እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ እቶም ዝሓሸ ህይወት ንምንዳይ ኣብ ዘካየዱዎ ጕዕዞ ግዳይ ኣሰጋገርቲ ሰባትን መዳጐኒ ማእከላትን ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዝወረዶም በሰላ ንንያቶም፡ ጽንዓቶምን ተስፋ መጻኢኦምን እውን እትገልጽ እያ።
ሳሮን፡ ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዘሕለፈቶ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይራ ኣላ።
ህይወታ ኣብ ውሑስ ቦታ ንምቕማጥ ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ሓሲባቶ ብዘይትፈልጥ መንገዲ ክትጓዓዝ ተቐሲባ። እታ፡ "ኣደኻ ከም ዝለኣኸትካ ኣይኰነን ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ እዩ፡" እትብል ፍልጥቲ ምስላ መሊኣ ከይሰምዓታ እያ ኣብ እግሞ ዕድመኣ ብልዑል ዓቐን ክትፈልጣ ተገዲዳ።
'ምስ ስድራቤተይ ዘየሰማምዕ ነገር ስለዝነበረና ካቦኦም ንክርሕቕ ገና ጓል 15 ዓመት እንከለኹ ንሊብያ ክኸይድ ወሲነ።' ትብል ሳሮን ገና ካብ ኵትትና ናብ ጕርዙውና ከይተሰጋገረት፣ ከይተዳለወት ነቲ መዘዙ ዘይሰተውዓለቶ ምርጫ ምውሳዳ ትዛረብ።
እንተዀነ፡ እቲ ምርጫ'ውን ካልእ ዝበኣሰ ዕጫ ቀሪቡላ ምጽንሑ ኣይፈለጠትን።
ገና ኣብ ሸዊት ዕድመኣ ኣብታ ብዙሓት ከም ገሃነመ-እሳት ዝገልጹዋ ሊብያ፡ ዓቕሚ ሄዋን ዝበጽሐት እኳ ንዘይትጸሮ ሽግራት ተቓልዐት።

ምንጪ ስእሊ,Saron
ሳሮን ጌታቸው ቈልዓ እንከላ ካብ ኤርትራ ውጺኣ ኣብ ኬንያ ትመሃር ብምንባራ ፓስፖርትን ቪዛን ነበራ።
ዘይ ከምቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ከኣ ብስግረዶብ ዘይኰነስ ብሕጋዊ መንገዲ እያ ኣብ ለካቲት 2015 ካብ ኣስመራ ናብ ካርቱም ዝበረረት።
ስድራቤታ ብዙሕ ግዜ 'ተመለሲ' ኢሎም ተጣርዑ፣ "ሽዑ ምጥፋእ ጥራሕ'የ ዝደሊ ነይረ፡" ትዝክር። ኣብቲ ግዜ'ቲ ምስ ስድራቤታ ዘየሰማምዕ ኵነታት ከም ዝነበራ'ውን ትገልጽ።
ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ስደትን ስደተኛታትን ክትሰምዕ ጀመረት። ምስቲ ክትምለስ ድላይ ዘይነበራ ድማ መንገዲ ሊብያ ዝያዳ ዘርሕቓ እንኮ ኣማራጺ ኰይኑ ተራእያ።
እቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን እቲ ጕዕዞ ቀሊል ምዃኑ ነገሩዋ፤ ብሰሃራ ኣርባዕተ መዓልታት ተጓዒዝካ፡ ከባቢ ሓሙሽተ ሰዕታት ድማ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቕካ ብመንገዲ ቀይሕ መስቀል ናብ ኤውሮጳ ትኣቱ። ነዚ ዘድሊ ዋጋ ድማ 3500 ዶላር ( 1500 ናይ ሰሃራ 2000 ድማ ናይ ባሕሪ ) ምዃኑ ሓበሩዋ።
ብዘይ ፍታው ስድራቤታ ስለ ዝኸደት፡ ክትከፍል ከም ዘይትኽእል ምስ ነገረቶም፡ ድሕሪ ምእታዋ ክትከፍል ከም እትኽእል ነገሩዋ'ሞ መንገዳ ጀመረት።
እቲ ግዜ'ቲ፡ 33 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘሰቅቕ ግፍዒ ኣብ ሊብያ ብዳዕሽ ዝተሓርድሉ ኣዝዩ ጽንኩርን ዘፍርሕን እዋን እዩ ዝነበረ።
ጕዕዞ ናብ ሊብያ
በታ ዝለኣኹላ ምኒባስ ኣብ ሓደ ገዛ ምስ በጽሐት፡ ጃኬት፡ ቈብዕን ጓንትን ሃቡዋ።ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ናብ ኡምዱርማን - ሱዳን ኣብጽሑዋ።
"ኣብ ኡምዱርማን ብዙሓት ሰምሰርቲ እዮም ዘለዉ፣ ሓንሳእ ኣብኡ እንተ ኣቲኻ ንድሕሪት ምምላስ የሎን፡" ትብል።
ኣብቲ መንገዲ፡ ፖሊስ ሱዳን፡ "ንብረትና ፋሕ-ፋሕ ኣቢሎም ኣዋርቕናን ገንዘብናን ራስዮምና። ነተን ኣዋልድ'ውን ይተናኽፍወን ነይሮም፡" ብምባል፡ እቲ መንገዲ ዘይከምቲ ዝበሉዋ ውሑስ ዘይምዃኑ ቍሩብ ክስወጣ ከምዝጀመረ ትገልጽ።
ትሽዓተ መዓልታት ድሕሪ ዝወሰደ ከቢድ ጕዕዞ ሰሃራ ድማ ኣብ ዓስራይ መዓልታ፡ ኢታብያ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ናይ ሊብያ ኣተወት።
"ናብ ኢታብያ፡ ብመንገዲ 'መዝራዓ' ዓብዱሰላም ኢሎም ብዝጽውዕዋ እየ ኣትየ። እዚ ሰምሳሪ ክሳዕ ሕጂ እዩ ዘስግር ዘሎ።"
ቀጺላ፡ "ኣብኡ ምስ ኣተና ሓውሉ እናበሉ ምቕጥቃጥ ጀሚሮም። ሓወይ ድማ ቀልጢፉ ከፊሉለይ። ገዛና ድማ ካብ ኤርትራ ደዊሎም ወድሓወቦይ ኣብ ሊብያ ከም ዝተሓርደን ክርስትያን ምዃነይን ክፍለጥ ከም ዘይብለይን ብምንጋር፡ 'ሳሮን ኣብ ሕማቕ ቦታ ኢኺ ኣቲኺ ዘለኺ ተጠንቀቒ' ኢሎምኒ፡" ትብል።
እታ ንእስቲ ሳሮን ሽዑ'ውን ቀልጢፉ ዝሓልፍ ደኣ መሰላ'ምበር፡ ንሳውን ክጭወ ይኽእል እየ ኢላ ስለዘይሓሰበት ክሳብ ክንድኡ ኣኽቢዳ ኣይረኣየቶን።

ምንጪ ስእሊ,ሳሮን
ህይወት ኣብ መዝርዓታት እንታይ ይመስል?
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ብሓደ ከም ዝሕዙዎም እትገልጽ ሳሮን ፈለማ ምስ ረኣየቶም ከም ዝሰንበደት ትዝክር።
"ኵሎም ኣዕጽምቶም ጥራሕ ተሪፉ፡ ቆርበት ዝተጠቅዓሎም እዮም ዝመስሉ። መግቢ ሓንሳብ ኣብ መዓልቲ ኰይኑ፡ ጨው እኳ ዘይብሉ ዝተጠጠቐ ማኮሮኒ እዩ። ኣብ ሓደ መኣዲ ዓሰርተ ሰባት ኢኻ እትቕረብ። ተመናጢልካ እንተ ዘይበላዕካ ድማ ጾምካ ትውዕል። ምስቶም ዝኸፍለሎም ስኢኖም 2/3 ዓመት ገበሩ ሰባት ድማ ክትቀዳደም ኣይትኸእልን ኢኻ። ኣዝዩ ክፉእ ኣተሓሕዛ እዮም ዝሕዙኻ።ካብ ምሒር ርስሓት ቍማልን ሓካኪንን ኣሎ፡" ብምባል ንድሕሪት ተመሊሳ ብዝምዝካር ተዘንቱ።
"ኩሎም ኣዝዮም ጨካናት እዮም። ኣብ ኵሉ እቲ ጕዕዞ ኣዋልድ ይዕምጹ ነይሮም። ኣነ በተን ዝኸእለን ሒደት ዓረብ ድማ ንገሊኦም ኣነ ንእሽቶ ጓል 15 ዓመት እየ በጃኩም ይብሎም፣ ንገለ ድማ መታን ክድንግጹለይ ኣኮይ እናበልኹ ነብሰይ ከድሕን ይፍትን ነይረ።" ትብል።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መንገዲ፡ ማይ ኣብ ዝባኖም ሃሪሙ ኣብ ዝባኖም ክጽሒ፡ ህጻውንቲ ድምጺ ከይገብሩ ተባሂሉ መድሓኒት መደቀሲ ይህቡዎምን ኣብቲ ዘራግፍሎም ቦታ ምስ በጽሑ ድማ ኣብ ናይ ስሚንቶ በጣሓት ይዓጽውዎምን ስለ ዝነበሩ፡ ገለ ሰባት ሞይቶም ይጸንሑዎም ምንባሮም ተዘንቱ።
ኣብቲ ናይ ዓብዱሰላም መኽዘን መዝራዓ ኰይኖም ናብ ባሕሪ ክኸዱ እናተጸበዩ ከለዉ፡ ድሕሪ ሰሙን ካልእ ዱቦላ ወደቖም።
"ብድቁስና ከለና ሊብያውያን ኣትዮም ቶኽሲ ከፊቶም ቸውዮም ወሲዶምና።ሓንቲ ናይ ፖሊስ መኪና ስለ ዝርኣና በቲ ጉዳይ ማእሰርትና መሲሉና ነይሩ። ድሒርና ከም ዝፈለጥናዮ ግን ኣባላት ናይቶም ብኣመሪካ ከይተረፈ ዝደለ ዝነበረ militia,Islamic state እዮም ነይሮም፡" ብምባል ኣብ ኢዶም ከም ዝኣተዉን ናብ ታጁራ ከምዝወሰድዎምን ትገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ድሕሪ ምእታዋኸ?
"ምሸት መጺኦም ነዚአን ትሓርደን ክሳደን ትቖርጸን እናበሉ ብረባሺ ድምጺ ይህድዱና ነይሮም። ሽዑ ነተን ሙስሊም ካብተን ክርስያን ፈላልዮምና። ኣብ ምዕማጽ ክኸውን ከሎ ናብተን ክርስትያን እዮም ዝመጽኡ ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ምሸት ምሸት ኣዋልድ ክጠፍኣና ጀሚረን። ዓሰርተ ኴንና ንድቅስ'ሞ ሸሞንተ ኴንና ንጸንሕ፣ ናብይ ከይደን እንተ በልካ ዝፈልጥ የሎን። ብዙሓት ሰባትውን ቀቲሎምልና ።" ክትብል ነቲ እዋን ጸበባ ትዝክር።
"በቲ ወዲ -ሓወቦይ ተሓሪዱ፣ በቲ ድማ ሓንቲ ክትጠፍእ ሓንቲ ክትዕመጽ እርኢ ኣለኹ። ስለዚ፡ ነፍሰይ ከድሕን ቀልጢፈ ሙስሊም ክመስል ወሲነ፡"ብምባል ምስቶም ኣመንቲ እስልምና ክትቀርእን ክትሰግድን ከም ዝጀመረት ትገልጽ።
"ኣደንዛዚ ዕጸፋርስ ወሲዶም መጺኦም ጓል ጐቲቶም ይኸዱ፡ ዝሓቶም የልቦን። ነተን ክርስትያን ገለ ኤች ኣይ ቪ ኣለና እናበላኦም፡ ገለ ኣብ ቅድሚ ሰብኡተን እንከይተረፈ ዝዕምጽወን፡ ጨካናት እዮም። ስለዚ፡ ኣነ ኣብታ ከምኡ ፈተና ዘጋጥመኒ ሰዓት፡ በቃ ንዅልና ቀቲሎም ይዓምጹኒ'ምበር፡ ፈጺመ ክዕመጽ ኣይፍቅድን ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረኒ፡ ወይ ኡይ ኢለ ኵልና ከም እንትሓዝ ክገብር'የ ወይ ድማ ቀቲሎም ድላዮም ይግበሩ እየ ዝብል ነይረ፡" ትብል።
ምስልምና ድሕሪ 'ምቕባላ' ድማ ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ከም ዝተግብረላን ኣብ ሊብያ ብፍጹም ከም ዘይተዓመጸትን ትዛረብ።
"ኣብቲ እዋንቲ፡ እተን ዘይፈልጣኒ ናይ ብሓቂ ናብ ምስልምና ዝቐየርኩ ዝመሰለን ገለ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ይጸልኣኒ ነይረን፡" ብምባል ብገለ ሸነኽ ተነጽሎ ከም ዘስዓበላ ትገልጽ።
'ድሕሪ ሊብያ፡ እምነት ዝበሃል ካብ ውሽጠይ ጠቕሊሉ ወጺኡ'
ሳሮን ብኽርስትያናዊ ስርዓትን ክብርታትን ተመልሚላ'ኳ እንተ ዓበየት፡ "ሊብያውያን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ሓፍ ኣቢሎም ናብ መንደቕ ከላግዑ፡ መሳኪን ብጽምኢ ክሞቱ፡ ክቕተሉን ኵሉ ግፋዒታት ክወርዶምን፡ ሰባት ክሕረዱ፡ ህጻውንቲ ክዕመጻ እንከለዋ. . ." ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ ክሳዕ ምባል ከም ዝበጽሐት ትገልጽ።
"ኣነ ድሕሪ ሊብያ እምነት ዝበሃል ካብ ውሽጠይ ጠቕሊሉ እዩ ወጺኡ። ሕጂ ድማ ኣነ ጭው ዝበልኩ 'አተይስት' [ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምን] እየ፡" ትብል።
ምስልምና ድሕሪ 'ምቕባላ'፡ ብተዛማዲ ስለ ዝኣመኑዋ ቈልዑ ናብ ክሕምና ክትወስድ ኣብ ዝልእኹዋ ዝነበሩ እዋን፡ "ጸለምቲ ሰባት ክሽየጡ እርኢ ነይረ፡" ክትብል ትጸዊ።
በዚ ምረት ክባቢ 3 ወርሕን ክልተ ሰሙንን ድሕሪ ምግባራ ፣ ዓቕላ ዘጽበበት ሳሮን ምስ ብጾታ ክትሃድም እኳ እንተ ፈተነት፡ ክሰምረላ ግን ኣይከኣለን።
"30 ሰባት ክንሃድም ፈቲንና። ኣርባዕተ ተዓዊተን 26 ግን ስለ ዝሓዙና ንግሆን ምሸትን መቕጻዕቲ መሪሩና። ንዓብዱሰላም ድማ ወይ 26,000 ዶላር ስደድ ወይ 26 ሬሳታት ክንሰደልካ ምስ በሉዎ፡ ነቲ ገንዘብ ኣትሒዙ ንዝሰደዶ ኣውቲስታ ቀጥቂጦም ቀቲሎሞ። ንዓና ድማ ነቲ ሬሳ ኣልዕሎኦ ኢሎምና፡" ትብል።
ሳሮን፡ ነቲ ሬሳ ወሲዶም ኣበይ ከም ዝጕሕፉዎ ከም ዘይፍለጥን ምስቶም ሰባት ብዙሕ ስለ ዘይትፋለጥ ከም ዝተቐትሉ ፈሊጥካ ከለኻ ክትነግረሎምን ኣጸጋሚ ምዃኑ እያ እትዛረብ።
"ትሓዝን ግን በቃ፣ ንስምዒትካ ትቐብሮ፡" ክትብል ነቲ ክሳዕ ሕጂ ካብ ስእለ-ኣእምሮኣ ዘይሃሰሰ ግፋዕታት ሕንቕንቕ እናበለት ተዘክሮኣ ተካፍል።
እቶም ጨወይቲ ወጻኢታት ምስ በዝሖም፡ ተመሊሶም ከም ዝሸጥወንን ሓዋ ዳግማይ 2,000 ዶላር ከም ዝኸፈለን ትዛረብ።
ሳሮን 1,500 ናይ ሰሃራ፡ 2,000 ናይ ባሕሪ፡ ዳግማይ ስለ ዝተጨውየት 2,000፣ ብጠቕላላ 5,500 ዶላር እዩ ተኸፊሉላ።
ኣብ ከቢድ ኵነት ኣብ ዝነበረትሉ ድማ እታ ናብ ባሕሪ ዝወስዱዎም መዓልቲ በጽሐት።
ብምሸት ድማ ናብ መርከብ - ኣብ ሞተር ከይተረፈ - ብምጽዓን ኣበገሱዎም። መንገዲ ምስ ጀመሩ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ጌጋ ኣንፈት ይኸዱ ምህላዎም ሓበሩዎም።
ሽዑ'ውን፡ እቲ ጕዕዞ ባሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት እዩ ዝወስድ ዝበሉዋ ሓሶት ምንባሩ በርሃላ።
"ኣብታ ናይ ዓቕሊ ጽበት ህሞት ናብ ቀይሕ መስቀልን ናብ ሜሮን እስቲፋኖስን (ተሓላቒት ሰባኣዊ መሰላት) ደዊልና። ሃንደበት ከኣ ናይ ጀርመን ናይ ውግእ ሳብማሪን ቀስ ኢላ ናባና ቀረበት። መጀመርታ ቪድዮታት ቀዲሖምና፣ ጸኒሖም ድማ ኣድሒኖምና። ነቶም ኣዝዮም ዝተዋልኡ ብሄልኮፕተርን ፈጣናት ጀላብን ገይሮም ናብ ላምፐዱሳ ወሲዶሞም። ነቶም ደሓን ዝነበርና ከኣ ንስሲልያ ኣእትዮምና።"
በዚ ድማ ጕዕዞ ቀሊል'ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ፈጣሪ ትረፊ ኢሉዋ ድሕሪ ዓሰርተ ሰዓታት ክድሕኑ ኪኢሎም።

ምንጪ ስእሊ,ሳሮን
በደላትን ወጽዓን ዝወለዶ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ነውጽን
ዝሓለፈ በደላትን ወጽዓን ድማ ብብዙሕ ኣሰንባዲ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ነውጽን ከም ዘትረፈ ርዱእ እዩ።
እዛ ኣብ ጭልቅዕ ዕድመኣ ብዙሕ ዝረኣየት ሳሮን፡ መጠረሽታኡ ካብ ጥልያን ናብ ስዊዘርላን ጸኒሓ'ውን ኣብ ሽወደን ዕቝባ ብምሕታት፡ ናብራ ኤውረጳ ኣሃዱ ኢላ ፈለመቶ።
ሕብረተሰብና ኣብ ስነአእምራዊ ጸቕጥን ፍወሳኡን ዘለዎ ኣፍልጦ ድሩት ስለ ዝዀነ፡ ሳሮን ዝርድኣላ ኣይረኸበትን።
ስለዝኾነ ዝኽርን በሰላን ሊብያ ፈኸም እናበለ ኣብ ጭንቀት ክሸማን ድቃስ ክኸልኣን ምስ ጀመረ ጀመረ ፣መደቀሲ መሃኒት እናወሰደት ክትድቕስ ትፍትን ምንባራ ተዘንቱ።
ሳሮን ወላውን ሕክምናዊ ሓገዝ ክትሓትት ኣብ ዝፈተነትሉ 'ሪጋ ተጽበዩ' ኢሎምኒ ብምባል ቅልጡፍ ሓገዝ ከይረኸበት ከባቢ 2 ዓመት ከምዝወሰደት ትዛረብ።
"ኣብቲ መጀመርታ ንዓይ'ውን ይርድኣኒ ኣይነበረን። ኵሉ እቲ ጸገማት ኣብ ጠባየይ ይገሃድ ነይሩ። ብዝዀነን ዘይኰነን እየ ምስ ኣዝየ ዝፈትዎምን ዝቐርቦምን ሰባት ዝበኣስ ነይረ።" ብምባል ካብ ጭንቀትን ተዘክሮ ሊብያን ንምርሓቕ ኣብ መስተን ካልእን ክትሕባእ ከም ዝጀመረት ትገልጽ።
ነቲ ባዶነታ ዝመልእ ስለ ዘይነበራ ከኣ ክሳዕ ነፍሰ-ቕትለትውን ፈቲና ምንባራ ትገልጽ።
ኣብ መጨረሽቱ ግን ዝተፈላለየ ሓልዮትን ሕክምናዊ ክንክንን ስለዝረኸበት ፒቲኤስዲ፡ ባይፖላር፡ ሶሻል ኣንዛይቲ፡ ሱሳይዳል እናበሉ በብሓደ ዳህሳስ ብምግባር ሓገዙዋ።
"በሰላ ሊብያ ዋላ ክትርስዖ ፈቲንካ ዘይርሳዕ እዩ፡" ሕብረተሰብና ድማ ብዙሕ ስምካን ዘይስምካን ክህቡኻ፡ እውይ ተዓሚጻ/ጹ ክብሉኻ ይኸእሉ እዮም። ሰብ ግን ምባሉ ስለ ዘይተርፎ፡ ክትሓብኦ ብዝፈተንካ መሊሱ እናበአሰ ናብ ካልእ ስነኣእምራዊ ጸገማት ስለ ዘእትወካ ኣብ ፍወሳ ከነተድህብ ኣለካ፡'' ክትብል ትመክር።
"ነቶም ንቐርቦም እቲ ዝሓለፍናዮ ምስ እንነግሮም ብዙሓት ክሕግዙና ዝኸእሉን ዝደልዩን ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ምሕዋይና ይቕልጥፍ'ዩ። እንድሕር ተዓሚጽኩም/ተዓሚጽክን ድማ ተዛረቡ ስቕታ መሊሱ እዩ ዝጐደእ፡" ብምባል ሓገዝ ክሓቱ ተተባብዕ።
'እቲ ተቐቢሩ ዘሎ ሓቅታት ክወጽእ እዩ'
ሳሮን ካብ ሊብያ ካብ እትውጸእ ድሮ 10 ዓመታት ኣቝጺራ ትርከብ።
ብሰንኪ ሕሉፍ በሰላ ሊብያ ድማ ንመሰላት ከምኣ ስደተኛታት ትቃለስ፣ ድምጺ ኣብ ምዃንን ምንቃሕን ትዓዪ ኣላ።
ብዘይካዚ፡ 'ዘይሓላፍነታውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ' ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ትሰርሕ።
"ኣነ ብዛዕባ ሊብያ ዝዀነ ይዅን ፍልጠት ስለ ዘይነበረኒ፡ መግቢ ኰነ ስንቂ ከይሓዝኩ መሕንበሲ ጥራይ ሒዘ እየ ተበጊሰ፡" ብምባል'ውን ከምኣ ሰኣን ኣፍልጦ ከይታለሉ ብማለት ካብ ተመኵሮኣ ተበጊሳ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራከቢታታ ወጽዓኦም ክቃላሕን ንቕሓት ስደተኛታት ክብርኽን ትጽዕር።
"ሰምሰርቲ ኣይትእመኑ። ከም ሰብ ዘይኰኑስ ከም ሰልዲ እዮም ዝሓስቡኻ፡" ድማ ትብል።
'ኣብ ሰሃራ ቀቢርናዮም ዝመጻእና ብዙሓት እዮም። ኣደታቶም ድማ ክፈልጣ ይግብአን እዩ። ኵልና ብሊብያ ዝሓለፍና ድማ እዚ ኣብ ሊብያ ክሳዕ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ግህሰታት ደው ክብልን ኵሉ ሓቅታት ክወጽእን ክንጽዕር ስለ ዝግብኣና ኣነ ንምንታይ ዘይጅምሮ ኢለ እየ ጀሚረ። ጕዕዞ ሊብያ ደው እንድሕር ኢሉ ድማ 'እቲ ተቐቢሩ ዘሎ ሓቅታት ክወጸእ እዩ' ብምባል ቀንዲ ዕላማኣ ተረድእ።
ሳሮን ኣብዚ እዋንዚ፡ "Kidnapped in Libya" (ኣብ ሊብያ ተጨውየ) ዘርእስታ ቦኽሪ መጽሓፋ ኣብ ምሕታም በቒዓ ትርከብ።