ስደት ኤርትራውያን፡ ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ብኸመይ?

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብእግሪን ብዝተፈላልየ ኣገባባትን ዝግበሩ ሓደገኛ ጕዕዞታት ስግረዶብ ኤርትራውያን ተራእዮም እዮም።

ኣብዚ ዝተሓላለኸ መስርሕ ጕዕዞ ስደት፡ ገለ መንገዲታት እናተዓጽዉን ሓደገኛነቶም እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን ድማ፡ ካልኦት ሓደስቲ መስመራት እናተፈጥሩ ክመጽኡ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ካብ ዝተራእየ ልሙስ መስመራት፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት - ብፍላይ ካብ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ኬንያ ነቒልካ - ብሩስያ ኣቢልካ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ዝግበር ፈተነ እዩ።

በዚ መገዲ ገለ መደቦም ተዓዊቱ ኣውሮጳ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገለ ኸኣ ፈቲኖም ምስተታሕዙ ንድሕሪት ክምለሱ ዝተገደዱ ብዙሓት ምዃኖም፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ኤርትራውያን ይገልጹ።

በዚ መስመር ዝተጓዕዘ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣዳም [ስሙ ዝተቐየረ] ሓደ ካብኦም እዩ። ኣዳም ከም ብዙሓት መንእሰያት ዝሓሸ ዕድል ስራሕን ናብራን ንምንዳይ ንስደት ኣምሪሑ። እዚ ምርጫዚ ግን ብቐሊሉ ዝብጻሕ ከምዘይኰነ ኣብ መስርሕ ጕዕዞኡ ካብ ዝተመኰሮ ውረድ ደይብ እዩ ዝያዳ እናተገንዘቦ መጺኡ።

ኣዳም፡ ፈለማ ካብ ኤርትራ ምስ ወጸ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰገረ የዘንቱ። ድሕሪዚ እቲ ዝሓሸ ዝበሎ መንገዲታት እናጣየቐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐመጠ።

ይፈልጡ እዮም ንዝበሎም ሰባት ይዅኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ ሰባትን ካብ ምሕታት ኣየዕረፈን።

እንተዀነ ኵሉ በብቲ ዝርድኦን ዝኣምነሉን ኣብ ገሊኡ ድማ ረብሓ ዝረኽበሉን ኣማራጺታት ከቕርበሉ እምበር፡ ብቕንዕና እቲ ውሕስነት ዘለዎ መገዲ ብንጹር ክነግሮ ኣይከኣለን።

እዚ ብደላሎን መንጐኛታትን ዝግበር ርክባት ንብዙሓት ከምዘደናግር እዩ ዝንገር። ብፍላይ ኣብዚ እዋን ምስግጋር ሰባት ከም ገዚፍ ገንዘብ ዝርከቦ ዓውዲ ኰይኑ ስለዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት ተዋፊሮምሉ ከምዘለዉ ይስማዕ እዩ። መብዛሕትኦም ድማ እቲ ዝረኽብዎ ገንዘብ ጥራይ ስለዘገድሶም፡ ብዙሓት መንእሰያት ግዳያት ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ዓመጻትን ካልእን ኰይኖም እዮም።

ኣዳም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ምባል'ውን ውሕስነት ስለዘይተሰምዖ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ሓዲኡ ክውስን ግድን ከም ዝዀኖ ይገልጽ። ኣብዚ ደረጃ ውሳነኡ ምስ በጽሐ እዩ ድማ ንኣውሮጳ ዝኸደሉ መገዲ ዝወሰነ።

እቲ መስመር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ናብ ሩስያ፣ ካብ ሩስያ ናብ ቤላሩስ፡ ድሕሪኡ ናብ ፖላንድ ብምእታው፡ ካብኡ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ንምእታው እዩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብታ ዝመረጽዋ ምዕራብ ኣውሮጳዊት ሃገር ኢዶም ብምሃብ ነቲ ነዊሕን ኣሰልካይን መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ምቕራብ ንኽጅምርዎ እዩ። ብተወሳኺ በዚ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናቘረጽካ ዝግበር ጕዕዞ ካብ ሩስያ ናብ ፊንላንድ ኣቢሎም ዝፍትኑ ከም ዘለዉ እውን ኣዳም የዕልል።

ነዚ ጕዕዞ ንምጅማር፡ ፈለማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኴንካ ናይ ሩስያ ቪዛ ክትረክብ ከምዘድልየካ፤ ቪዛ ንኽትረክብ ድማ ኣብታ ሃገር - ሩስያ - ዘሎ ውልቀሰብ ድዩ ትካል ናይ መብጽሒ ዕድመ ወረቐት ክገብረልካ የድሊ። እዚ መስርሕ ሓሊፉ ሩስያ ምስ ኣተኻ እንተተታሒዝካ ናብታ ዝመጻእክላ ዓዲ ከም ትምለስ፡ ዕድል እንተጌርካ ድማ እቲ ውጥንካ ንምስኻዕ ጕዕዞኻ ከምትቕጽል ኣዳም ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ዕላል፡ ነቲ ጕዕዞ የዘንቱ።

ዝድለ ረቛሒታት ሕቶ ቪዛ ኣማሊኡ ኣዳም፡ ቪዛ ረኺቡ ናብ ሩስያ ዝበረረሉ ግዜ ወቕቲ ሓድሽ ዓመት ብምንባሩ ተሪር ናይ ጸጥታን ኵነታት ኣጓኒፍዎ ስለዝተታሕዘ ሓሳቡ ኣይሰለጦን።

"ካብ ዝረኣኹዎም ዝኸፍኡ ወተሃደራት ሩስያ እዮም። ኵሎም ንኣሽቱ መንእሰያት እዮም፤ ካብ ምጽዋጎም ክሳብ ኣባና ዘሎዎም ንዕቀት፣ ዘለዎም ኣረኣእያ እቶም ዝኸፉኡ እዮም፡" ኢሉ ንተመኵሮ'ኡ ብምረት ዝገልጽ ኣዳም፣

"ቋንቋ እንግሊዝ እናኸአሉ ካብ ቋንቋኦም ወጻኢ ፈጺሞም ክዛረቡኻ ኣይደልዩን እዮም፡" ብምባል ነቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ብኣስተንትኖ ይዝክሮ።

ኣብቲ እዋን ን ዩኤንኤችሲኣር ጸውዑልና ብምባል ነታ ኣብ ክፍሊ ኢመግረሽን ዝነበረት ተረኛ’ኳ እንተተማሕጸንዋ፡ ንሳ ግን ምስቲ ሓድሽ ዓመት ምዃኑ ሰብ የብለይን ኢላ ከምዘቕበጸቶም ኣዳም ይዛረብ።

ድሕሪ ነዊሕ ክርክር ድማ፡ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ስኢኑ፡ ዝተበገሰሉ ዕላማን ሓሳብን ከይሰለጦ፡ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከይወጸ ናብታ ዝተበገሰላ ኣዲስ ኣበባ ክምለስ ተገዲዱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ እውን ኤርትራዊ ስለዝዀንካ ናብ ኤርትራ ኢኻ ክትጥረዝ ኢሎም ከከላብትዎ ከም ዝጀመሩ ይገልጽ።

ነቲ ዓዱ ገዲፉ ስደት ከም ኣማራጺ ዝገበረ ኣዳም እዚ ከቢድ መርድእ እዩ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ናብ ኤርትራ እንተተመሊሱ ከጋጥሞ ዝኽእል ማእሰርትን መቕጻዕትን ቀሊል ከም ዘይኰነ ስለዝግንዘብ ምዃኑ ይጠቅስ።

እታ ዝነበረቶ ኣማራጺ ንኤርትራ ክምለስ ከምዘይክእል ከጋጥሞ ዝኽእል ሓደጋ ከረድእን ምፍታን ስለዝነበረት ንዝፈልጦም ሰባትን ገለ ክሕግዙ ዝኽእሉ ተደናገጽትን ተማሕጸነ። በዚ ድማ ሓጊዞሞ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክወጽእ ኣፍቂዶምሉ። ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ዝነበሮም ስግኣት ኣምሊጡ ድማ ናብ ኬንያ ኣምርሐ።

እዚ ዓይነት ጕዕዞ ብመንገዲ ዘይሕጋውያን ደላሎ ምስ ዝኸውን እቲ ዝሕተት መጠን ገንዘብ ክሳብ 10ሽሕ ዶላር ከም ዝበጽሕ፤ ብተወሳኺ ኣየር ቲኬትን ኣብ መንገድታትካ ንመግቢ ይዅን ንዝተፈላልየ ነገራት እተውጽኦ ወጻኢታት ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ እዩ ኣዳም ዘዕልል።

ኣብዚ ጕዕዞዚ ብዘይካ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ዩጋንዳውያን ጋናውያን ኣዝርባጃውያንን ኩርዳውያንን እውን ነቲ መንገዲ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ንምጽንባር ከምዝጥቀምሉን ኣብ ጕዕዞኦም ከም ዝተዓዘበን ነቲ ሕማቕ ተመኵሮ ክዝክሮ'ውን ከምዘይደሊን እዩ ዝገልጽ።

ከምዚ ዝበለ ጕዕዞን ተመኵሮን ስደት ቀሊል ኣይኰነን። እቶም ድሕሪ ብዙሕ ከልበትበትን መከራን ሰሊጥዎም ኣብ ዝደለይዎ ዝበጽሑ'ውን፡ ዝፈጥረሎም ስነኣእምሮኣዊ በሰላ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ኣብቲ ዝኣትዉዎ ሃገር፣ ምስ ሓድሽ ባህልን ቋንቋን ብሓፈሻ እቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ክጽገሙን ይረኣዩ።

ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ ኣብ ሓዳርን ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ህይወትን ጸገማት ከምዘጋጥሞም ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ሞያውያን ይገልጹ።

በዚ መዳይ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ መስርሕ ጕዕዞ ስደት፡ ኣብ መገዲ ይዅን ኣብተን ዝደለይወን ሃገራት ምስ በጽሑ'ውን፡ ግዳያት ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ጸቕጢን ማሕበራውን ባህላውን ቅልውላዋት ክዀኑ ተራእዮም እዮም።