ኤርትራ፡ ነዊሕ ኢድ መንግስቲ ኣብ ዲያስፖራ ንምብታኽ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ቅድም ትዊተር ናይ ሕጂ ኤክስ(X) ጉዳይ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ ብምህላዉ ካብ ብዙሕ ሰብ ዝርእዮ (trending) ኮይኑ ቀንዩ::

ብስም ፌስቲቫላት ዝካየድ ጓይላታትን ንሱ ዘኸተሎ ግጭታትን ዝፈጠሮ ሳዕቤናትን ጉዳይ ኤረትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምርዳእ ኣብ ኤክስ ወፍርታት ይካየድ ብምህሉዉ እዩ ብስም ኤርትራ ‘ትረንዲን‘ዝገብር ዘሎ::

ኣብቲ ወፍሪታት ‘ብህግደፍ ዝካየድ ፌስቲቫላት ኤርትራ ንጽልኢ ዝጉስጉሱን ንመላእ ማሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክልን ምኳኑ‘ ዝገልጹ ደለይቲ ፍትሕን: ‘እዚ ሓሶት ምኳኑ ዝምግቱን ብርጌድ ንሓመዱ ‘ሽበራዊ ጉጅለ”ዩ ዝነቕፉ ደገፍትን ዝገብርዎ ዘለዉ ጎስጓስ እዩ::

ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝተፈላለዩ ማሕበረኮማት ባህሎምን ቋንቋታቶምን ንምዕቃብ ዝተፈላለዩ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ይገብሩ እዮም: መንግስታት‘ውን እዚ ፌስቲቫላትን ምትእኽኻባትን ክካየድ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ይገብራ እየን::

ኤርትራውያን ማሕበረኮማት‘ውን ከም ሰበን ናይ ዝነብራሉ መንግስታት ሓገዝ እናረኸባ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ንጥፈታት የካይዳ እየን::

እንተኾነ መብዛሕትኡ ብኤርትራውያን ዝካየድ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኢድ መንግስቲ ክኣትዎን ኣታዊ ፈቲቫላት ድማ ናብ ኤምባሲታት ኤርትራ ክኣቱ ጸኒሑ::

ከም ግቡእ ማሕበረኮማት ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ዝጥርንፋ ኢድ መንግስቲ ዘይኣትወን ነጻ ማሕበራት ክኾና እዩ ዝግባእ ኣብ ማሕበረኮማት ኤርትራ ግን ከምኡ ኣይጸንሓን ብኣንጻሩ ናይ ደገፍትን ቀጥታዊ ኢድ መንግስቲ ዝኣትዎን እዩ::

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣንጻር ፌስቲቫላት ክካየድ ብዝጸንሐ ተቓውሞታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝግበር ዘሎ ጎስጓሳትን፡ ዲያስፖራ ኤርትራ ብነዊሕ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ይዝወርን ኣብ ፍርሂ ዝነብር ከምዝኾነን ክገልጹ ጀሚሮም ዘለዉ ብዙሓት እዮም::

ካብዚ ብምብጋስ ሃገራት ኖርወይ: ስዊደን: ስዊዘርላንድ: ዴንማርክን ነዊሕ ኢድ ህግደፍ ኣብ ዲያስፖራ ንምብታኽ ዘኽእል ዝርርባት ኣብ ምክያድ ይርከባ ኣለዋ::