ኣስመራ፡ ጸጥታዊ ልዝብ መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን

መራሕቲ ኤርትራን ሶማልያን ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ተዘራሪቦም።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ሶማላዊ መዘናኡ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ'ቲ ሶማልያ ኣንጻር ዕጡቓት ኣልሸባብ ተካይዶ ዘላ መኸተ ከምዝተዘራረቡ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሶማልያ ብወገኑ፡ ዝርርብ ናይቶም መራሕቲ፡ "ኣገደስቲ ዞባዊን ዓለማዊን ኣርእስትታት" ዝተንከፈ ምንባሩ ይገልጽ።

ዝርዝር ነጥብታት ናይቲ ልዝብ እንታይ ምንባሩ ግን ብንጹር ኣይተፈልጠን።

እቲ ንክልተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሶማላዊ መራሒ ብኣአንጋዲኡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብእግሩ ክዛወር ተራእዩ ነይሩ።

ድሕሪ'ቲ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኤርትራን ሶማልያን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ሕውነታዊ ዝምድና'ዩ ዘለወን፡ ኤርትራ ንሶማልያ ትድግፋ ነይራ'ያ። በዚ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለና ምስጋና ዓቢ'ዩ" ኢሉ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ "ብዛዕባ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ምዕባለን ገስጋስን መብርሂ ንምሃብ'ያ ናብዚ መጺአ" ዝበለ ፕረዚደንት ማሕሙድ "ሃገርና ብኸመይ ካብ ኣሸበርቲ ሓራ ከነውጽኣ ከምእንኽእል ምኽሪ ምርካብ" እውን ሓደ ካብ ዕላማታት እቲ ምብጻሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

"ኤርትራ ብዛዕባ ህንጸት ሃገርን መንግስትን፡ ከምኡ'ውን ህንጸት ጸጥታዊ ጽላት እኹል ተመክሮ'ዩ ዘለዋ። ስለዚ [ፕረዚደንት ኢሳይያስ]ን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ዘለዎም እኹል ተመክሮ ከካፍሉና ጸኒሖም'ዮም"

ኤርትራ ንወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ምስልጣን ዘርኣየቶ ምትሕብባር ዝነኣደ እቲ ሶማላዊ መራሒ "ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ዝበዝሓ ሃገራት ዘይገበርኦ [ኣበርክቶ] ትገብር ኣላ" ክብል ተዛሪቡ።

ድሮ ዑደቱ ወዲኡ ሎሚ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ፕረዚደንት ማሕሙድ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ጥራይ ንካልኣይ ግዚኡ'ዩ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

እቲ ሶማላዊ መራሒ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ኣስመራ ብምብጻሕ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ምስቲ ደጋፊን መሓዛን ሶማልያ ኮይኑ ዘሎ ኤርትራዊ መዘናኡ ተላዚቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪን ወተሃደራዊ መዓስከርን ዝህብ፡ ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ነታ ርእሰምምሕዳር ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል ዝሞቓድሾ ዘቖጠዐ ስምምዕ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ፕረዚደንት ማሕሙድ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ተጸሚዱ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣስዒቡ ዘሎ ስምምዕ፡ ኣብቲ ዞባ ብሓፈሻ ናብ ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከየምርሕ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ጥሪ ርክቦም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ንሓያለ ተዂታዂ ኣጀንዳታት ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምሃብ ብምሕያብ፡ ብትዕግስትን ሃናጺ መንፈስን" ክሕዝዎ ከምዝተረዳድኡ ኣፍሊጦም ነይሮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ወርሒ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን-ኢጣልያን ንምስታፍ ኣብ ሮማ ኣብ ዝነበርሉ'ውን ክልትኣዊ ርክብ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።

ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ጋሻኡ ሓሰን ሸኽ ሳልሕን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብእግሮም እናዞሩ

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL/X

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ካይሮ ብምብጻሕ ምስቲ ልኡላውነት ሶማልያ ከይድፈር ክጽውዕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ተራኺቦም ነይሮም።

ኣብቲ ብ21 ጥሪ 2024 ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ርክብ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲን ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን፡ “ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሶማልያ ይዅን ጸጥታኣ ዝፍጠር ዝዀነ ይዅን ስግኣት ከምዘይትጻወር" ብምግላጽ፡ ሃገሩ ጣልቃ ክትኣቱ እንተ ተሓቲታ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ክትስለፍ ምኻና ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ናብ ካይሮ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ኢሳያስ'ውን፡ ኣብ ጉዳያት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ኵነታት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ ምስ ኣል-ሲሲ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ካብ 2018 ንድሓር ምስ ሞቓድሾ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጀመረት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተስልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ቀዳማይ ዙርያ ሰልጠንቲ'ውን ኣብቲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝካየድ ስርሒታት ይሳተፉ ምህላዎም ይግለጽ።

ብድሕሪኡ'ውን ኣብ ኣሃዱታት መካናይዝድ፡ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ የርን ዝስልጥኑ ሶማላወያን ናብ ኤርትራ ተወሲዶም ነይሮም።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ'ውን ኣብ ጥቅምቲ 2023 ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ምስቶም ተዓለምቲ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ሕዳር ናይቲ ዓመት'ውን፡ ኣብ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ፈላሚ ኣምባሳደር ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዑመር ሸኽ ዓሊ ኢድሪስ ወረቐት ስርሑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣረኪቡ ነይሩ።

ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ ሶማልያ ምስ ምውዳቕ ስርዓት ሲያድ ባረ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ዘይደቀሰ ኣዕናዊን ደማዊን ኲናት-ሓድሕድ ብምሽማማ፡ ክልቲአን ሃገራት ንቡር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክምስርታ ዕድል ከይረኸባ'የን ጸኒሐን።

ስርዓት ሲያድ ባረህ ንቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ይድግፍ ብምንባሩ ብዙሓት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ናይ ሶማል ፓስፖርትን ዜግነትን ተዋሂብዎም ካብን ናብን ሜዳ ኤርትራ ይንቀሳቐሱ ምንባሮም ይግለጽ።