ንማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ዝሕግዝ ሓበን-ኤሪ ናብ ግብራዊ ዕማም ይሰጋገር

ሓበን-ኤሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኣትላንታ ዝመደበሩ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ንኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ንምሕጋዝ ዝቐንዐ ጉባኤ ጌሩ ኔሩ።

እቲ ማሕበር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝምስረት ንድሓር ንሃገራዊ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራ ፈላማይን ቀጥታዊን ናይ ገንዘብን ሕክምናዊ ንዋትን ድጋፍ ከም ዝገበረን ኣብዚ እዋን`ዚ ድማ ንኻልኣይ እብረ ሓገዝ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ኔሩ።

ንገለ ካብ ኣካየድቲ`ቲ ፕሮጀክትን ካብቶም ተቐበልቲ ሓገዝን ብምዝርራብ ዝተዳለወ መደብ ኣብዚ ምክቻል ይክኣል፡፡