ኢትዮጵያ፡ ምስጓግ ኤርትራውያን ይቕጽል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ገፊፉ ኣሲርዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ምስጓግ ቀጺሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መንእሰያት ዝበዝሕዎም 10ታት ኤርትራውያን ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጎጉ ዝሓበሩ ምንጭታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ‘ውን ኣብ ክልተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ ኤርትራውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ንኤርትራውያን ዘነጻጸረ ግፋ ዝሒሉ እኳ እንተሎ፡ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ንዝመላለሱ ዜጋታት ኤርትራ ግና የከላብቱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ተመኻንዩ ብፖሊስን ክፍሊ ኢምግሬሽን፡ ግቦ ክኸፍሉ ከምዝሕተቱ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብታ ሃገር፡ ብፍላይ ክልል ትግራይ፡ ብስግረ ዶብ ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ብምጭዋይ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ገንዘብ ክኸፍሉ ዘገድድ ኩነታት እናሳዕረረ ይመጽእ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ንኤርትራውያን ካብ ግዜን ናብ ግዜ እናሻቐሎም ብምምጽኡ፡ ኣዝዮም ብዙሓት፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብመንገዲ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ ምህላዎም ይፍለጥ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፡ ነቶም ብሰንኪ ‘ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት፡ ካብ መዓስከራት ተበታቲኖም፡ ኣብ ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዝርከቡ ኣስታት 22 ሽሕ ኤርትራውያን ተወስኺ ስግኣት ኣሕዲርሎም ይርከብ።

ስእሊ፦ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ – ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት