ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ረኺቦም

ኣብ 8 መጋቢት ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምሕላፉ ብሽም ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ ዝሓሉፈ ቀዳም 23 መጋቢት ክበዓል ተፈቲኑ::

እቲ ‘ማዕርነት: ጽኑዕ መትከልና!’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክበዓል ዝተዳለወ ናይ ጓይላ እንግዶት ቅድሚ ምጅማሩ ኣብቲ ቦታ ኣንጊሆም ዝተረኽቡ
መንእሰያት ኣባላት ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ እዮም ኔሮም::

ኣብዚ እዋን’ዚ ብርጌድ ንሓመዱ በይኖም ኣነበሩን ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ንማሕበራዊ ፍትሒ ዝቃለሱ ኣባላት ዝተፈላለያ ጉጅለታት ስዊዛውያን ተጸምቢሮሞም::

ጽንብል ‘ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ’ ክካየደሉ ኣብ ዝተመደበ ቦታ ‘ፕላምፓለ’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መንጎ ብርጌድ ንሓመዱን ደገፍቲ ህግደፍን ወጥሪ ብምፍጣሩ ግጭት ከይህሉ ክከላኸሉ ዝተባህሉ ድርዒ ዝተኸድኑ ፍሉያት ሓይልታት ፖሊስ ኣብ መንጎ ኣትዮም ጎደና ዓጽዮም::

ነቲ ኣጋጣም ንምጽብጻብ ወከልተን ዝለኣኻ ኣብ ከተማ ጀኔቫን ስዊዘርላንድን ዝዓበያ ጋዜጣታት ከም ‘ትሩቡን ደ ጀኔቭ’ (Tribune de Genève) ቫን ሚኑት (20 minutes) ካልኦትን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺበን ኔረን::

ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ : እቲ ብስም ‘ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ’ ናይ ብሓቂ ንደቀንስትዮ ዝሓለ ከምዘይኮነ ብኣንጻሩ ነቲ ስደተኛታት ክኾኑ ዝገበሮም ስርዓት ናይ ኣታዊ ምንጪ ከምዝኾነ ገሊጾም::

ብርጌድ ንሓመዱ ቀጺሎም ህግደፍ ብስም ‘ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ’ ንዲሞክራሲ ስዊዘርላንድ መዝሚዞም ኣብ ጥቕሞም የውዕልዎ ከምዘለዉ: ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡሉ ምኽንያት ድማ ነዚ ንምቅላዕ ደኣንበር ዕግርግር ንምግባር ከምዘይኮነ ኣብ ሙንጎ ንዝነበረ ሓይሊ ፖሊስን ጋዜጠኛታትን ኣነጺሮም::

ጋዜጣ ‘ትሩቡን ደ ጀኔቭ’ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ንኣዳለውቲ መደብ ረኺባ ከምዘዘራረበቶም: እቶም ኣዳለውቲ እቲ ጽንብል ደቀንስትዮ ምስ መንግስቲ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ’ኳ እንተሓበሩ ንዕኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ዕድመ ፖስተር ግን ናይ ሚሊታሪ ክዳን ዝለበሳ ደቀንስትዮ ከምዝነበረኦ ሓቢራ::

ጋዜጣ ‘ቫን ሚኑት’ ብወገና ንፕረዚደንት ማሕበር ደቀንስትዮ ረኺቦም ዝሃበቶም ሓበሬታ ‘እቲ ጽንብል ምስ መንግስቲ ርክብ ከምዘይብሉ: ኣንጻር መንግስቲ’ውን ከምዘይምኳኑ ከምዝሓበረቶም ኣብ ደገ ዝነበረ ሓደ መንእሰይ ብዝሓበሮ መሰረት ግን እቲ ጽንብል ምሉእ ንምሉእ ናይ መንግስቲ ከምዝኾነን ወኪል መንግስቲ ክመጽእ ምኳኑ’ውን ከምዝሓበረ ተመልክት::

ጽንብል ደቀንስትዮ ኣብ ከምዚ ወጥሪ ዝበዝሑ ዕዱማት እናተመልሱ ብውሑዳት ብሓለዋ ፖሊስ ጀሚሩ ብሓለዋ ፖሊስ ድማ ተወዲኡ:: ንቃላት ብርጌድ ንሓመዱ ዘራጉድ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ዝኣተዋ ቅንጣሮ ደቀንስትዮ ብንመንግስቲ ዝውድስ ጓይላታት እናሳዕስዓ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተዘርጊሑ::

ኣብ ናይ ቀዳም ተቓውሞ ብርጌድ ንሓመዱ ተቓውመኦም ብሰላማዊ መንገዲ እዮም ኣካይደሞ ብዘይካ ሕልፍ ኢልካ ዝነበረ ምስሕሓብ: ብኣንጻሩ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳሶም ተነቒፎም::

ኣዛዚ ፖሊስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ: ፖሊስ ናይ ዝኾነ ጸግዒ ከምዘይኮነ ጸጥታን ውሕስነት ኩሉ ወገን ንምርግጋጽ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ሓቢሩ::

ማሕበር ሓበሬታ ‘ብሊንክ’ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ርሑቕ ኣብ ከተማ ጀኔቫ ከምዝተኻወሰ ሓቢራ::

ኣብቲ ኣጋጣሚ ልዕሊ 100 ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱን ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ስዊዛውያን ተደናገጽትን ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ዝኣተዉ ኣስታት 30 ጸረ-ናዕቢ ፍሉያት ፖሊስን ካልኦት ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታን ተረኺቦም ኔሮም::