ርእሰ-ቅትለት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ መጠንቀቕታ ኩነታት መንእሰያት ስደተኛታት'ዩ- ዳዕሮ

ፖሊስ ዓዲ-እንግሊዝ ምስ ሞት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓታቲ ዑቕባ ብዝተሓሓዝ ዝኸሶ ሰብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ፡ ኣብ 2021 ኣብቲ ተዓቚብሉ ዝነበረ ኣብ ከተማ ኮቨንትሪ ዝርከብ 'ካሉዶን ማእከል'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ።

ዳዕሮ ዝተባህለ ንመንእሰያት ስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር ከምዝበሎ፡ ሞት ናይቲ መንእሰይ መርኣያ ናይቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ርእሰ-ቅትለታዊ ሞት ሓተትቲ ዑቕባ ምዃኑ የጠንቅቕ።

ኣካያዲ ናይቲ ማእከል ዝኾነ መንግስታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ናይታ ከተማን ከባቢኣን (NHS)፡ ኣብቲ ዝግበር መርመራ ከምዝተሓባበር ገሊጹ'ሎ።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ፡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተሓተቱን፡ እንተኾነ ግን ክሲ ንምቕራብ እኹል መርትዖ ከምዘይተረኽበ ፖሊስ ምዕራባዊ ሚድላንድስ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ናይ ምስ ስድራቤት ሄኖክ ዝተሓጋገዝ ዘሎ ማሕበር ዳዕሮ ፕሮጀክት መንእሰያት (Da'aro Youth Project,) ዝኾነት ሳራ ሮብሰን፡ በቲ ውሳነ ከምዝሰንበዱን ከምዝጓሃዩን ተዛሪባ።

ሄኖክ ኣብቲ ውሕስነት ክረኽበሉ ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ቦታ ይእለ ምንባሩ ዝጠቐሰት ሮብሰን፡ ክሲ ንምቕራብ እኹል ጭብጢ ኣሎ ኢሎም ክኣምኑ ከምዝተገብሩ ትገልጽ።

"እቲ ጸገም ኣብ ምንታይ ከምዝነበረ ኣይተነጸረን፡ እዚ ድማ ዘሰክፍ'ዩ"።

"እኹል ትምህርቲ ኣይተወሰደሉን" ክትብል ነቒፋ።

ካብ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ንምህዳም ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ናብ ስደት ዘምርሐ ሄኖክ፡ ኣብ 2020 እዩ ናብ ከተማ ኮቨንትሪ ኣትዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ክነብር ብምብሃግ፡ ብመንገዲ ሱዳን፡ ምድረበዳ ሳሃራ ኣቋሪጹ ናብ ሊብያ ብምእታው፡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሩ ኣውሮጳ ኣትዩ።

ብ12 ነሓሰ 2021 ድማ ኣብቲ ዝእለየሉ ዝነበረ ማእከል ሞይቱ ተረኺቡ።

ሒደት መዓልታት ቅድሚ ምማቱ፡ ሕጊ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ምርኩስ ብምግባር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ዩ ናብቲ ማእከል ተወሲዱ።

"ኩሉ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ፡ እቲ ስድራቤት ነቲ ስርዓተ ሕጊ ንክርድእዎ ንሕግዞም ኢና ነይርና" ትብል ሳራ ሮብሰን።

ሄኖክ ዛይድ ገብረስላሰ

ምንጪ ስእሊ,ስድራቤት

ገባሪ ሰናይ ማሕበር ዳዕሮ፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣዕሩኽ መንእሰያት ተኸታቲሎም ርእሰ-ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሞም ዝቖመ'ዩ።

ወዲ 18 ዓመት ፊልሞን የማነ ኣብ ሕዳር 2017፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ወዲ 18 ዓመት ኣለክሳንደር ተኽለ ሞይቶም።

ወዲ 19 ዓመት ዑስማን ኣሕመድ ኑር ድማ ኣብ ግንቦት 2018 ኣብ ለንደን (ካምደን) ኣብ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝመሓደር መዕቆቢ ሞይቱ ተረኺቡ።

ካልእ ወዲ 19 ዓመት ሙሉእብርሃን መድሃኔ ክፍለየሱስ ድማ ኣብ ለካቲት 2019 ርእሰ-ቅትለት ከምዝፈጸመ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝተኻየደ መርመራ የመልክት።

"ነቶም ብዘይ ኣላዪ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም መንእሰያት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ክንሕግዞም ንፍትን" ትብል ሳራ።

"መብዛሕትኡ እዋን ዝፈልጥዎ ዘይብሎም'ዮም ዝኣትዉ፡ ተስፋ ብምቑራጽን ዝግደሰሎም ከምዘየለ ስለዝስምዖምን ህይወቶም ከጥፍኡ ይድረኹ"።

ብካርታ ዝዘናግዑ መንእሰያት ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ,DA'ARO YOUTH PROJECT

መግለጺ ስእሊ,

ዳዕሮ፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣዕሩኽ መንእሰያት ኣብ ኣብ ውሽጢ ተኸታቲሎም ርእሰ-ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሞም ዝቖመ'ዩ

ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ጥራይ ክልተ እቲ ማሕበር ዝሕግዞም ዝነበረ መንእሰያት ከምዝሞቱ'ውን ጠቒሳ።

ካብ 2020 ክሳብ 2024 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ዝመሓደር መዕቆቢ ዝነበረ 23 ሓተትቲ ዑቕባ ርእሰ-ቅትለት ምፍጻሞም ዝተረጋገጸን ዝተጠርጠሩን ከምዘለዉ፡ 'ሊበርቲ ኢንቨስቲጌትስ' ብዝተባህለ መርማሪ ጋዜጣዊ ጸብጻብ ዝሰርሕ ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ወዲ 27 ዓመት ሌዮናርዶ ፋሩኩ፡ ኣብታ 'ቢቢ ስቶክሆልም' ዝተባህለት ናብ መጽለሊ ስደተኛታት ዝተቐየረት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዶርሰት እትርከብ መርከብ ከዝሞተ ይፍለጥ።

ማሕበራትን ተሓለቒ መሰላት ስደተኛታትን፡ ንኣተሓሕዛ ሓተትቲ ዑቕባ ብሪጣንያ ዝግምግም ምጽራይ ክግበር ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ሓተትቲ ዑቕባ ዝጸንሕሉ ሆቴላት ንድሕነት ቆልዑ ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ዝገልጽ ጸብጻብ መንግስቲ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ እቲ መጸዋዕታ ቀሪቡ።

'እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም'

ቆልዑ ተኣለይቲ

ምንጪ ስእሊ,PA MEDIA

መግለጺ ስእሊ,

ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ቆልዑ ንምግምጋም ምጽራይ ክካየድ ተሓለቕቲ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም

ሓተትቲ ዑቕባ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ሓሊፎም ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣትዉ ሳራ ትዛረብ።

"ኣብ መንጎ'ቲ ወሃብቲ ኣገልግሎታት ዝህብዎን እቶም ሰባት ዝደልዩዎን ዓቢ ጋግ'ዩ ዘሎ"።

"እቲ ጸገም ከኣ እናገደደ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ'ምበር፡ ይምሓየሽ ኣይኮነን ዘሎ፡ ሓቂ ይሓይሽ። ዘሕዝን'ዩ" ትብል።

ኣብ ጉዳይ ሄኖክ ዕቱብ መርመራ ክካየድ ዝነበራ ተስፋ ከምዝማህመነ ድማ ትገልጽ።

እቲ ዝካየድ ምጽራይ፡ ወግዓዊ ተኸሳሲ ኣካል ክህሉ ተኽእሎ እንተሃልዩ እዩ ዝካየድ።

ሓላፊት ጉዳያት ኣገልግሎት ጥዕና ኮቨንትሪን ዋርዊክሼርን ዝኾነት ሜሪ ሙምቩሪ፡ "ብስም እቲ ትካል፡ ንስድራቤትን መሓዙትን መዋቲ ምጽንናዕ ክረኽቡ ዘለኒ ትምኒት እገልጽ" ኢላ።

"ነቲ ዝካየድ መርመራ ንምድጋፍ ምስቲ ዝምልከቶ 'ኮሮነር' ምስራሕ ንቕጽል ኣለና"።

ሰብመዚ ፖሊስ ግን፡ "ምሉእን ጽፉፍን" መርመራ ከምዘካየዱ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

"ሽዱሽተ ሰባት ቃለመሕትት ክግበረሎም እንከሎ፡ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎ መሰኻክር ብምእካብ መርመርቲ ንኩነታት ሞት [ሄኖክ] ከጻርይዎ" ከምዝፈተኑ መግለጺ ፖሊስ ይጠቅስ።

"ምስ ዘውዳዊ ኣገልግሎት ኣኽበርቲ ሕጊ ተላዚብና፡ ግና ክሲ ንምምስራት እኹል መርትዖ ኣይረኸብናን"።

ኣፈኛ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ብወገኑ፡ "ኣብ ድሕነት ናይቶም እናኣልዮም ሰባት ልዑል ተገዳስነት ኣለና- ኣብ ኩሉ ደረጃታት መስርሕ ምሕታት ዑቕባ- ፈለማ ካብ ዝኣትዉ ኣትሒዙ ክሳብ ናብ ካልእ ቦታ እንተተወሲዶም። ኣካይዳና፡ ድሌትን ተነቃፍነትን ሓትትቲ ዑቕባ ብምልላይ፡ እንኮላይ ጥዕና ስነኣእምሮን በሰላን" ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝሰርሑ ገሊጹ።