ሕማም ዓሶ: ኣውራ ቀታሊ ሕማም ኣብ ኤርትራን ኣፍሪቃን ኮይኑ ይቕጽል

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ኤርትራ ሕማም ዓሶ ሓደ ካብ ቀንዲ ሓደገኛ ሕማማትን ቀታልን እዩ::

ኣብ 2021 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፣ ኣብታ ዓመት ‘ቲኣ 92 ሽሕን 898 ሰባት ብሕማም ዓሶ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም 211 ሂወቶም ስኢኖም::

ኣብ ኤርትራ መልከፍቲ ሕማም ዓሶ ካብ ሓደ ሽሕ ስባት 25.7 ብምኳኑ ገና ኣብ 2030 ‘ባዶ ዓሶ‘ ንዝብል ሸቶ ሕቡራት ሃገራት ኣይቀረቦን ዘሎ::

ኣብ ዓለም 95% ብሰንኪ ሕማም ዓሶ ዘጋጥም ሞት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ እዩ ዝኽሰት። ኣብ 2022 ንኣብነት በቲ ሕማም ኣስታት 600 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ሂወቶም ስኢኖም::

ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ፣ ሕማም ዓሶ ንምምካት ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ዕዉት ስራሕ እዩ ክስራሕ ጸኒሑ። ኣፍሪቃ ግን ድሕሪት ተሪፋ ኣላ:።

ነዚ ንምብዳህ ሚኒስተራት ጥዕና ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ካሜሩን፣ ኣብ ከተማ ዩውንደ ብምርኻብ ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ ምስ ዓለማውያን መሻርኽቲ ፡ መወልቲ ትካላት ጥዕና፡ ተመራመርቲ፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካልኦትን ብምትሕብባር ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዐዖም።

ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ: ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ሕማም ዘለዎ ኣፍልጦ ንምዕባይ ጎስጓስ ምክያድ: ምዕዳል ላምስያ: ጣንጡ ዝፈርይሉ ዕቋር ማይ ምድፋን፣ ምንጻግ መድሃኒት፣ ምድልዳል ትካላት ጥዕናን ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልእን የድሊ።

ነዚ ንምትግባር ኣብ ዓመት ናይ ኣስታት 8 ቢልዮን ዶላር ማዕከን ወሻኢ ይሓትት።

ኣብ ኣፍሪቃ‘ውን 70% ሕማም ዓሶን ሞትን ዝርኣየለን 11 ሃገራት፣– ቡርኪኖፋሶ: ካሜሩን: ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ: ጋና: ማሊ: ሞዛምቢክ: ኒጀር: ናይጀርያ: ሱዳን: ኡጋንዳን ታንዛንያን እየን። 

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት