቐርቂረን፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝተፈላለየ መምርሒታትን ቅጥዒታትን ክወጽኣን ከመሓይሻን ወይ ንምምሕያሽ ክዝትያን ጸኒሐን።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዘተ፡ ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ንሕጊታት ፍልሰትን ሕቶ ዑቕባን ኣውሮጳዊ ሕብረት ብጽኑዕ ክመሓየሽ ኣጽዲቑ ኣሎ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ 2015 ኣትሒዙ ሕጊታት ዕቚባን ስደትን ንኸመሓይሽ ክሰርሕ ጸኒሑ።

እዚ ሕጂ ተመሓይሹ ዘሎ ሕጊታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክትግበር እዩ።

እዚ ምምሕያሽ’ዚ መስርሕ ዕቝባ ንምቅልጣፍን፡ ነቶም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱ መገዲ ንምሕያልን ዝዓለመ እዩ።

ከምኡ’ውን ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሓላፍነት ሓተትቲ ዕቝባ ንክካፈላ ይጠልብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 380,000 ዝዀኑ ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶባት ኣውሮጳ ሰጊሮም፤ እቲ ብዝሒ ከኣ ካብ 2016 ንደሓር ዝተራእየ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ ።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ርክብ ኣብ መንጐ ኣባል ሃገራት ዘሎ ሓባራዊ "ግዴታን ድልውነትን" ዘጣመረ ምዃኑ ይገልጽ።

ዋላ’ኳ ሓደ ሓደ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ንገለ ክፋል ናይቲ ስምምዕ እንተተቓወማኦ፡ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ብብዝሒ ድምጺ ምሉእ ተቐባልነት ክረክብ ትጽቢት ይግበር።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ - 2017

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ኣውሮጳ እንታይ ሒዙ?

ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ሕጋጋት፡ እተን 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ ከም ኢጣልያ፡ ግሪኽን ስጳኛን [ስደተኛታት ብብዝሒ ዝኣትውለን ሃገራት] ኣሽሓት ስደተኛታት ክወስዳ ወይ ከኣ ኣምሳያኡ ብገንዘብ ክደጋገፋን ክግደዳ እየን።

ብመሰረት እቲ 'ሕጊ ደብሊን' ዝብል ንስተደኛታት ዝምልከት ስምምዕ፡ ዝዀነ ስደተኛ ኣብታ ቀዲሙ እግሩ ዘንበረላ ሃገር ዕቝባ ይሓትት።

ብፍሉይ ኵነታት እንተዘይኰይኑ ናብ ካልእ ምስ ዝኸይድ ሕቶ’ኡ ይንጸግ ወይ ናብታ መጀመርታ ዝኣተዋ ሃገር ብግዴታ ይምለስ ዝብል እዩ።

በዚ መሰረት፡ እቶም ብብዝሒ ናብ ኢጣልያን ግሪኽን ብፍላይ ዝኣትዉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብዘን ሃገራት ብሰንኪ ዘሎ ድኹም ቍጠባን ትሑት ዕድላት ስራሕን ኣብኡ ዕቝባ ክሓቱ ኣይመርጹን።

ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ምስ ዝኸዱ እሞ ድማ ናይታ ዝኣተዉላ ሃገር ኣሰር ኣጻብዕ እንተጸኒሑ ድማ ክከላበቱ፣ ሕቶ ዕቝባኦም ክንጸግን ወይ ክደናጐ ጸኒሑ እዩ።

ምናልባት፡ እቲ ነቶም ስደተኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ፋሕ ናይ ምባል ዕድል ግብራዊ እንተዀይኑ ግን ዕድልካ ምጽባይ ይኸውን - እትበጽሓካ ሃገር ኣየነይቲ ትኸውን ዝብል ስክፍታ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ።

ነቲ “ትሑት ዕድል ተቐባልነት” ዘለዎ ጉዳያት ሕቶ ዕቝባ ብቕልጡፍ ብምምርማር፡ እቶም ኣመልከትቲ ኣብ ክሊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ከምዘይኣትው ምግባር ዘካትት እዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ስምምዕ እቲ ሕቶ ዕቝባ ኣብ ውሽጢ 12 ሰሙናት ክረአን፡ እቶም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሃገሮም ብግዴታ ክምለሱ ከምዘለዎም ዘገድድ እዩ።

በዚ ሓድሽ ሕጊ መሰረት፡ እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምእታዎም ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ንመንነቶም፡ ሕቶ ዕቝባኦም ኰነ ጥዕናኦም ዝምልከት ጽዑቕ ምርመራ ይግበረሎም።

ካብ ሽዱሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኦም ቈልዑ ስደተኛታት ባዮሜትሪያዊ ሓበሬታ ክእከብ እዩ። ምናልባት እውን ኣብቲ መስርሕ ሃንደበታዊ ምውሳኽ ክህሉ እዩ።

ንስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም?

ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ናይ ስራሕ ይዅን ናይ ትምህርቲ ቪዛ ብዝኣመሰለ ኣገባባት፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናብዘን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ኣትዮም፡ ናብ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ፈረንሳ ካብ’ኡ ሰጊሮም እውን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ጸኒሖምን ኣለዉን።

እዚ ሸነኽ ናይቲ ዝመሓየሽ ዘሎ ሕጊ፡ እንተ ተተግቢሩ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ኤርትራውያን ኣሰካፊ እዩ ዝኸውን።

ኣብ 2002 ኣብ ማልታ በጺሖም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ብግዴታ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክሳብ ኣብ ዳህላክ ተወሲዶም ክቕጽዑ ተገይሩ እዩ።

እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም በብግዚኡ ካብታ ሃገር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብህጹጽ ተቐባልነት ረኺቦም እዮም።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብኽንድኡ መጠን ስደተኛታት ካብ ኣውሮጳ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ኣይተራእየን። ይዅን ግን ካብ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ድማ ካብ ኢትዮጵያ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ብግዴታ ክምለሱ ከምዝተገብረ ግን ኣይርሳዕን።

ሃገሮም ምስ ተመልሱ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ኵነታት ግን ብወግዒ ዝፍለጥ የለን፤ ናብቲ ዝሃድሙሉ ግዱድ ዕስክርና ተመሊሶም ክቕጽዑ ከም ዝግበር ግን ካብ ቤተሰብ ዝርከብ ሓበሬታት የመልክት።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰካፊ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ከም ውጽኢቱ ጉዳይ ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዝጉብ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ግዱድ ምምላስ ናብ ሃገር ኣየጋጥሞምን ይኸውን ዝብል ግምታት ከኣ ይስማዕ እዩ፤ ከቢድ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላትን ነቐፌታን ስለዘስዕብ ድማ ብውሑዱ ካብ ኣውሮጳ ግብራዊ ዝኸውን ኣይመስልን።

ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ

ምንጪ ስእሊ,EPA

ነዚ ምምሕያሽ ዝድግፉን ዝቃወሙን መራሕቲ

እዚ ምምሕያሽ ሕጊ ፍልሰት ብኽልተ ቀንዲ ፖለቲካውያን ጕጅለታት ማለት ብናይ ማእከል የማናዊ ሰልፊ ህዝቢ ኤውሮጳ (EPP ግሩፕ) ከምኡ እውን ብናይ ማእከል ጸጋማውን ማሕበርነታውን ከምኡ እውን ዲሞክራትስ (S & D) ክድገፍ ጸኒሑ’ዩ።

ክልቲኦም ጕጅለታት፡ ኣብ ሰነ ኣብ ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ ከጋጥሞም ካብ ዝኽእል ሓያል ብድሆ ክሃድሙ ይፍትኑ ኣለዉ።

ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ነቲ ውሳነ “ታሪኻዊን ኣገዳሲን ስጕምቲ” ክብል ንኢዱ።

ፕረዚደንት ባይቶ ኣውሮጳ ሮበርታ መሶላ ከኣ፡ "ኣብ ሕብረትን ሓላፍነትን ዘሎ ግቡእ ሚዛኑ ዝሓለወ" ክትብል ገሊጻቶ።

"ንዅሉ ነገር ብሓንሳእ ኣይክፈትሖን እዩ፡ ግን 10 ዕጽፊ ንቕድሚት ዘሰጒም እዩ" ኢላ።

ሃንጋሪ “ዋላኳ ገደብ ፍልሰት ኣይሃልዎ፡” ዝዀነ ይዅን ዘይሕጋዊ ስደተኛ ከም ዘይትወስድ ኣፍሊጣ እያ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ታስክ ከኣ፡ ነቲ ንገለ ሓተትቲ ዕቝባ ምውሳድን ገንዘብ ምኽፋልን ዝብል ሓሳብ “ዘይቅቡል’ዩ” ክብል ነጺግዎ።

ፖላንድን ሃንጋሪን ዝኣመሰላ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብዘለወን ተሪር መርገጺ፡ ምስቲ ሕብረት ክፈላለያ ጸኒሐን እየን።

ይፍተዋ ኣይፍተዋ ግን ኣብተን ሃገራት ብሰንኪ ዘሎ ዓሌትነት ስደተኛ ከም መሰጋገሪ እንተዘይኰይኑ ኣብአን ክነብሩ ኣይመርጹወንን።

ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ እቲ ሕብረት ዋላ’ኳ ነቲ ውጽኢት ብሓጐስ እንተ ተቐበልዎ፡ ሓያሎ ካልኦት እውን እቲ ስምምዕ “ፍጹም” ከም ዘይኰነ ኣስተብሂሎም ኣለው።

ስሎቬንያዊት ኣባል ባይቶ፡ ማትጃዝ ኔመክ፡ “ምስ ካልኦት ብምርድዳእ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና” ክትብል እንከላ፡ በልጂማዊት ሂልድ ቮትስማንስ ከኣ፡ እቲ ሕጊ “ፍጹም ኣይኰነን” እኳ እንተበለት፡ ንሳ ግን ነቲ ምምሕያሽ ሕጊ ድምጻ ሂባትሉ እያ።

ይዅን'ምበር: እቶም ጸጋማውያንን ናይ የማን የማናውያንን ክንፊ ጕጅለታት ነቲ ስምምዕ ተቓዊሞምዎ ኣለው።

ኣባል የማናዊ ሃገራዊ ራሊ ፈረንሳ ጆርዳን ባርዴላ፡ እቲ ምምሕያሽ ሕጊ ፍልሰት ምምሕያሽ “ዘፍርሕ’ዩ” ብምባል እቶም ሕብረት ኣውሮጳውያን፡ ኣብቲ ብ9 ሰነ ኣብ ኣውሮጳ ዝካየድ ምርጫ ኣንጻር ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ድምጾም ክህቡ ተማሕጺና።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ተቓወምቲ “እዚ ድምጺ ቀታሊ’ዩ፡ ክኸውን ኣይግበኦን’ዩ” ኢሎም ብምጭራሕ ካብ ነፈርቲ ወረቓቕቲ ብምድርባይ ነቲ ድምጺ ነጺጐም።

ብዙሓት ዘይመንግስታውያን ትካላት እውን ንመንፈስ እቲ ተሃድሶ ክቃወምዎ ተማሕጺነን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ድማ እቲ ናይ ሕጊ ምምሕያሽ “ንስቓይ ንሓተቲ ዕቝባ” ዘጋድድ እዩ ኢሉ።

ሓደ ካብቲ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዘስምዐኦ ዘለዋ ልሙድ ተቓውሞ፡ እቶም ትሑት ናይ ምቕባል ዕድል ዘለዎም ሓተትቲ ዕቚባ፡ ሕቶኦም ኣብ ንኣሽቱ ዶባዊ ደሴታት ወይ ድማ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ መዳጐኒ ማእከላት ከም ዝጅምርን፡ ከምኡ እውን ፍትሓዊ መስርሕ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ዝብል እዩ።

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን (IFRC) “ኣብ ዶባት ንቡር መስርሕ ማእሰርትን ፍጥነት ጥርዝያን” ከኸትል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

እቲ ቅልጡፍ ውሳነታት፡ ነቶም ዕቝባ ክረኽቡ ዝግበኦም ሰባት ሓደገኛ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።