ካብ ኦክስፎርድ ናብ በሲግዲራ፡ ናእዳ ዘትረፈ ምህዞ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት

ካብዞም ኣብ ሓደ ህሞት ብዙሕ ዕማማት ምስላጥ ዘይጽግሞም ‘ተውለ’ ተባሂሎም ዝግለጹ ሰባት እያ።

እዛ ኣብ ሱዳን ተወሊዳ ኣብ ለንደን ዝዓበየት መንእሰይ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ቴክኖሎጂን ማሕበራዊ ኩነታት ዓለምን ንዘለዋ ተምሳጥ፡ “ብንኡሰይ እንከለኹ ፍቕሪ ተክኖሎጂ ስለ ዝሓደረኒ ንወለደይ ኢመይላት ይጽሕፈሎም” ነይረ ክትብል ንድሕረ ባይታኣ ትገልጽ።

“እዛ እንነብረላ ዓለም ብሰባት ዝተቐርጸት እያ” ዝብል እምነት ዘለዋ እዛ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት መንእሰይ፡ ንሳ’ውን ብግዲኣ ዝያዳ ምዕርይቲ ክትከውን ፍልጠታን ኣሰራን ከተበርክት’ያ ትጽዕት።

ነዚ ንምግባር ድማ ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ፍልጠትን ምዕጣቕ ወሳኒ ምዃኑ ትኣምን።

እንተዀነ ብሉጽ ትምህርቲ ንምርካብ ዘሎ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ሓደ ካብቶም ዘተሓሳስብዋ ጉዳያት እዩ።

ብዘይ ምህሮ እዛ ዓለም ብውሑዳት ጥራይ እትቕረጽን እትዝወርን ከይትኸውን ስግኣት ኣለዋ።

ስለዚ ድማ’ዩ ሕመረት መጽናዕታ፡ ፈተነታታን ምህዞታታን ማዕረነት ትምህርቲን ፍልጠትን ብምርግጋጽ ዕድላት ምስፋሕ ኰይኑ።

ኤርትራ፡ ዝምድና ምስ ‘መሃንድሳት’ ቆልዑ

ሳራ፡ ናብ መበቆላ ዝኾነት ኤርትራ ምብጻሕ እትፈቱ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዳ ኣብ ወጻኢ ዝዓበየት መንእሰይ እያ

ምንጪ ስእሊ,SARA

ሳራ፡ ናብ መበቆላ ዝዀነት ኤርትራ ምብጻሕ እትፈቱ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዳ ኣብ ወጻኢ ዝዓበየት መንእሰይ እያ።

“ምስ ዓባየይ ጥቡቕ ዝምድና’ዩ ዘለኒ” እትብል እዛ ዕባይ ዲያስፖራ፡ ምስቶም ልዕሊ 50 ዝዀኑ ዝበለቶም ደቂ ሓዎቦታታ፡ ኣሞታታ፡ ሓትነታታን ኣኮታታን’ውን ቅርበት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

ሸሞንተ ግዜ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ከኣ ንባህልን ልምድን ህዝባ ክትርዳእ ክኢላ።

“[ኤርትራ] ጽብቕቲ ሃገር’ያ። ትርኢታ፡ ባሕራን መሬታን ይፍተወካ። ግና ውሱን፡ [ናይ ኢንተርነት] ርክብን ዕድላትን እዩ ዘለዋ”።

መበቆል ዓዲ ወለዳ በሲክዲራ እዩ።

እታ ዓዲ ኣብ 1970 ልዕሊ 100 ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተቐትሉላ ብዝወረዳ ህልቂት እትዝከር ፍልጥቲ ቁሸት እያ።

ንኤርትራ ክትከይድ እንከላ ንህጻናት ኤርትራ ይጠቅም’ዩ እትብሎ ነገራት ትማላእ።

እቲ እትወስዶ ነገራት፡ ቘልዑ፡ ዓቢ ሕልምን ራኢን ንክህልዎም ዝሕግዝ መሃርን ኣዘናጋዕን ነገራት እዩ።

“ኣብ ሓደ እዋን፡ ስራሕ ኣቋሪጸ ግዜይ ኣብ መገሻ ከሕልፎ ወሲነ (ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ዓመት እየ ዝገይሽ)። ኣብ ኤርትራ ንዝነበረት ዓባየይ ክበጽሓ ከይደ። ሽዑ ን6ይ ግዜ ዝኸድኩሉ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ። ኣዋርሕ ዝወሰደለይ ካብ መርበብ ኢንተርነት-ወጻኢ ዘገልግል ስርዓተ-ትምህርቲ (ካሪኩለም) ኣዳልየ ነይረ።

"ብሰንኪ ፖሊሲ መንግስቲ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ክፉት ኣገልግሎት ኢንርነት ዘይብለን ሃገራት ዓለም እያ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ “ሓያለ መሃሪ ናይ ቴክኖሎጂ መጻወቲን ዝገጣጠም ባንቡላታትን ተማሊአ ከይደ” ትብል።

ንሳን ኣብኡ ዝረኸበቶም መሓዙትን ወለንተኛታትን ኰይኖም ድማ፡ ነቶም ዝረኸበቶም ኣስታት 300 ዝበጽሑ ቘልዑ ብዛዕባ ኮዲንግ ከምኡ’ውን ምግጥጣም መጻወቲታትን ኣስተምህሮታት ሂቦሞም።

ሳራ፡ ወትሩ ሓሳብን ነገራትን ክትህብ ኣብ እትኸደሉ እዋን’ውን እንተዀነ ገለ ነገር ከይሓዘት ኣይትምለስን እያ። እቶም ክትምህሮም ዝኸደት ህጻናት ሓሳባት ሰዂዖምላ’ያ ትምለስ።

“ነቲ ዘምጻእኩዎ መሃሪ መሳርሒታት ከም ዝፈትውዎን ገለ ነገር ክሰርሑ ደስ ከም ዝብሎምን ኣስተውዒለ። ‘ኢንጂነር እየ’ ይብሉ”።

“ኣሃ፡ እዚ ድኣ ግርም እንድዩ ኢለ ክሓስብ ይዝከረኒ። ብዛዕባ ባዕልኻ-ምምሃር፡ ማለት ባዕልኻ ገለ ነገር ክትፈጥር ከምእትኽእል ምርዳእ፡ ዝያዳ ክፈልጥ ድልየት ሓዲሩኒ” ትብል ብኸመይ ነቲ ሓሳብ ከም ዝጀመረቶ ክትገልጽ እንከላ።

ኣእምሮኣ ብሓሳባት ዘቕቢቡ ካብ ኤርትራ ምስ ተመልሰት ድማ’ያ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝያዳ ንምፍላጥ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክትምለስ ዝወሰነት።

ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ቆልዑ እቶም ዝያዳ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝርሕቁ ስለዝኾኑ ፍሉይ ጠመተ ክትህበሎም ከምእትግደድ’ያ ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ,SARA

ኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲ- ስተም (STEM)

ነቲ ካብ ኤርትራ ሒዛቶ ዝተመለሰት ዓቢ ሕልሚ ንምግሃድ፡ ብቑዕ ትምህርቲ፡ ፍልጠትን ክእለትን ክትዓጥቕ ነይሩዋ።

ስለዚ ድማ ካብዚን ካብትን ክፍሊት ኣኻኺባ ናብቲ ሓደ ካብ ብሉጻት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓለም ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድ ክትኣቱ ወሲና።

ሳራ፡ ጌና ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ እናወድአት እንከላ’ያ፡ ኮምፕዩተር ሳይንስ ከተጽንዕ ጀሚራ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ጽቡቕ ነጥቢ ስለዝነበራ ኸኣ፡ ካብቲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት ትምህርቲ- ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን (UCL) ብምምሕዳር ንግዳዊ ሓበሬታ (Information Management for Business) ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ።

“ንቀዳማይ ዲግሪ ዘቕረብክዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ቴሲስ) ዲጂታላዊ ኣፈላላይን ሞራላዊ ምህንድስናን (ኢቲካል ኢንጂነሪንግ) እዩ ነይሩ። እቲ ኣዝየ ዝፈተኹዎ ክፋል ናይቲ ዲግሪ ድማ’ዩ” ክትብል ትዝክር።

ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ እትገልጾ፡ ካብ ለንደን ንሰሜናዊ-ምዕራብ 80 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድ ከኣ፡ ብዛዕባ ምዕባለ ቘልዑ (child development) ኣጽኒዓ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቓ።

ነቲ ዲግሪ ንምርካብ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ኣብ ‘ስተም’ (STEM) ዘተኮረ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣሕጽሮተ-ቃል ንስነፍልጠት ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስና፡ ከምኡ’ውን ቁጽሪ (Science, Technology, Engineering, and Mathematics) ዝውክል’ዩ።

ካብዚ ድማ’ዩ እቲ ኣድናቖት ዘትረፈ ማሃዝነትን ፕሮጀክት ኣምበሳፕለይን ተወሊዱ።

መበቆል ዓዲ ወለዳ በሲክዲራ እዩ

ምንጪ ስእሊ,SARA

መግለጺ ስእሊ,

መበቆል ዓዲ ወለዳ በሲክዲራ እዩ

ኣምበሳፕለይ፡ ማሕበራዊ ኢንተርፕራይዝ

እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ ነቲ ኣብ ኦክስፈርድ ዝረኸበቶ ፍልጠት ብኸመይ ናብ ግብሪ ተውዕሎ’ዩ ነይሩ።

“ንዲዛይን ናይቲ ምህዞ ብክልሰ ሓሳብ ክትመሃሮን ከተቕምጦን ዝምስጥ’ዩ ነይሩ” ትብል ሳራ፡ ናብ ፍረ ክትበጽሕ ተበጊሳ።

“ንሓደ ካብ ፍሉጣት ዲዛይነራት ኢንዱስትሪ ብሪጣንያ ዝኾነ ጆን ማርሻልን ጉጅልኡን ተወኪሰዮም። ንመልእኽተይ ምምላሱ ገሪሙኒ’ዩ። ምቕሉል፡ ለዋህን ንግዚኡ ዝልግስን ኮይኑ ድማ ረኺበዮ። ንኣስታት ክልተ ዓመት ዝኸውን ተዛሪብና፡ ብድሕሪኡ ምስቲ ዘበገስናዮ ፕሮጀክት ክጽንበር ወሲኑ”።

እቲ ፕሮጀክት፡ ብደገፍ ምወላን ርትዓዊ ኣታዊታትን መሃዝነትን ምህዞታትን ንምስፋሕን ንብጻሕን ዝዓለመ’ዩ።

“ኣምበሳ ፕለይ፡ ምስ ተፈናቐልቲ ቆልዑ ብምዃን መሃሪ መጻወቲታት (educational toys) ዲዛይን ዝገብር ማሕበራዊ ኢንተርፕራይዝ [ትካል] እዩ” ክትብል’ያ ሳራ ትገልጾ።

ዛጊት፡ ሓንቲ ብባትሪን ሶላርን እትሰርሕ ‘ፍላሽ ላይት’ መብራህቲ (ላምፓዲና)፡ ዲዛይን ብምግባር ናብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘርጊሖም ኣለዉ።

እታ ፍርያት፡ ኣካላታ ፋሕፋሕ ኢሉ፡ ግና ኣብ ሓደ መዐሸጊ ተጠርኒፉ’ዩ ዝለኣኽ፡ እቶም ዝረኽቡዋ ቆልዑ ድማ፡ ብመሰረት እቲ ምስኣ ዝኸይድ ስእላዊ መግለጺ (ማኑዋል) ነተ ዝተፈላለየ ኣካላት ብምግጥጣም ባዕሎም መብራህቲ ክሰርሑ ዕድል ብምሃብ ምህዞ ክላመዱን ርእሰ ተኣማንነት ከማዕብሉን ትገብር። እቲ መስርሕ ስነ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ዝምህር’ውን እዩ።

ሜግና ሳጂ፡ ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ፕሮጀክት ኢዶም ዝጸንበሩ ኰይና፡ ኣብ ምውጻእ ናይቲ ስእላዊ መግለጺ ዝተሳፈት እያ። ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ቘልዑ ኣብ ምምሕያሽ ዲዛይን ናይቲ ስእላዊ መግለጺ ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ትዛራብ።

“ርእይቶታቶም ሰሚዕና ስለዝሰራሕናዮ ንዕኦም ብዝጥዕም ኮይኑ’ዩ ተዳልዩ” ትብል።

ድሮ ልዕሊ 2000 ፍርያት እታ ፈላሚት ምህዞኦም ናብተን ኣብ 11 ሃገራት ዝርከባ ምስ ቘልዑት ዝነጥፋ ትካላት ግብረሰናይ ወፊዮም ኣለዉ። ናብ ዕዳጋ’ውን ቀሪባ’ላ።

ብሕጂ’ውን እታ መብራህቲ ኣብ ኢድ ቘልዑ ምስበጽሐት ዝያዳ ንክትመሓየሽ ይኹን ካልእ ምህዞ ንክሓስቡ ርእይቶታት ክቕበሉ’ዮም ዝጽበዩ- ዘየቋርጽ ዋሕዚ ሓሳባት ምንጪ ዓወቶም’ዩ።

ወለዲ ናይቶም ነታ መብራህቲ ዝረኸቡዋ ቆልዑ’ውን እወታዊ ርእይቶታቶም ይህብዎም ከምዘለዎ’ያ ሳራ ትገልጽ።

ንገሊኦም’ውን፡ ደቆም ካብ ስክሪን ክእለዩን ኣብ ስራሕን ፈጠራን ንክጽመዱ ከም ዝሓገዞምን ሳራ ትገልጽ።

ብቐንዱ ግን፡ ውለዶም ናብ ሳይንስ፡ ተክኖሎጂ፡ ኢንጂነሪንግን ቁጽሪን (ስተም) ከዘንብሉ ነቲ ዝለጋገብ ኣቕሓ (ኪት) ከምዝገዝእዎ’ያ ተስምር።

እቲ ፍርያት ብመንገዲ ኢንተርነት ዝዀነ ሰብ ኣዚዙ ክገዝኦ ዝኽእል’ዩ።

ነታ ፍርያት፡ ካብ ሓሳባት ናብ ዲዘይን፡ ካብኡ’ውን ተሰኒዓ፡ ተፈቲና ናብ መዓላ ንክትበጽሕ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ወሲዱላ።

ሳራ፡ ናብ መበቆላ ዝኾነት ኤርትራ ምብጻሕ እትፈቱ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዳ ኣብ ወጻኢ ዝዓበየት መንእሰይ እያ

ምንጪ ስእሊ,SARA

ፈጠራን ማሃዝነትን ሳራ ትንስኤውን ብጾታን ኣብ ዓይኒ ኣገደስቲ ትካላት ኣትዩ ሽልማትን መተባብዕን ተቐቢሎምሉ።

“ፈላሚ ሽልማት ዝረኸብናሉ፡ ንማስተርስ ዲግሪ እናተመሃርኩ እንከለኹ’ዩ። ንሱ ኸኣ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወሃብ ሽልማት መንእሰይ መሃዚት እዩ ነይሩ”።

እቲ ብመንግስታዊ ትካል ‘ኢኖቨይት ዩ-ከይ’ (Innovate UK) ዝተዋህባ £5000 ፓውንድ ጥራይ’ኳ እንተነበረ፡ “ከም መበገሲ ግን ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ” ትብል።

ብድሕሪኡ’ውን ንደቂኣንስትዮ መሃዝቲ ዝወሃብ (Women in Innovation Award) ሽልማት ብምዕዋት £50 ሽሕ ተዋሂቦም። እዚ ድማ ንኣካላት ናይታ ፈላመይቲ ምህዞ ንምስናዕ ውዒሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሳራ ኣብ ጉዕዞ ትምህርታ ካልእ ሽልማት ትወስድ ምንባራን፡ ሓደ ካብኡ ኣብ 2019 “መንእሰይ መራሒት ኣይ-ሲ-ቲ” ተባሂላ ብምዕዋታ ናብ ደቡብ ኮርያ ክትከይድ ዕድል ረኺባ።

ተምሳጣ፡ ብልሓን መሃዝነታን፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ተመክሮ ክትድልብ ከም ዘኽኣላ እትገልጽ፡ ሳራ፡ ኣብ ሓደ እዋን’ውን ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ካሊፎርንያ ዝርከብ ሩባ ምህዞ ዓለም ዝዀነ ‘ሲሊኮን ቫሊ’ ሰሪሓ’ያ።

ኣብ ካልእ እዋን’ውን ናብ ቻይና ብምኻድ ምስ ገለ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ብምስራሕ ተወሳኺ ተመክሮ ኣጥርያ።

ተሳትፎን ብድሆታትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ‘ስተም’

መበቆል ዓዲ ወለዳ በሲክዲራ እዩ

ምንጪ ስእሊ,SARA

ኣብ ታሪኽ ስነ ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂካውን ምርምር ተራ ደቂ ኣንስትዩ ቀሊል ከም ዘይነበረ’ዩ ዝግለጽ።

እንተዀነ ብኣባታዊ ዕብለላ ስለ ዝተኸወለ ዝግብኦ ኣፍልጦ ከይረኸበ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ፈለማ 20 ክፍለ ዘመን መድሃኒት ሕማም ለምጺ ዝረኸበት “ፈዋሲት ለምጺ” ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህባ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ኣሊስ ኣጉስታ ቦል፡ ኣብ 1947 ብስነ-ቀመም (ኬሚስትሪ) ዝለዓለ መዓርግ ዶክተረይት ዝረኸበት ፈላመይቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለዘመን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት እንከላ ዝተሓላለኸ ግድላት ቁጽሪ ንምፍታሕ ዝደፈረት፡ “ፈላሚት ኮምፕዩተር ፕሮግራመር” ተባሂላ እትፍለጥ እንግሊዛዊት ኣዳ ላቭሌስ ትኹን፡ ኣብ 1963 ኣብ መበል 26 ዓመታ ፈላመይቲ ናብ ጠፈር ዝተወንጨፈት ሩስያዊት ጓልኣንስተይቲ ዛንታአን ብዙሕ ጠመተ ኣይረኸበን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ እቲ ንነዊሕ እዋናት ብደቂ ተባዕትዮ ተባሒቱን ተሸፊኑን ዝጸንሐ ዓወድታት መጽናዕቲ፡ ስራሕን፡ ኢንዱስትሪታትን ደቂ ኣንስትዮ ክደፍርኦን ክጥሕስኦን ጸኒሐን ኣለዋ።

ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ተሳትፎ ደቂ ኣንሰትዮም ኣብ ‘ስተም’ ከደንፍዕ ዝጽዕር ማሕበር ከም ዝበሎ፡ ብዙሓት ኢንዱስትሪታት ንታሪኻዊ ጌጋታቶም ብምእራም ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ዕድል ክህቡ ይጅምሩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

እንተዀነ ሕጂ’ውን፡ ነቲ ካብ ገዛ ዝጅምር ግጉይን ሓላኺን ኣተሓሳስባታትን ምጉናይን ጥሒሰን፡ ናብ ዓውድታት ስነ ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂ፡ ኢንጀነሪንግን ቁጽሪን (STEM) ዝኣትዋ፡ ነዊሕ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ስርዓተ-ምወላ ዓቢ ጸገም ኰይኑ ይርከብ።

ንኣብነት ጸብጻባት መንግስቲ ብሪጣንያ ከምዝሕብርዎ፡ ኣብ 2017 ጀመርቲ ምህዞ (startups) ደቂ ኣንስትዮ 32 ሚልዮን ምወላ ክረኽባ እንከለዋ፡ ደቂ ተባዕትዮ መዘናታተን ግን 5 ቢልዮን ፓውንድ ረኺቦም።

ንገስጋስ ሳራ ትንስኤው’ውን እዚ’ዩ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኰይኑዋ።

ቀንዲ ማሕለኻታት ደቂኣንስትዮ እንታይ ምዃኑ ምስተሓተት ዝሃበቶ ቀዳማይ መልሲ “ገንዘብ’ዩ” ዝብል’ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ መስረትቲ ጀመርቲ ትካላት፡ ካብ 2 ሚእታዊት ምወላ ንግዳዊ ንጥፈት (ቨንቸር ካፒታል) ከምዝረኽባ ትገልጽ፡ ሳራ፡ “ንሓሳብካ ምወላ ክትረክብ ከቢድ’ዩ” ትብል።

“ምወላ ንምርካብ ኣማኢት ጠለባት ኣቕሪበ። እዚ በጺሕና’ዮ ዘሎና ጎደና ድማ ድሕሪ ኣማኢት ኢመይላት ምንጻግን ዝተበጽሐ’ዩ”።

“ንሓንቲ ቅርሺ ከመይ ተተኣኻኽላ እናተመሃርኩ ስለ ዝዓበኹ ግን፡ ቆጠብቲ ኢና ኔርና። ብ5000 ፓውንድ ምወላ ኢና ጀሚርና፡ ሽዑ ሕሉብናን ንጹፍናን ንሰን እተን ገንዘብ እየን ነይረን።

“ብእአን 3ዲ ፕሪንተር ክንጥቀምን እዚ ኩሉ ትርእዮ ዘለኻ ኣካላትን ብምርካብ፡ ሓንቲ ሞዴል ክንሰርሕ ክኢልና” ብምባል ሳራ ብኸመይ ናብዚ ደረጃ ከም ዝበጽሐት ትዛረብ።

ምወላ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ኢሎም፡ ኣብ ኢንተርነት ከይተረፈ ‘ክራውድ ፋንዲንግ’ ፈቲኖም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ግን ‘ኤንጂል ኢንቨስተርስ (ኣውፈርቲ መልኣኽቲ) ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ንጀመርቲ ንኣሽቱ ትካላት ገንዘብ ብምሃብ ብጽሒት ዝረኽቡ ኣውፈርቲ ክረኽቡ ክኢሎም።

ዕላማኦም ድማ በቲ ዝተረኽበ ኣታዊ ነቲ ተበግሶ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ’ዩ።

ባህግን ራኢን ሳራ ትንስኤው- ‘ምህናጽ ሓደስቲ ዓለማት’

ሶላር ዝተኽሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ,SARA

ኣብ ኣእምሮ እዛ መሃዚት መንእሰይ ሱር ዝሰደደ ቀንዲ ነገር፡ ጉዳይ ዘይምሩይ ተበጻሕነት ትምህርቲ’ዩ- ኩሎም ቖልዑ ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም።

ብፍላይ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ቆልዑ እቶም ዝያዳ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝርሕቁ ስለዝኾኑ ፍሉይ ጠመተ ክትህበሎም ከምእትግደድ’ያ ትዛረብ።

“ኣብ ዙርያና ዘሎ ዓለም፡ ብሰባት’ዩ ከምቲ እንዕዘቦ ኮይኑ ዘሎ፡ ስለዚ ኣነ’ውን ኣብኡ ክሳተፍ’የ ዝደሊ። ኣምበሳ ይኹን፡ ካልእ ኣብ መጻኢ ክገብሮ ወይ ከተባብዖ ዝሓልሞ፡ ከም ቘልዓ ህንጡይነትን ተገዳስነትን ክህልወኒ’ዩ”።

“ብኸምኡ ኢኻ ሓደስቲ ዓለማት ትሃንጽ፡ ሓደስቲ ወለዶ ቆልዑ ዝሓልምዎ ክፍጽምዎ ከምዝኽእሉ ከፈልጡ ምግባር”።

“ዓቕሚ ምስረኸብኩ፡ ናይ ባዕለይ ማዕከን ገንዘብ ኣማዕቢለ፡ ኣብ ካልኦት ብሉጻት ሓሳባተይን ፕሮጀክትታትን ከውዕሎ ተስፋ እገብር”።

ሳራ፡ ንሓሳባታን ምህዞታታን፡ ኣብ ክንዲ ብግብረሰናይ (ቻሪቲ) ናብ ጥቕሚ ህዝቢ እተውዕሎ፡ ምወላ ብምርካብ ርትዓዊ ብዝኾነ ጫሌዳ- ሓውሲ-ንግዳዊ/ግብረሰናይ- ሓድሽ ኣገባብ ክትክተል’ያ ትመርጽ።

“ሕልመይ፡ ኣንበሳፕለይ ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈናቐሉ ሚልዮናት ቆልዑ ምብጻሕ እዩ። ግና፡ ስራሕ ብምፍጣርን ቀጥታዊ ደገፍ ብምሃብን ሰባት ካብ ድኽነት ንምውጻእ ኣድማዒ ኣገባብ ክንረክብ እብህግ”።

ኣብ ፕሮጀክት ኣምበሳ ፕለይ “ናይ መወዳእታ ዕላማና ን50 ሚልዮን ቘልዑ ምብጻሕ’ዩ። ነዚ ንክንገብር ግን 50 ሚልዮን ‘ኪትስ’ (መሃሪ መጻወቲ ቘልዑ) ክንሸይጥ ኣለና። ነዚ ንምግባር ድማ ምስ ትካላት ንግድን ማሕበራት ግብረሰናይን ከየቋረጽና ክንሰርሕ ኣለና” ብምባል ብዛዕባ ራኢ ናይቲ ፍሉይ ተበግሶ ትዛረብ።

ነዞም ብስም ግብረሰናይ ብዙሕ ገንዘብ ዝወሃቡን ዘየድምዑን እትብሎም ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ግን ተሪር ምቁጽጻርን ተሓታትነት ክህልዎም ከም ዘለዎ ትምጉት።