ኤርትራ፡ 'ኣቦይ ብሰንኪ'ዚ ሓድሽ መምርሒ መገሻ ንቈጸራ ሕክምና ተኸልኪሉ'

ቅድሚ ሕጂ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ከምኡ ዝኣመለሰ መረረን ቅሬታን ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። ሓደ ካልእ ኣብ ኡጋንዳ ዝምርዖ ዝነበረ መንእሰይ፡ 70 ዓመቱ ንኽመልእ ሒደት ኣዋርሕ ዝተረፎ ገዲም ተጋዳላይ ወላዲኡ ኣብ መርዓኡ ተሳቲፉ በጺሑ ንኽምለስ ሓቲቱ ስለ ዝተነጽገ ኣዝዩ ከም ዝጐሃየ ይገልጽ።

ካልእ ስማ ክዕቀበላ ዝሓተተት፡ ኣብ ኤውሮጳ እትነብር ኤርትራዊት፡ ጥዕና ንዝሰኣነ ወላዲኣ ኣብ ወጻኢ ሕክምናዊ ረድኤት ክትገብረሉ ዝከኣላ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ወላዲኣ ዋላ እውን ብጉዳይ ጥዕና ይዅን ፍቓድ መገሻ ስለ ዘይረኸበ ኣዝያ ከም ዝሓዘነት ንቢቢሲ ገሊጻ።

ካልእ፡ ወላዲኣ ኣብ ጐረቤት ሃገር ንዝነበሮ ሕክምናዊ ቈጸራ ክከታተል ፍቓድ ሓቲቱ ዝተኸልከለ፡ ንድሕነት ወላዲኣን ስድራኣን ስማ ክትዕቅብ ዝመረጸት ሰብ እውን ብጥዕና ወላዲኣ ከም እትሻቐል ተዛሪባ።

እታ "ኣቦይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኸይረክብ በዚ ሓድሽ ናይ መገሻ መምርሒ ተኸልኪሉ፡" ዝበለት ኣብ ወጻኢ ሃገር እትነብር ኤርትራዊት፡ ንሕክምና ኣቦኣ ብዙሕ ገንዘብ ከተውጽእ ከም ዝጸንሐት ብምግላጽ፡ ወላዲኣ፡ ክሳብ ቈጸራኡ ዝኣክል ንኤርትራ ምስ ተመልሰ ዳግማይ ክወጽእ ብዘይምኽኣሉ ጭንቀት ከም ዘስዓበላ ሓቢራ።

ወላዲኣ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሕዱር ሕማም፡ ንዝሓሸ ሕክምናን መድሃኒትን ካብ ኤርትራ ወጺኡ፡ ኣብ ጐረቤት ሃገር ሕክምና እናተገብረሉ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝተቐመጠ፡ ዳሕራይ ግን ጥዕናኡ ብመጠኑ ስለ ዝተመሓየሸ፡ ክሳብ ዳግማይ ቈጸራኡ ዝኣክል ስድራ ቤት ርእዩ ክምለስ ቅድሚ ሰለስተ - ኣርባዕተ ወርሒ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሰ ትገልጽ።

እንተዀነ፡ ኣብዚ ቅንያት ንዝነበሮ ካልኣይ ቈጸራ ብሰንኪ እቲ ትሕቲ 70 ዓመት ከይወጽኡ ዝብል ሓድሽ መምርሒ መገሻ ክወጽእ ከም ዘይተፈቕደሉ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እዚ ቀይዲ መገሻታት ይዅን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝተገብረ ወተሃደራዊ መምርሒታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና እናሓርፈፈ ኣብ ዝኸደሉ፡ ብፍላይ ብወገን ኢትዮጵያ ንኣፍደገ-ባሕሪ ኣመልኪቱ ተደጋጋሚ ሃቐነን ምትዅታዅን ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን ብምምጽኡ፡ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቕሎትን ስክፍታን ከም ዝፈጠረ ክዝረብ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዳግማይ ምጅማር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝነበረ ሃዋሁ

ምንጪ ስእሊ,Reuters

መግለጺ ስእሊ,ኣብ ዳግማይ ምጅማር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝነበረ ሃዋሁ

ምንጭታት ቢቢሲ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ባይታ ብዙሕ ዝተጋነነ ለውጥን ስክፍታን ሻቕሎትን ዘመልክት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እኳ እንተ ዘየሎ፡ እቲ ንመገሻታት ዝድርት መምርሒታት ግን ከም ቀደሙ ጸኒዑ ከም ዘሎ ገሊጾም።

እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ "ብውሑዱ ኣብቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ ርኡይ ለውጢ" ከም ዘየሎ፡ ህዝቢ "ይሕመቕ ይጸብቕ፡ በቲ ዝጸንሖን ዝለመዶን ኵነታት ናብራኡ ይመርሕ ኣሎ፡" ብምባል፡ እዚ ግን፡ ኣብ ቍጠባ መነባብሮ፡ ዕድላት ስራሕ ይዅን ካልእ ምዕባለታት ለውጢ ኣሎ ማለት ኣይኰነን - "ናብራ ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ፡" ይብሉ።

ካልእ፡ ኣብ ሱዳን ንዓመታት ክነብር ጸኒሑ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዝተባርዐ ኲናት ሓድሕድ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብ ኬንያ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብሓደ ህጹጽ ጉዳይ ስድራቤት ንኤርትራ ክኸይድ ድላይ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብስድራኡን ፈተውቱን፡ ተመሊሰካ ክትወጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ ዝብል መጠንቀቕታ ስለ ዝተዋህቦ ከም ዝተጨነቐ ይሕብር።

ንሱ፡ ካብ ሱዳን ናብ ኬንያ ኣትዩ ብዘይ ቀዋሚ መንበሪ ወረቐት ክነብር እኳ እንተ ጸንሐ ትሕቲ 70 ዓመት ስለ ዝዀነን ናብ ኤርትራ ኣቲኻ ምውጻእ ክተኣማምኖ ከም ዘይከኣለን የረድእ።

"ኬድካ እንታይ ከም ዝጸንሓካ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ ምውጻእ እንተ ከሊኦምኒ እቲ ኣብዚ ዓዲ ዝጀመርኩዎ ተስፋ ሂቡ ዘሎ ዋኒን ፋሕ-ፋሕ ክብለኒ እዩ፡" ብምባል፡ ኣብ ኤርትራ ንዘለዉ ኣዝማዱ ሓቲቱ'ውን ንጹርን ዘተኣማምንን ሓበሬታ ክረክብ ከም ዘይከኣለ እዩ ዝገልጽ።

ኣሽሓት መንእሰያት ካብታ ሃገር ንምውጻእን ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንምብጻሕን ሓደገኛ ጕዕዞ የካይዱ

ምንጪ ስእሊ,Getty Images

መግለጺ ስእሊ,ኣሽሓት መንእሰያት ካብታ ሃገር ንምውጻእን ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ንምብጻሕን ሓደገኛ ጕዕዞ የካይዱ

እቲ ምስ መገሻ ዝተኣሳሰር መምርሒታት ኤርትራ ብመልክዕ ኣዋጅ ዝወጽአን ንጹርን ከም ዘይኰነ፡ ብዙሓት ከማርሩሉ ዝስማዕ ጉዳይ እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዝወጽአ፡ ንመገሻታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" መንግስቲ ንኣብነት፡ ንዅለን ምምሕዳራት ዞባ ብዝሃቦ መምርሒ ኣብ ተግባር ይውዕል ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።

እቲ ንትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብ ሃገር ክወጽኡ ዘድልዮም ቅድመ-ኵነት ብምኽራር፡ ጥዩሳት ዝነበሩ ትሕቲ 60 ዝዕድመኦም ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሰራዊት መሰነይታ ደብዳበ ከምጽኡ ከም ዘገድድ ተገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ገሊኡ መምርሒታት ዝነበረ ምዃኑ ዝገልጹ ምንጭታት፡ ኣብዚ እዋን ግን ኣዝዩ ጸኒዑ ከም ዘሎ እዮም ዝሕብሩ።

ኤርትራ፡ ካብተን ሒደት ንዜጋታተን መውጽኢ ፍቓድ 'ኤግዚት ቪዛ' ዝሓታ ሃገራት ሓንቲ እያ። እቲ በብግዜኡ ዝወጽእን ዝቀያየርን ሕጋጋት ድማ ብመልክዕ እዋጅ ዘይኰነስ፡ ከም ውሽጣዊ መምርሒታት እዩ ዝዝርጋሕ። እቲ ዝበዝሕ ዝርዝራት ድማ ዜጋታት ንመገሻ ኣብ ዝሓትሉ እዋን፡ ናብ ዝምልከቶ ኣብያተ ጽሕፈት ቀሪቦም 'ከማልኡዎ ዝግባእ ረቛሒ' ተባሂሉ ኣብ ዝንገሮም እዋን ጥራሕ እዮም ዝፈልጡዎ።

ዝዀነ ጉዳይ ሃልዩካ፡ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራትን ኢምግረይሽንን ምስ ቀረብካ፡ ሽዑ እዩ እንታይ ክትገብር ከም ዝግበኣካ ዝንገረካ። ኣብኡ እውን ንዅሉ ሓደን ማዕረን ንጹር ሕጊን መምርሕን ዘይምዃኑ ከኣ እዮም ብዙሓት ዜጋታት ከማርሩ ዝስምዑ።

እቲ በብእዋኑ ዝቀያየር መምርሒታት ኣቐዲምካ መደብ ክትገብር ስለ ዘይሕግዝ ንመገሻታት ዘይምቹእን ኣጸጋምን ከም ዝገብሮ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ይገልጹ።

እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ክሊ እዚ ደረታት ዘለዎ ዕድመ ዝርከቡ፡ ካብ ሃገር ገይሾም ዘይፈልጡ ዜጋታት፡ ኣብ ቀዳማይ መገሻኦም ተሸቝሪሮም ከም ዝወጽኡ እዮም ዝገልጹ።

"እንታይ ይብሉኒ ይዀኑ እናበልካ፡ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ቸክ-ኢን ትገብርን ጸጥታ ኢምግረይሽን ሕለፍ ኢሎም ፓስፖርትኻ ዝህቡኻ ኣይትቐስንን ኢኻ፡" ትብል - እታ ንኣቦኣ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ክትረክብ ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ጐረቤት ኤርትራ ናብ ዝዀነት ዓዲ ዝገሸት ኤርትራዊት።

"እቲ ዝኸፍአ፡ እንታይ ኣሎ፣ እንታይ ለውጢ ተገይሩ ዘይፍለጥ ምዃኑ እዩ፡" ብኸምዚ ሃንደበት ጕዕዞም ዝተሰረዘን ካብ ዝሓሰቡዎ ዝተረፉን ኤርትራውያን ከም ዘለዉ እውን ትዛረብ።

ንሳ ንባዕላ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጺማ፡ ተመርዕያን ሓዳር ገይራን ከተብቅዕ፡ ክልተ ቈልዑ ሒዛ ናብ ብዓልቤታ ክትጽንበር ዘሕለፈቶ ከልበትበት ቀሊል ዘይምንባሩ ትዝክር።

ንደቀንስትዮ ዝምልከት መምርሒታት ፍቓድ መገሻ ብፍላይ፡ "ምስ ሃገራዊ ግቡእ ምፍጻም፡ ዕድመ፡ ኵነታት ሓዳር፡ ቈልዑ - ምስ ቈልዑ ክትገይሽ ምስ እትደሊ ድማ ዕድመ ቈልዑ፡ መጕዚትነት [ብሕጊ ሰብኣይን ሰበይትን ብማዕረ መሰል'ኳ እንተ'ለዎም] ፍቓድ ብዓልቤት - ብዓልቤት ኣብ ወጻኢ እንተ'ልዩ ድማ፡ ህላውነት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይቲ ዝነብረሉ ዓዲን ምስኡ ዝተኣሳሰር 'ግቡኣትን' ..." ዝኣመሰሉ ብዙሕ ዝርዝራት ዘለዎ ረቛሒታት ከም ዝሕተት ይፍለጥ።

እዞም መርሒታት በብግዚኡ መጠናዊ ምምዕርራይ እናተገብረሎም፡ ምስ ዝተፈላለየ ኵነታት - ንኣብነት ኲናትን ሃዋሁ ኲናትን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ዝኣመሰሉ ኵነታት - ዜጋታት ከሸግሩ ከም ዝጸንሑን ይፍለጥ።

በዚ ይዅን በቲ ግን እቲ ዝወጽእ መምርሒታት መገሻ፡ ዜጋታት ብናጽነትን ብምቹእነትን ቀሲኖም ካብን ናብን ሃገሮም ክኣትዉን ክወጽኡን ዘኽእል ኣይኰነን።

ብሰንኪ'ዚ ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ስግረ-ዶብ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከም ዝሰሰነ፡ ብፍላይ ኣደ ቈልዑ ደቀን ሒዘን ክሰግራ ዝፍትናን ኣብ ብዙሕ ጸገማት ዝወድቃን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት ምዃነን ክንገር ዝጸንሐ ዛንታታት ኤርትራውያን እዩ።

ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ እውን 'ስግኣትን ስንባደን ዝፈጠረ ወተሃደራዊ መምርሒታት' ብዝብል ኣርእስቲ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።