ኤርትራ፡ 'ወተሃደራተይ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ የለውን'

ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣለዉ ዝብል ጸብጻባት "ሓሶት" ምዃኑ ኤርትራ ብወግዒ ገሊጻ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኣሎ ዝብል ጠቐነ "ንኤርትራ ግዳይ ንምግባር" ብገለ ወገናት ዝኣተኣመ'ዩ ክብል ከሲሱ።

ሰብመዚ ትግራይን ገለ ወከልቲ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ምሉእ ከባቢታት ትግራይ ጠቕሊሎም ከምዘይወጹ ክኸሱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ "ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ መሊኦም እንትወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ተመሊሶም ስሩዕ ህይወት ምምራሕ እንትኽእሉን፤ ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ እንትትግበር" ብምባል ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕ ተራኦም ክጻወቱ ተማሕጺኑ ነይሩ።

እንተኾነ ግን "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልኡላዊ መሬቱ'ዩ ዘሎ" ክብል እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ'ሎ።

"እዞም ክስታት እዚኣቶም፡ ሓሶት'ዮም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምጥሓስ ንኣስታት ክልተ ዓሰርተ-ዓመታት ጎቢጥዎም ዝጸንሐ ባድመን ካልኦት ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዳግማይ ይግባኣኒ ዝብል ዘየዋጽእ መርገጺ ህወሓት ዝድግፍ'ዩ" ክብል ነቒፉ።

ኣብ ክፍላ ሓምለ 2023 መራሒ ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "“ጉዳይ ዶብ፡ ናይ ኤርትራን ትግራይን ጉዳይ ኣይኰነን። ጉዳይ ዶብ ፈደራል መንግስቲ’ዩ [ዝሕዞ] በዓል ዋና። ግን ኣብ መሬት ትግራይ ስለ ዘለዉ፡ ካብ ትግራይ ክወፅኡ ኣለዎም። ናይ ኣልጀርስ ይዅን ካልእ ሓሳብ ብሓይልኻ ዝተሓዝ ዝዀነ ነገር ክህሉ ኣይክእልን’ዩ - ፈደራል እውን በዚ እዩ ዝኣምን" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኤርትራ ን20 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ብውሳነ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህባ፡ ባድመ ዝርከቦም ከባቢታት ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ከምዝተቖጻጸረቶም ይፍለጥ።

"እንተዘይኮነ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቱ'ምበር፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ህላወ የብሉን" ይብል እቲኤምባሲ።