በቲ ኩነታት ዝተቖጥዑ ገለ ኤርትራውያን ከምዚ ዓይነት መግለጺታት "ዓሌታዊን ሓደገኛን" ብምዃኑ ደው ንምባል ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ጠሪዖም።
ኣብቲ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብረቡዕ ዝተዋህበ ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰልፊ ዝበየኖ መቕጻዕቲ'ኳ እንተዘየለ፡ ከምኡ ዓይነት ናይ ጽልኢ መግለጺታት ከየውጽእ ከምዝኣዘዘ ሓደ ካብቶም ነቲ ክሲ ኣብ ምምስራት ግደ ዝተጻወተ ሳምሶን የማነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ሉዛን ዝኾነ ሳምሶን፡ እቲ ንኤርትራውያን ማሕበረሰብ ስክፍታ ዝፈጠረ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ተወሲዱ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክረክብ ምኽኣሉ "ከም ዓወት ኢና ንርእዮ" ይብል።
ንኤርትራውያን ዝሓቖፈ ሓደ ማሕበር'ዩ ብመገዲ ጠበቓታት ነቲ ክሲ መስሪትዎ። ስደተኛታት ንዘጋጥም ብድሆታት ብሕጋዊ መንገዲ ክቃለስዎ ከምዝኽእሉ ንምርኣይ ዝዓለመ ምንባሩ'ውን ሳምንሶን ይገልጽ።
"ኣብ ኩለን ሃገራት ንዘለዉ ኤርትራውያን፡ ሱቕ ምባል ጽቡቕ ኣይኮነን። ተኣኪብና ብሓንሳብ እንተሰሪሕና፡ ዝኾነ ናይ ጽልኢ ዘረባ ክትንክፈና እንከሎ ናብ ቤትፍርዲ ክንከይድ ኣለና።
"ሕጊ ኣሎ፡ ሕጊ ኸኣ ንኹሉ ሰብ'ዩ፡ ስለዚ ክንጥቀመሉ ኣለና" ይብል።
ኣብ ስዊዘርላንድ ልዕሊ 30,000 ኤርትራውያን ከምዘለዉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።
በርን፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ናብታ ሃገር ብምእታው ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪቦም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ኤርትራ ክትቅበሎም ፍቓደኛ ስለዘይኮነት ንኣስመራ ትህቦ ዝነበረት "ልምዓታዊ ሓገዝ" ከተቋርጽ ከምዝተገደደት ኣፍሊጣ ነይራ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ፍሉይ ወኪል ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሲልቨይን ኣስቴር ናብ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ሓያለ ሰብመዚ ኤርትራ ተራኺቡ ነይሩ።
ምብጻሕ ናይቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ምስ ጉዳይ ምምላስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሓሓዝ ምስሕሓብ መፍትሒ ከናዲ ትጽቢት ተገይሩሉ ነይሩ።
"ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ጎደናታትን ካፈታትን [ኣስመራ] ብቐጥታ ክዛረብ ዕድል ረኺበ ነይረ። ብዘለዎም ክፉትነት፡ ለውሃትን ሰላማዊ መንፈስን ኣዝየ ተመሲጠ። ንዝገበርኩምለይ ኣቀባብላ የቐንየለይ፡" ክብል እቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ ነይሩ።
እቲ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክራኸብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ስዊዘርላንዳዊ ወኪል፡ ምስ ሚኒስተራት ወጻኢን ዜናን ተራኺቡ'ዩ ተመሊሱ።
ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ ስደተኛታት ይኹን ዝተቛረጸ ሓገዝ ስዊዘርላንድ ግን ኣይጠቐሰን።