ስዊዘርላንድ፣ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ዳግም ቀሪቡ

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ባይቶ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ዝምለስሉ እማመ ቀሪቡ።

ኣብ ስዊዘርላንድ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብባይቶ ከም ዝተነጽገ ዝፍለጥ እማመ፣ ዳግም ዝለዓዓል ዘሎ ድሕሪ’ቲ ብሪጣንያ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክትልእኽ ዝብል ሕጊ ምጽዳቓ እዩ።

ኣባል የማናዊ ሰልፊ ሊበራል ዝኾነት ፔትራ ጎሲ ነዚ እማመ ዝሓለፈ ዓርቢ 26 ሚያዝያ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪባቶ።

እቲ እማመ ስዊዘርላንድ ሕቶ ዑቕባኦም ዝተነጽገ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ዜጋታት ንምትእንጋድ ምስ ሳልሰይቲ ሃገር ስምምዕ ክትገብር ይጽውዕ።

ብመሰረት እቲ እማመ፣ እታ ሳልሰይቲ ሃገር ንኤርትራውያን ከተአንግዶምን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘድሊ ሰነዳት ናይ ምርካብ ሓላፍነት ክትወስድን እያ።

ካብ ሰኔት ስዊዘርላንድ ደገፍ ረኺቡ ዘሎ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥራዝ እማመ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክዝተየሉ እዩ።

ኣብ 2012፣ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ እቶም 37% ኣብ ስዊዘርላንድ ተዓቚቦም ከም ዝነበሩ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብሰንኪ ስዊዘርላንድ ዝተኸተለቶ መስርሕ ምንጻግ ሓተቲ ዑቕባ፣ እቲ ቁጽሪ ርኡይ ምንቁልቋል ኣርእዩ’ሎ።

መንግስቲ ዴንማርክ፣ ኣብ ሚያዝያ 2022ኣሰር እስራኤልን ብሪጣንያን ስዒባ፣ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ናብ ርዋንዳ ንምግዓዝ ትዝቲ ከምዝነበረት ዝዝከር’ዩ።

ድሒራ ግን እታ ሃገር ብመንገዲ ሚኒስተር ስደተኛታት ኣቢላ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ምስ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብምትሕብባር ሓተቲ ዑቕባ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ማእከላት ንምስግጋር ዕላማ ከምዘለዋን ንግዚኡ ግን ንበይና ተካይዶ ዝነበረት ዝርርብ ምስ ርዋንዳ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ ኔራ።