ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ንጠለብ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቡዎ ግብረመልሲ

እቲ ብትሽዓተ ኤርትራውያን ምሁራት ዝቘመ ሓይሊ ዕማም፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ምጕት፡ ብዓይኒ ታሪኻዊ፡ ጅኦግራፍያዊ፡ ሕጋውን ቍጠባውን ኣረኣእያታት ተንቲኑ።

እቲ ዘቐመጦ መደምደምታ ድማ ነቲ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘቕረቡዎ ትረኻ ዝብድህ ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ጸብጻብ፡ "ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ካልኦት ኢትዮጵያውያን ልሂቃንን፡ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ኣለና ክብሉ ዘቕረቡዎ ምኽንያታት፡ ዘይቅኑዕን ብመርትዖ ዘይድገፍን ምዃን ብዝርዝር ሓተታና ኣረጋጊጹ፡" ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገዳስነት ምህላው ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ታሪኻዊ፡ ጅኦግራፍያዊ፡ ብሄራውን ቍጠባውን ረቛሒታት ዝተመስረተ ምዃኑ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ባሕሪ-ኣልቦ ዝዀና ሃገራት ምስተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ብዝገብርኦ ስምምዕ መሰል ተጠቃምነት ከም ዘለወን ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ የብርህ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ 2023፡ ወደብ ባሕሪ ምህላው ንኢትዮጵያ፡ "ናይ ህላወ ጉዳይ፡" ክብል ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ሃገር ሓይሊ ብምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ክትፍትን ከይትኸውን ስክፍታታት ኣለዓዒሉ እዩ።

ትማሊ ሓሙስ፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ እቲ ሃገሩ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ብዲፕሎምስን ሓባራዊ ረብሓን ክፍታሕ ከም ዝግባእ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ዝገለጸ፡ እተን ንነዊሕ እዋን ኣብ ግጭት ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንዝምድናአን ብዝበኣሰ ከየጋድድ ስክፍታታት ተፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ እዩ።

ሕጋውን ቍጠባውን ጸጥታውን ኣመታት

እቲ በዞም ኤርትራውያን ምሁራት ዝቐረበ ሓተታ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተቘጻጸሮ ረፈረደም ናጽነታ ከም ዝረኸበትን ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ዶባት ከም ከም እትውንን ይገልጽ።

ቀጺሉ፡ እቲ ንዂናት ኢትዮ-ኤርትራ ደው ዘበለ ኣብ 2000 ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ነዞም ዶባት'ዚኣቶም ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ይሕብር'ሞ፡ "ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዝቐርብ ዝዀነ ይዅን ናይ ዋንነት ሕቶ፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ውጹእ ምስትንዓቕ እዩ፡" ክብል እቲ ሓይሊ ዕማም የጠንቅቕ።

ብምቕጻል፡ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ባሕሪ-ኣልቦ ዝዀና ሃገራት መሰል ተጠቃምነት ባሕሪ ከም ዘለወን ከም ዘረጋግጽ፣ እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ግዝኣታት ገማግም ባሕሪ መሰል ዋንነት ኣይህብን ክብል ይገልጽ።

እቲ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ዓንቀጽ 125 ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ባሕሪ ምእንቲ ክትረክብ ምስ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ክትዘራረብ ከም ዘለዋ ከም ዝደንገገ ብምውካእ፡ "ኢትዮጵያ ተጠቃምነት ባሕሪ ክትረክብ መሰል ኣለዋ፣ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ክፋል መሬት ኤርትራ ግን ዋንነት የብላን፡" ይብል።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው፡ ንቝጠባዊ ድሕነት እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክብሉ ከም ዝምጕቱ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ነዚ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ ኣበሃህላ ዝድግፍ መርትዖ ከም ዘይረኸበ ይሕብር።

"ኢትዮጵያ፡ ወደባት ኤርትራ ከይተጠቕመት ካብ 1998 ክሳዕ 2018 ክልተ ኣሃዝ ቍጠባዊ ዕብየት ኣመዝጊባ እያ፡" ክብል ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ዛጊት ብጅቡትን ካልኦት ጐረባብቲ ወደባትን ኣቢላ ንግዳዊ ጉዳያታ ከም እተካይድ ይሕብር።

ቀንዲ ጸጥታዊ ብድሆታት ኢትዮጵያ ካብ ዘቤታዊ ግጭታት ዝምንጩ እምበር፡ ባሕሪ ኣልቦ ብምዃና ከም ዘይኰነ ብምጕላሕ፡ "ስትራተጅያዊ ጸገም ኢትዮጵያ፡ ካብ ስእነት ገማግም ባሕሪ ዘይኰነ፡ ካብ ሕዱር ውሽጣዊ ግጭታትን ምምሕደራዊ ብድሆታትን ዝመጽአ እዩ፡" ይብል።

ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት ዘቕረቡዎ መጽናዕታዊ ሓተታ

ምንጪ ስእሊ,Red-Sea-Task-Force

ጻውዒት ንዘተ፡ ኣብ ክንዲ ምትፍናን

እቲ ሓይሊ ዕማም ቀይሕ ባሕሪ ዝተባህለ ጕጅለ ምሁራት ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ናብ ግጭት ዘምርሕ መግለጺታት ምጥቃም፡ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ። እዞም ዝስዕቡ መሰረታውያን ዝበሎም ለበዋታት ድማ ኣቕሪቡ፤

  • ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ኤርትራ ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህብን ካብ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ጠለባት ካብ ምቕራብ ክትሕየብን፣
  • ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ተጠቃምነት ባሕርን መስመራት ንግድን ኣብ "ሰናይ እምነት ዝተመስረተ ዘተ" ከካይዳ፣
  • ዞባውያን ሃገራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ምትሕብባርን ምርግጋእን ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ስምምዓት ከካይዳ፣ ከምኡ'ውን፡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንእትደልዮ ግዝኣታዊ ጠለብ ንምምኽናይ፡ "ንብሄረ ዓፋር ከም መጻወቲ ካርድ ካብ ምጥቃም፡" ክትቍጠብ ዝብሉ ለበዋታት ኣሕሊፉ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ፡ ጉዳያት ኣፍደገ ባሕሪ ዝወለዶ ወጥሪ ይቕጽል ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ድፕሎማስያዊ ብዅረት፡ ዝያዳ ዘይምርግጋእ ከስዕብ ከም ዝኽእል ስክፍታታቱ ገሊጹ።

እዞም ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነዚ 86 ገጻት ዝሓዘ መጽናዕታዊ ሓተታ፡ ናብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓንን ጸለውቲ ሰባትን ዘርጊሖም መብርሂታት እናሃብሉ ይርከቡ።