ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ

ኣብዚ ውድድር ሓደ ካብ ተጠመትቲ ቮላችስታታት ዝኾነ ቢንያም ግርማይ: ጸወታ ክዛዘም 69 ኪሎሜትር ከምኡ ከኣ 64 ኪሎሜትር ምስ ተረፎ ብዘጋጠሞ ክልተ መውደቕቲ’ዩ ካብ ጸወታ ክእለ ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ነዛ ሎሚ ዓቐበት ወዲኣ ኣብ ጎልጎል ትውዳእ 190 ኪሎሜትር ትሽፍን መድረኽ ክዕወቱላ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ካብ ዝተገመቱ ተቐዳደምቲ’ዩ ነይሩ።

Skip Twitter post
ንትሕዝቶ Twitter ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Twitter ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Twitter ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ 17 ግንቦት 2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ኣብ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተባሂሉ ፍሉይ ክብሪ ክረክብ ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ።

ሰለስተ ግዜ ዝበልጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ ቢንያም ግርማይ ብተመሳሳሊ ኣብ 2022 ኣብታ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበላ መዓልቲ ኣብ ምዕዳል ሽልማት ብባሊቃ ናይ ሻምፓኝ ዓይኑ ስለዝተሃረመ ካብ ውድድር ከቋርጽ ከምዝተገደደ ዝዝከር’ዩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ጽባሕ ሳልሳይ ዝወጽኣሉ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ውድድር ክእለ ተገዲዱ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ብምዃን ይወዳደሩ ኣለዉ።