ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ ደቂንስትዮ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ መሰል ከምዘለወን ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ካልእ ጽላታትን ሕበረትሰብ‘ውን ብማዕረ ክሳተፋን ዘዘኻኽር‘ዩ።

ብዘይካ‘ዚ ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ይኹን ሕብረተሰብ ኣብ ዘስገድደን ከም ምኽንሻብን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝኣመሰለ ጎዳኢ ልምድታትን ካልእ ዘቤታዊ ጎነጽ፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምግሃስ መሰላት ደቂንስትዮ ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይምዕሩይ እቶትን ቁጠባዊ ዓቕመን ከምኡ ድማ ምስትኡ ተተሓሒዙ ዝስዕብ ከም ስደት ዝኣመሰለን ኣደራዕን ንደቂንስትዮ ብዝያዳ ግዳይ ከምዝግበርዩ ዝዝረበሉ።

ኣብ ኤርትራ ኣዝየን ብዙሓት ደቂንስትዮ ብሰንኪ ፖለቲካ፣ እምነትን ካልእ ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ብዘይዝኾነ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐያ ከምዘለዋን ንገሊኤን ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝወረደንን ይፍለጥ።

ንመሰለ ደቂንስትዮ ክማጎት ዝግብኦ ሃገራዊ ማሕበር ደቂንስትዮ ወይ ሃማድኤ ግና፤ ከም ፖለቲካዊ ጥብቖ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርአት ህግደፍ ኮይኑ ስለዘገልግል፡ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ግፍታትን ክቓወም ኣይስማዕን‘ዩ።