ዋልልኝ ንዓብላልነት ብሄር ኣምሓራ ኣዝዩ ይነቅፍን ኣንጻሩ ይጕስጕስን ስለ ዝነበረ፡ ቃልሱ ከም ጐነጻዊ ናዕቢ ተወሲዱ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ግዜ ነይሩ’ዩ። ብድሕሪ መቕተልቲ ጥላሁን ግዛው ከኣ ን15 ኣዋርሕ ተኣስረ። ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ቅብጸት ዝተላዕለ፡ ምስ ሸውዓተ ርእሱ ኰይኑ ነፋሪት ጠለፈ። ኣብ ኣየር እንከሎ ኸኣ ብኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ተቐትለ፤ ይሙት’ምበር ዓላማ ቃልሱ ግን ቀጸለ።

ብርሃነ-መስቀል ረዳ ብውገኑ ሰፊሕ ክእለት መደረ ዝነበሮ፡ ኣብ ምንቕስቓስ ተምሃሮ ኸኣ ዕዙዝ ተራ ዝተጻወተ ኰይኑ ሓደ ካብቶም ንኢህኣፓ (ኢ.ፒ.ኣር.ፒ.) ዝመስረቱ ተቓላሳይ ከም ዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክርሉ።

ብርሃነ-መስቀል ብ1943 ኣብ ዓድዋ ዝተወልደ፡ ኣብ ደሴ ዝዓበየ፡ ኣብ ዕድመ ዩኒቨርሲቲ ምስ በጽሐ ኸኣ ትምህርቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ቀፂሉ። ኣብኡ ኣሰናዳኢ መጽሔት ተማሃሮ ኰይኑ ንማዕርነት ዝምልከቱ ጽሑፋት ብምሕታም ኣገልጊሉ።

1969 ብርሃነ-መስቀል ምስ ገለ ብጾቱ ዀይኑ ሓንቲ ዲ-ሲ-3 ዝዓይነታ ነፋሪት ብምጥላፍ ንሱዳን ተጓዕዘ፤ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣልጀርያ ዑቝባ ሓተተ። ኣብኡ ኰይኑ እታ በቲ ዘመን’ቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ተምሃሮ ጽልዋ ዘሕደረት ወይ ከኣ ምርኩስ ቃልሲ ተምሃሮ ዝዀነት ‘ሕቶ ብሄራት ኢትዮጵያ’ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ከም ዘቕረበ ይንገር።

ኣብ ዓሲምባ [ትግራይ] ዝመደበሩ ብረት ዝዓጠቐ ክንፊ ኢህኣፓ [ኢ.ፒ.ኣር.ፒ] ኸኣ መርሐ። ብድሕሪኡ ግን ምስ መራሕቲ እቲ ወድብ ስለ ዘይተሳነ የ፡ ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ሒዙ ናብ ሰሜን ሸዋ ወፅአ። ኣይኰነሉን ግን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ብወተሃደራት ደርጊ ተታሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተረሺኑ።

ድርኺት ቃልሲ መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩ ኣብ “ተራሮች ያንቀጠቀጠ ትውልድ” ዘርእስቱ ብርክት ዝበሉ ቅጽታት ዘለዎ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ይርከብ።

ተራ ተምሃሮ-ዩኒቨርሲቲ ኣብ ሕብረተሰብ

ኣብ ልዕሊ ኣካደምያዊ ትምህርቶም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ማሕበረ-ሰባዊ ኣገልግሎት (ንመሃይምነት ምምካት ዘኣመሰሉ)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት (ቅድሚ ደርጊ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ) - ይነጥፉ ነይሮም። ኰይኑ ድማ ብኣድላይነት ለውጢ ንሓፋሽ ክምህሩ ጀመሩ፡ ኣእምሮ መንእሰያት ከኣ ክሰልቡ ከኣሉ።

ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ መወዳእታ 60’ታትን ፈለማ 70’ታትን ተምሃሮ ኣብ ናይ ሓደ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ይግደዱ ነይሮም። እቲ ዕድል ከኣ ተጠቕምሉ፣ ምምሃር ጥራይ ዘይኰነ ምስጢር መንግስቲ ንኸቃልዑ’ውን ድሕር ኣይበሉን፤ ንኣብነት ከም ኣብ ወሎን ትግራይን ዝነበረ ጥምየት።

ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ (ምስ መምህራኖም ሓቢሮም) ንመደብ ወፍሪ ዘተኣታተወ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ንሰውራ ኢትዮጵያ መንገዲ ብምርብራብ ወሳኒ ተራ ዝተጻወተ ኣካል ምንባሩ፡ ብሓጺሩ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምንጪ ለውጢ ከም ዝነበረ ክርሳዕ ዘይብሉ ሓቂ’ዩ።

መጽሓፍ
መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራዊ ጸሓፊ ወልደየሱስ ዓማር፡ ኣብ ‘ተመሃሮ ኣብ ቃልሲ 1955-1975’ ዘርእስታ መጽሓፉ ብዛዕባ ጠለፋ ነፈርቲ ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።

ቃልሲ ብጠለፋ ነፈርቲ

“ኣብ ውሽጢ 1969-72 እተኻየደ ጭውያ ነፈርቲ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሓ ቃልሲ ህዝቢ ከም ዝነበረ ንገለ ክፋላት ዓለም ከፍለጥ ካብ ዘኽኣለ ፍጻመታት ምንባሩ ኣይከሓድን። ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ሜላ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሓርበኛ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ነይሩ” ክብል ወልደየሱስ ዓማር ነቲ ዝነበረ ኵነታት የቕርቦ።

እቲ ሜላ ቃልሲ (ጭውያ ነፈርቲ) ካብ ፍልስጠማውያን ዝተቐድሐ ስልቲ ምንባሩ ብምጥቃስ ከመይ ኢሉ ናብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ከም ዝለሐመ ክገልጽ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፤

“ጠለፋ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብመራሕቲ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ከም በዓል ብርሃነ-መስቀል ረዳ፣ ዋልልኝ መኰነን፣ ምስ ኤርትራውያን ብጾቶም በዓል ኣማኑኤል ዮውሃንስ፣ ማርታ መብራህቱ ከምኡ’ውን ካልኦት ብምትሕብባር እዩ ተኻዪዱ። በቶም ስርሒታት ኣቢሎም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብትብዓት መከቱ፤ ንመንእሰያት ብምንቕቓሕ ከኣ ልባቶም ክሰልቡዎም ክኢሎም።

ሓመድ ዓሊ ኣፍዓሮራ (ብጸጋም)፡ መሓመድ ዩሱፍ ሳይቕ (ብየማን)፡ ኣብ ማእከል ድማ ሳልሕ ሳበ
መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ጠለፋ ነፋሪት ET707 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተሳተፉ - መሓመድ ዓሊ ኣፍዓሮራ (ብጸጋም)፡ መሓመድ ዩሱፍ ሳይቕ (ብየማን)፡ ኣብ ማእከል ድማ ሳልሕ ሳበ - ወዳቢ ስርሒት

ነቲ ብ 11 መጋቢት 1969 ዝተኻየደ ጠለፋ ነፋሪት ET707 ኣብ ፍራንክፈርት ዝወደበ ሳልሕ ሳበ ኰይኑ ተሳተፍቱ ድማ መሓመድ ዓሊ ኣፍዓሮራ፡ መሓመድ ዩሱፍ ሳይቕን ነበሩ። እቶም ጠለፍቲ ነታ ነፋሪት ኣዕንዮም ከምልጡ ኸኣሉ።

እታ ድሕሪ ስርሒት ፍራንክፈርት ዝሰዓበት ናይ ጠለፋ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ካራቺ’ያ ተፈጺማ። ብ18 ሰነ 1969፣ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ፡ ፍስሃ ኣብርሃ ፍካክን መሓመድ ኢድሪስ ጥሉልን ኣብ ፓኪስታን ከተማ ካራቺ ዝዓለበት ቦይንግ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘጻወዱላ ቦምባ ተሓምሸሸት።

መንገደኛታት ከይተጐድኡ ነታ ነፋሪት ኣዕንዮም ድማ እቶም ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኢዶም ንፖሊስ ፓኪስታን ሃቡ። ንነዊሕ ዓመታት ክእሰሩ’ኳ እንተተፈርዱ ንጡፋት ጠበቓታት ረኺቦም ድሕሪ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተለቀቑ፣ ናብ ተ.ሓ.ኤ ኸኣ ተጸንበሩ።

ብ1969 ጠለፋታት ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመሉ ዓመት ነይሩ። እቲ ብስርሒት ጠለፋ ኣዲስ ኣበባ-ዓደን ዝፍለጥ፡ ጕዳይ ኤርትራ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ንክፈልጡዎ ዝተፈጸመ ስርሒት ነይሩ። እቲ ስርሒት ዕላማኡ’ኳ እንተወቕዐ እቶም ጠለፍቲ ግን ብናይ ጸጥታ ኣካላት ተወጊኦም ኣብ ዓደን ተታሕዙ።

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ብድሕሪ ስርሒት ዓደን ስርሒት ማድሪድ (እስጳኛ) ኣርከበ- 13 መስከረም 1969። እቲ ኣብ ልዕሊ ET720 ዝተፈነወ ስርሒት ግን ፈሸለ፤ እቶም ክልተ ኤርትራውያን ፊዳኢን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብታ ነፋሪት ተቐትሉ፤ እቲ ሳልሳዮም ከኣ ተኣስረ።

ወልደየሱስ ዓማር ኣብ መጽሓፉ ከም ዘስፈሮ፡ በቲ ዘመን’ቲ (1969) ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ተምሃሮ ሓቢሮም ነፈርቲ ይጠልፉ ነይሮም። ንኣብነት ብነሓሰ 1969 ኣማኑኤል ገብረየሱስ ዝተባህለ ኤርትራዊ ተምሃራይ ምስ ብርሃነ-መስቀል ረዳን ብጾቶምን (ኣብ ምምስራት ኢ.ፒ.ኣር.ፒ. ተራ ዝነበሮም ተምሃሮ) ኰይኖም ነፋሪት ብምጥላፍ ንሊብያ፡ ካብኡ ድማ ንኣልጀርያ ክጐዓዙ ከኣሉ።

ብ23 ጥሪ 1971 በዓል ሙሴ ተስፋሚካኤል፣ ኣማኑኤል ዮውሃንስ፣ ዮውሃንስ ስባህቱ፣ ደበሳይ ገብረስላሴ ዝርከቡዎም ኤርትራው,ያን ተቓለስቲ (ኵሎም ተምሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ) ካብ ባህርዳር ንጐንደር ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ጠሊፎም ንሊብያ ከም ዝተጓዕዙ ተመዝጊቡ ንረኽቦ።

እቲ ዘገርም ኣማኑኤል ዮውሃንስ (ሓዉ ንዘምህረት ዮውሃንስ ምዃኑ’ዩ - ሓላፊ ክፍሊ ስነዳን ምርምርን ህግደፍ) ንኣዲስ ኣበባ ብሕቡእ ተመሊሱ ካልኣይ ናይ ጠለፋ ስርሒት ከበግስ ምኽኣሉ’ዩ።

እቲ ኣማኑኤል ዘበገሶ ጠለፋ ምስ በዓል ዋልልኝ መኰነን፣ ማርታ መብራህቱ፣ ጌታቸው ሃብተ፣ ዮውሃንስ ፍቓዱ፣ ተስፋየ ቢረጋ፣ ታደለች ኪዳነማርያም ኰይኑ ብዕለት 8 ታሕሳስ 1972 እዩ ተፈጺሙ።

እታ ነፋሪት ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ፡ ብኣስመራ ኣቢላ ንፓሪስ ትበርር ዝነበረት ኰይና እቲ ጠለፋ ግን ኣይተዓወተን፤ ኵሎም (ብዘይካ ታደለች ኪዳነማርያም) ኣብ ሰማይ ምስ ወተሃደራት ጸጥታ-በረራ እናተታዀሱ ሞቱ። ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ዝተፈንጀረ ቦምባ ነታ ነፋሪት ኣብ ድሕሪት ብጐድና’ኳ እንተቐደዳ እቲ ፓይለት ግን ነታ ነፋሪት ከዕልባ ኸኣለ።

ብድሕሪ’ቲ ዅሉ ቃልሲ ተምሃሮን ጠለፋ ነፈርትን ኣብ ኤርትራ መልክዕ ብረታዊ ቃልሲ እናተለወጠ ኸደ። ብረታዊ ቃልሲ ዋላ’ኳ እንተሓየለ ንሓድሕድካ ምፍጣጥን ምግርጫውን ሰዓበ። እቲ ቃልሲ ናብ ውግእ ሓድሕድ ገጹ ከደ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ናዕብታት ብምቕጻል ሰውራ ኢትዮጵያ ኣርከበ፤ ንመንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝገልበጠ፡ እንተዀነ ደርጊ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝደረኸ ምንቅስቓስ እዩ።