ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ዝብድሆም ዘሎ ስእነት ስራሕ እንታይ ይመስል?

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ከም መሰጋገሪ ዝረግጹወን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም መብዛሕትኦም ናብ ሳልሳይ ሃገር እዮም ዘቋምቱ።

ገለኦም ብሰሃራን ባሕርን ኣቢሎም ህይወቶም ኣትሒዞም ብኽንደይ መከራታት ኣውሮጳ ይኣትዉ፤ ገለ’ውን ብዝተፈላለየ ሜላታት ደላሎን ኣሰጋገርትን ናብራና ክንቅይረለን ንኽእል ኢና ናብ ዝበሉወን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ የቕንዑ።

ኣብዚ እዋን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ዝኸዱዋ ዘለዉ ሃገር ግን ካናዳ ምዃና ይንገር።

ካናዳ ንምእታው ዝሓቶ ገንዘብን እቲ ደረቱ ዘይፍለጥ ሰንፈላል ዝበዝሖ ግዜ ትጽቢትን ግን ቀሊል ኣይኰነን።

እቶም ስደተኛታት ኣብተን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም ቅጥዒ ስደተኛታት ይመልኡ። መብዛሕትኦም ከኣ፡ ኣብቲ ሃገረ ካናዳ ዘዋደደቶ፡ ብ ‘ጉሩፕ- 5’ ዝፍለጥ መደብ ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታት ይምዝገቡ።

እዚ መስርሕ ድማ፡ ብትካላት ሃይማኖትን ማሕበራትን ወይ’ውን ብውልቀሰባት ብጕጅለ ኰይኖም ብዘማልእዎ ቅጥዒን ግቡኣትን እዩ ዝፍጸም።

እታ ሃገር ስደተኛታት ብሕጋዊ መገዲ ንምጥያስ ዝዓለመ ዝተፈላለየ መደባት ኣለዋ። ነቶም ዓለማውን ሃገራውን መለክዒታት ዘማልኡ ሓተትቲ ዑቕባ ከኣ፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ብምሃብ ብሕጋዊ መገዲ ንካናዳ ክኣትው ዕድላት ትኸፍተሎም።

ናብታ ሃገር ምስ ኣተው፡ ሕጋዊ ውሕስነት፡ ጥዕናን ትምህርትን ዘጠቓልል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምሃብ ምስቲ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ደገፋት ስልጠና ቋንቋን መነባብሮ ከምዝረኽቡ ይንገር።

እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም ከምዘለው ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም።

ትጽቢትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ክውንነትን

ካናዳ

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንካናዳ ቅድሚ ምእታዎም መብዛሕትኦም፡ ኣብተን ዝጸንሑለን ሃገራት ኰይኖም ብሓገዝ ስድራ ቤቶም ብሓዋላ ክናበሩ ዝነበሩ እዮም።

እቲ ዝረኽቡዎ ገንዘብ ከኣ፡ ካብ ኢዶም ናብ ኣፎም ስለዘይሓልፍ፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ኣብተን ብኤርትራውያን ዝውነና ትካላት ብትሑት መሃያ እናሰርሑ፡ ብትምህርቲ ከይሰጐሙን ብሞያ ከይሰልጠኑን እዮም ናብ ካናዳ ዝኣትው።

እቶም ሰብ ሓዳርን ቘልዑን ከኣ ዝገደደ። ብሰንኪ ገንዘባዊ ሕጽረታት ንገዛእ ርእሶም ይዅን ንደቈም ስለ ዘየምህሩ፣ ከምኡ ኢሎም እዮም ካናዳ ዝኣትዉ።

እቶም ቋንቋ ተማሂሮም ንጽባሕ ዘስርሖም ሞያ ሒዞም ወይ ኣማዕቢሎም ዝኣትው ውሑዳት እዮም።

ገለ ምሁራት እውን ኣብ ዓዶም ይኹን ኣብተን ተሰዲዶም ዝነብሩወን ዝነበሩ ሃገራት በቲ ዝተማህርሉ ዓውዲ ክሰርሑ ጸኒሖም ንካናዳ ምስ ኣተዉ፡ እቲ ትምህርትን ሰነዳት ትምህርትን ምስቲ ናይታ ሃገር ዘይሳነ ይኸውን እሞ ንሳቶም’ውን ክጽገሙ ይረኣዩ።

እቲ ዝህሉ ኣማራጺ ከኣ ንድሕሪት ተመሊስካ ከም ሓድሽ ስራሕ ክትረኽበሉ ትኽእል ዓውዲ ምምሃር ይኸውን ወይ’ን ነቲ ዝጸንሓካ ትምህርቲን ልምድን ምምሓሽ ግድን ይኸውን።

ኣብ መብዛሕትኡ ግን ቍጠባዊ ኵነታት ስለዘይፈቅድ ቀልጢፍካ ናብ ስራሕ ምድላይ ይኸውን፤ መብዛሕትኡ ተቐሪቡ ዝጸንሕ ድማ ብጉልበት ዝስራሕ ሽቕለት ይኸውን። እዚ ድማ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጽን ካልእ ክሳራታትን የስዕብ።

'ካናዳ ኣቲኻ ናብራ ትቕይር'ዩ ዝመስለካ'

መግቢ ሓገዝ ዝግበረሎም ዘለው

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቶም ‘ካናዳ ምስ ኣተና፡ ካብ ተጸባይነት ሓራ ወጺእና፡ ንባዕልና ኴንና ንስድራና ክንሕግዝ’ ብዝብል መንፈስ ካብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ካናዳ ዝኣተው ሰባት እንታይ ይብሉ?

ዝተፈላለየ ጸብጸባት ከምዝገልጽዎ ገለ ካብቶም ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢትን ሃንቀውታን ንካናዳ ዝኣተው ስደተኛታት ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት ባህላዊ ነውጽን ኣደዳ ወልፊን ጭንቀትን ዝዀኑ ውሑዳት ኣይኰኑን።

ገሊኦም እውን ነብሶም ዘጥፉኡን ሰባት ዝቐትሉን እውን ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ኤርትራውያን፡ ኣብ ካናዳ ንኤርትራውያን ዝሓቁፍ ድልዱል ማሕበረኮም ስለዘይጸንሖም ከምቲ ትጽቢት ዝገበርሉ ዝድለ ሓገዛት ከምዘይረኸቡ ይገልጹ።

እቲ ዝርካቡ ናይ ኮሚዩኒቲ ናይ ቋንቋን ሓገዛት ንኣለሻ ስራሕን ኮቪድ ብዘስዓቦ ዕጽዋ ተዳኺሙ ከምዝጸንሖም ነባሪ ካናዳ ናትናኤል በረኸት ይገልጽ።

ስደተኛታት ስራሕ ክሰእኑ ሓድሽ እኳ እንተዘይኰነ፡ ብዓቢኡ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስደተኛታት ናይ ምምጻእ ፖሊሲኡ ስደተኛታት ብሞያኦም ክሰርሑን ክልወጡን ከምኡ’ውን ብፍልጠቶም ክዓብዩን ብምባል እዩ ዝገብሮ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ዝገልጽ ናትናኤል፡ “ንኣብነት ሓኪም፡ መምህር፡ ጋዜጠኛ ወይ ‘ውን ዝዀነ ምሁር ኣካል ኴንካ’ውን ናብዚ ዓዲ ምስ ትመጽእ ናይ ካናዳ ወረቓቕትን ናይ ካናዳ ተመኵሮን የብልካን እዮም ዝብሉኻ። ብሓጺሩ ከም ብሓድሽ ተምሃር እዮም ዝብሉኻ” ብምባል ብዙሓት ምሁራን ኣካላት እቲ ፖሊሲ ከምዘሸግሮምን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝግደዱን የብርህ።

ነዚ ንምምላእ ናብ ዝዀነ ኮለጅ ክትኣቱ እታ ናይ ካልኣይ ደረጃ መዛዘሚ ወረቐት ከተምጸእ ስለእትሕተት ድማ መማህርቱ ዝነበሩ ሰባት ክሳብ ናብ ናይ ማእከላይ ደረጃ ብምምላስ ዝተማህሩ ከምዘለዉ ይጠቅስ።

ብሓፈሻ እውን ሕብረተሰብና ኣብ ቴክኖሎጂን ቋንቋን ጸገም ስለዘሎዎ፡ ናብ ካናዳ ኣብ ዝኣትወሉ ከምዘሸግሮን ናትናኤል ይገልጽ።

እዚ ወቕቲ ድማ ንኣብነት ክረምቲ ብምዃኑ፡ ኣብ ካናዳ እቶም ወቕታውያን ዝብሃሉ ስራሓት ከም ህንጻ፡ መጓዓዝያ፡ ዝተፈላለያ ትካላትን ሰራሕትኛ ይጽልጽላ እየን ኢሉ ነቲ ኵነታት የረድእ።

እዚ ድማ ምስቲ ዘሎ ኵነታት ቁሪን በረድን ኣብ ደገ ኴንካ ክትሰርሕ ከቢድ ስለዝዀነ እውን ሬስቶራንት ኬድካ ክትበልዕ ይዅን ክትዘናጋዕ ስለዝኸብድ።

እቶም ኣብዚ ወቕቲ ዝመጹ ዘለዉ ሓደስቲ ድማ ስራሕ ክረኽቡ ዝያዳ ከምዝሽገሩ ናትናኤል ወሲኹ የብርህ።

እቲ መንግስቲ እውን ኣብቲ እቶም ደቂ ዓዲን ኣቡኡ ተወሊዶም ዝዓበዩን ክሰርሕዎ ዘይክእልሉ ማለት ካብ ወርሓዊ ወጻኢታትካ ‘ቢላት’ መኽፈሊ ዘይሓልፍ እቶት ዘለዎ ናይ ጉልበት ስራሕ ክትሰርሕ ጥራይ ከምዝደሊ ንውልቃዊ ተመኵሮኡ ምርኩስ ብምግባር ይገልጽ።

ንሱ ፈለማ ካናዳ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ሞያ ምምህርናን ጋዜጠኛነትን እኳ እንተነበሮ ኣብኡ ግን ወይ ከም ብሓድሽ ተማሂሩ ሰነዳትን ተመኵሮን ካናዳ ከጥሪ ወይ ድማ ኣብቲ (survival jobs) ዝበሃሉ ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሕ ጥራይ ምዃኑ እዩ ተነጊርዎ።

ብተወሳኺ’ውን ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ጸለምትን ስደተኛትታትን ዘሎ ዓሌታውነት ብዙሓት ስደተኛታት ኣስማቶም ናብ ናይቲ ዓዲ ልሙድ ኣስማት ከምዝቕይሩ ይዛረብ።

እዚ ድማ ናብ ዝዀነ ስራሕ ምስ እተመልክት ስምካ ናይ ጸዓዱ ኰይኑ ምስ ዝጸንሕ፡ ናብ ናይ ምምማይ ቃለ መሕትት ክትጽዋዕ ዘሎ ተኽእሎ ዝሓሸ እዩ። ኣብቲ ደረጃ እንተብጺሕካ ድማ ከተእምን ተኽእሎ ኣሎ።

“ስምካ ናይ ጸለምቲ እንተዀይኑ ግና ዳርጋ ዝጽውዓካ የለን።”

ሓያለ ስደተኛትት ‘ፕሮሰሶም’ ተዛዚሙ ክነሱ ብሰንኪ ኮቪድ ተዓጽዮም እዮም ጸኒሖም።

ድሕሪ ኮቪድ ግን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ምስ ምምጾኦም፡ እቲ ዘሎ ዕዳጋታት ስራሕ ትሕቲ እቲ ዘሎ ጠለብ ብምዃኑ ሓደ ካብቲ ጠንቂ ስእነት ምዃኑ ናትናኤል የረድእ።

ብተመሳሳሊ ናብ ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተወት ኣደ ሰለስተ ውሉዳት ኬማ በሽር እውን፡ እቲ ጠንቂ ብሓፈሻ ምድኻም ናይቲ ቍጠባን ብዝሒ ስደተኛን ምዃኑ ትሕብር።

“ካናዳ ኣቲኺ ስራሕ ሒዝኪ ናብራኺ ትቕይሪ ንስድራኺ ትሕግዚ’ዩ ዝመስለኪ፤ ኣብ ባይታ ግን ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን። እትው ምስ በሉ ስራሕ ምስ ሰኣኑ ገለ ምስ መቕርብ ገለ ምስ መሓዙቶም ተጸጊዖም ይጸንሑ። ግን ዝዀነ ሰብ ንነዊሕ ከጸጋዓካ ኣይክእልን እዩ። ሽዑ እቲ ዝተጸበዩዎ ምስ ሰኣንዎ ኣደዳ ጭንቀት ብምዃን ገሊኦም ነዚ ድየ መጺኤ ብዝብል ብስጭትን ተስፋ ምቑራጽን ክሳብ ሂወቶም ዘጥፉኡን ኣለዉ” ብምባል ነቲ ዘሎ ኵነታት ተብርህ።

“ዝበዝሑ እቶም ብ ጉሩፕ 5 ዝመጽኡ ሰባት ዓመት ክሳብ ዝገብሩ ካብ መንግስቲ ዝዀነ ሓገዝ ክሓቱ ስለዘይክእሉ፡ ስራሕ ረኺቦም ባዕሎም ርእሶም እንተዘይክኢሎም ወይ ድማ እቲ ስፖንሰር ዝገበሮም ኣካል ክሳብ ዝደላደሉ እንተዘይሓጊዝዎም ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ፡ ኬማ ትገልጽ።

“ዝበዝሑ ክሳብ 6 ወይ 7ወርሒ ስራሕ ኣይረኽቡን እዮም። ክትሰርሕ እንተዘይክኢልካ ድማ ብሓጺሩ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ብምባል ክሳብ ሕጂ ዝተፈላለየ ስራሕ ኣመልኪታ ግን ስራሕ ከምዘይረኸበት ትገልጽ።

“ብዙሓት ቅድመይ ዝመጹ እውን ከምዚ ናተይ ስራሕ ኣብ ምድላይ እዮም ዝርከቡ ግን እቲ ዕድል ጸቢብ እዩ” ብምባል ነቲ ዘሎ ክብደት ተረድእ።

ሓገዝ ዝገብሩ ትካላት ከ?

ገዛ ክራይ ዝኸበሮም

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

እቲ ዝዓበየ ፍታሕ ክህብን ሓገዛት ከበርክትን ዝኽእል ናትካ ዝዀነ ማሕበረኮም ክህልወካ’ኳ መሰረታዊ እንተዀነ፡ ምስቲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ግን ዳርጋ ከምዘየለን ኣድማዒ ከምዘይኰነን እዮም ዝዛረቡ።

ኣብያተ ክርስትያናት ይዅኑ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኤርትራውያን’ኳ እንተሃለዉ፡ነቲ ስርዓተ-ኣሰራርሓ ናይቲ ዓዲ ወይ ሲስተም ከመይ ትፈልጦ፤ ናይ ስራሕ መመልከቲ ብኸመይ ተዳሉን ዝብል ሓገዛት እምበር ብቐጥታ ስራሕ ኣብ ምድላይ ብዙሕ ንጡፋት ከምዘይኰና ናትናኤል ይጠቅስ።

“እተን ናይ መንግስቲ ማእከላት ቋንቋ ሓገዛት ናይ ናብራ ምጥጣሕ ኣማኸርትን ሓበሬታታት ይህቡኻን ይሕግዙኻን’ኳ እንተዀኑ፡ ኣነ ግን ክሳብ ክንድቲ ኣድማዒ እዩ ኣይብልን’የ፤ እቲ ናቶም ዓላማ ሰብ ተሓጊዙዶ ኣይተሓገዘን ዝብል ኣይኰነን” ብምባል ናትናኤል፡ ዕላማኦም “ክንድዚ ሓጊዝና፣ ክንድ’ዚ ሓደስቲ ምሂርና ብምባል ዝተጸባበቐ ጸብጻባት ኣቕሪብካ ብኸመይ ዓመታዊ ባጀት ተውሕስ እዩ፡” ብምባል ቀዳምነቶም ኣብቶም ስደተኛታት ለውጢ ከምዘይኰነ ይምጕት።

“ብቕንዕና ግን ኣነ ክሳብ ክንድቲ ኣድማዒ’ዩ ዝብል እምነት የብለይን፤ ስለዚ ኣነ ሕጕስ ኣይኮንኩን፡” ይውስኽ።

ኬማ ብወገና እቲ ኣብቲ እትነብረሉ ከተማ ዘሎ ማእከል ማሕበረኮም እውን ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያት ፋሕ-ፋሕ ከምዝበለ ካብቶም ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ሰባት ከምዝተነግራን፣ ናብታ ሃገር ካብ እትኣቱ ርእያቶም ከምዘይትፈልጥን እያ ትገልጽ።

እዚ ጸገም እዚ መፍትሒኡ ቀሊል’ኳ እንተዘይኰነ፡ መንግስቲ እጃሙ ከበርክትን እዞም ሓደስቲ መጻእቲ ብህድኣትን ብዓቕልን ክሳብ ዝሓልፍ ዝዀነ ይዅን ስራሕ ክሰርሑ፡ ኣብቲ ንሱ ዘይርከበሉ እውን ተስፋ ከይቈርጹ ኣብ ፈጣሪኦም ኣሚኖም ተስፋ ጌሮም ነቲ ዘሎ ባህላዊን ናይ እምነትን ፍልልይ ክብድህዎ ትመክር።

“እቶም ስፖንሰር ጌሮም ዘምጽኡ ኣካላት ድማ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ነቲ ዝኣተውዎ መብጽዓ ክፍጽሙን ኣለዎም” እትብል ኬማ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያና “እቲ ዘሕዝን፡ ጥራይ ይእቶ እቲ ሰብ” እምበር ድሕሪኡ ዝግደስ ብዙሕ ከምዘየለን ትዛረብ።

“እዚ ግን ብመንግስቲ ፍቑድ ኣይኰነን፡” ብምባል ድማ ክሕግዞ እየ ኢልካ ገንዘብካ ኣርኢኻ ኣታዊ ኣለኒ ኢልካ ስፖንሰር ጌርካ ምስ ኣምጻእካዮ ዓመት ክሳብ ዝምሃር ይዅን ክሳብ ስራሕ ዝረክቡ ከይተጨነቐ ክጥሕግዞ ግቡእ ምዃኑ ተገንዝብ።

“ከም መብጽዓና ብውሕዱ ዓመት ዕድል ተሂብናዮም ክምሃርን ለውጢ ክገብር እዩ፡” ብምባል ናትናኤል ምኽሩ ይልግስ።

ኬማ ብወገና ዝኮነ ስፖንሰርሽፕ ጌሩ ናብ ካናዳ ዘእትወካ ሰብ ድዩ ጕጅለ ክሳብ ዓመት ክሕግዘካ ግዴታኡ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዘእትወካ ሰብ ሓውኻ ወይ ሓፍትኻ መቕርብን ዘመድን ስለዝዀነ ግን፡ እንተዘይተሓገዘካ’ውን፡ ኣይተሓገዝኩን ኢሉ ዝኸስስ ኤርትራዊ ከምዘየለ ትዛረብ።

እዚ ድማ ንዝዀነ ይዅን ዓይነት ሓገዝ መንግስቲ ከይትሓትት ስለዝገብር ሓገዝ ትረኽበሉ ኣፍደገ የጽብቦ።

ሓፈሻዊ ክውንነት እታ ሃገር

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቍጠባ ካናዳ 17,300 ሰባት ካብ ስራሕ ክወጽኡ ከምዝገበረን መጠን ስራሕ ኣልቦነት ድማ ናብ 5.8% ከምዝዓበየ ስታቲስቲክስ ካናዳ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ካናዳ ናብ ዓዶም ይመለሱ ከምዘለው ይግለጽ።

ጸብጻት ሮይተርስ ከምዘመልክቶ ካብ 80 ክሳብ 90 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ 2021ን 2022ን ካብ ካናዳ ወጺኦም፤ ወይ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፤ ወይ ድማ ናብ ካልእ ቦታታት ከምዝኸዱ ይሕብር።

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2023 ኣስታት 42 ሽሕ ሰባት ካብ ካናዳ ወጺኦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገራዊ ባንክ ካናዳ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣብቲ ድሮ ጽኑዕ ዝዀነ ቀረብ ኣባይትን ውጥረት ዝመልኦ ስርዓተ ክንክን ጥዕናን ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ካናዳ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ተርኢ ኣላ። እቲ መጠን ኣብ 2023 ብ1.2 ሚልዮን ሰባት ወሰኽ ኣርእዩ፤ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ብሓደስቲ መጻእቲ ዝተመዝገበ እዩ።

እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ደረጃ መነባብሮ ንምዕቃብ ወይ ንምዕባይ፡ እዚ ዕብየት ዓመታዊ ክሳብ 500 ሽሕ ሰባት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ንምትግር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ዝመርሖ ሊበራላዊ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብታ ሃገር ክምሃሩ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ደረት ኣተኣታትዩ፤ እዚ ድማ ቪዛታት ትምህርቲ ብ35 ሚእታዊት ክንክዮ እዩ።

ገለ ሰባት እዚ ለውጢ ፖሊስ፡ ንስሕበት ካናዳ ዝያዳ ክሃሲ ከምዝኽእል እዮም ዝኣምኑ።