ኤርትራዊ ኣትሌት ሳምሶን ኣማረ ወርቂ መዳልያ ተዓዊቱ

ሳምሶን፡ ነቲ 21 ኪሜ ዝንዋሓቱ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ዝተኻየደ ውድድር 'ኦል ኣፍሪካን ገይምስ (All African Games)፡ ብ1 ሰዓት፡ 5 ደቒቕን 4 ካሊኢታትን ብምዝዛም'ዩ ክዕወት ክኢሉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ውድድር ብወገን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም'ውን፡ ኣትሌት ርግበ ሃብተስላሰ መበል 8ይቲ ከምዝወጸት ተፈሊጡ።

ኣብቲ ንመበል 13 ግዚኡ ዝቕጽል ዘሎ ውድድራት መላእ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብሓሙሽተ ዓይነታት ስፖርት ትወዳደር ኣላ።

ኣብቲ ውድድራት ክትሳተፍ ዝቐነየት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብ22 መጋቢት ዓወታት ዓቲራ ምምላሳ ይዝከር።

እታ ብረቡዕ ካብ ኣክራ ናብ ኣስመራ ዝኣተወት ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓቖፈት ጋንታ፡ ኣብቲ ዝተሳተፈቶ 5 ዓይነት ዝተፈላለየ ውድድራት 6 ወርቂ፡ 2 ብሩርን 3 ነሓስን መዳልያታት ዓቲራ’ያ ተመሊሳ። ብፍላይ ብ12 መጋቢት ኣብ ሓደ መዓልቲ 5 መዳልያታት ምዕዋታ ንደገፍታ ፍሉይ ባህታ ዝፈጠረ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ሓጎሱዝገለጸ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል፡ "ዮሃና፡ ወርቂ መዳልያ ኣብ ውድድር ፍርቂ-ማራቶን ምርካብ፡ ነቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ዝሓፈሰቶ ድሙቕ ዓወታት ዘተርንዕ'ዩ" ንዓወት ኣትሌት ሳምሶን ንኢዱ።

ኤርትራ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ-ማራቶን ዝንኣድ ዓወታት ከተመዝግብ ምጽንሓ ይፍለጥ።

መበል 13 ጸወታታት መላእ ኣፍሪካ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓንሳብ ዝግበር ውድድር ኰይኑ ኩሉ ግዜ ጸወታታት ኦሎምፒክ ቅድሚ ምክያዱ ቅድሚ ሓደ ዓመት’ዩ ዝካየድ።

እዚ ኣብ ጋና ዝካየድ ዘሎ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋሉ ዘለዋ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ኣብ 2023 ክካየድ’ኳ እንተነበሮ ብፋይናንስያዊ ሕጽረታታት ብሽም ‘ኦል ኣፍሪካን ጌምስ 2023’ ሎሚ ዓመት ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብዚ ውድድር ኣሽሓት ኣትሌታት ነንሃገሮም ወኪሎም ኣብ ረስትሊን፡ ባዲመንተን፡ ኩዕሲ ሰክዔት፡ ቅደድም ብሽክለታ፡ ኵዕሶ እግሪ ዝርከቦ ኣብ ዝተፈላለየ 29 ዓይነታት ስፖርት ብክልቲኡ ጾታታት ንሃገርን ውልቂን ወኪሎም ይወዳደሩ ኣለው።

ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ባድሚንተን፡ ምሕንባስን ኣትሌትክስን’ውን ዝውክልዋ ስፖርታኛታት ሒዛ’ያ ናብ ርእሰከተማ ኣክራ ኣምሪሓ።

እዚ ብ8 መጋቢት ዝጀመረ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ ጽባሕ 23 መጋቢት’ዩ ክዛዘም።