ብውሕዱ 65 ሬሳታት ስደተኛታት ኣብ ጃምላዊ መቓብር ሊብያ ከምዝተረኸቡ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ኩነታት ሞቶምን ዜግነቶምን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠን ብበረኻ ኣቢሎም ናብ ማእከላይ ባሕሪ ገጾም ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን እቲ ኣህጉራዊ ስደተኛታት ገሊጹ።

እቲ ኣካል ኣስዒቡ በቲ ዝተረኸበ ነገር "ብዓሚዩቕ ከምዝተሰናበደ" ገሊጹ።

ሊብያ ነቲ ክስተት ትምርምር ከምዘላ ዝገለጸ ኣይኦኤም እቲ መቓብር ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሊብያ ከምዝተረኽበ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ኣይኦኤም "ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ናይ ሓደ ዝጠፍአ ስደተኛ ናይቶም መልሲ ዝደልዩ ሰባት ወይ ድማ ሓዘን ናይቲ ክሳራ ኣፍልጦ ዝህቡ ሓዘንተኛታት ስድራቤት ዝውክል'ዩ" ኢሉ።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ "ዋጋ ዘይእኹል ስጉምቲ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሞት ደቂ ሰባትን ስደተኛታትን ዘሰክፍ ኩነታት ርኡይ'ዩ” ኢሉ።

እቲ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምግታእ ዝተዋደደ ምላሽ ከምዘድሊ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣይኦኤም ኣፍሊጡ።

ሊብያ ካብተን ቀንዲ መበገሲ ነጥብታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት እያ።

ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ‘ኣይኦኤም’ ብተወሳኺ ሰበስልጣን ሊብያን ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም ሬሳታት ብኽብሪ ከምዝተሰጋገሩ ከረጋግጹ ጸዊዑ።

እዚ ጃምላዊ መቓብር ዝተረኽበ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ብውሕዱ 60 ስደተኛታት፡ ሓንቲ ናይ ጎማ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ጸገም ኣጋጢምዋ ድሕሪ ምሟቶም እዩ።

ኣይኦኤም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2023 ጥራይ ኣብ መስመራት ስደት ብውሕዱ 8 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ኣብ ሊብያ ንዝተጸገሙ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህብ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ20 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ።