እቲ ኤምባሲ፡ "ኵሎም ኣባላት ሰራዊት [ኤርትራ] ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዶባትና ዳግማይ ተመሊሶም እዮም። ንዞባዊ ግጭት ተባሂሉ ዝዀነ ምንቅስቓስ ሰራዊት ድማ ኣይተኻየደን፡" ይብል።
ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኰነ ካልኦት ጐረባብታ ሃገራት ኣብ ግጭት ንምእታው ድሌት ከም ዘይብላ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ተወፋይነት ከም ዘለዋ ይገልጽ።
ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ድሕሪ ምሕርፋፉ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ሰፊኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዝጸንሐ ንደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝድርት "ተወሳኺ መምርሒታት" ብምውጽኡ፡ ምስዚ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ክዓርግ ዝጸንሐ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
መንግስቲ ኤርትራ ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ-ተባዕትዮ ናብ ደገ ከይገሹ ዝኽልክል መምርሒ ከም ዘለመሓላለፈ ኣብ ሚያዝያ ቢቢሲ ኣቓሊሑዎ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባዚ መምርሒታት ብወግዒ ዝዘርግሖ ሰነድ የሎን።
እቲ ኤምባሲ፡ እቶም ብሽማግለ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ - ብሕልፊ ብሰነተር ክሪስ ቫን ሆለን ከምኡ'ውን ብዓል ስልጣን ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ነበር ጆሹዋ ሜሰርቨይን - ንዝቐረቡ ክስታት፡ "ጭብጢ ኣልቦ፡" ኢሉ ብምዅናን፡ "ነቲ ኵነታት ብጌጋ ምግላጽ እዩ፡" ኢሉ። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብቲ ዞባ ሰለማዊ ዘተን ምትሕግጋዝን ኣብ ምድንፋዕ ትዅረት ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ኤምባሲ፡ ሰበስልጣን ኰነ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ እንተስ ብወግዓዊ ዝርርብ ይዅን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንምእታው ዝትዅቱኽ ዞባዊ ውጥረት ይፈጥሩ ኣለዉ ክብል'ውን ወቒሱ። ንውሳነ 2002 ውዕል ኣልጀርስ ብምጥቃስ ድማ እቶም ዘሰሓሕቡ ተባሂሎም ዝቐረቡ ቦታታት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ኣካል ኤርትራ ምዃኖም ሓቢሩ።
እዚ ዲፕሎማስያዊ መብርሂ ዝቐርብ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዞባ ቀጻሊ ወጥሪን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዊሕ ዝጸንሐን ዝተሓላለኸን ናይ ግጭት ታሪኽ ዘለወን ሃገራት እየን። እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ መንጎአን ዘካየደኦ ደማዊ ኲናት ብ1991 ብናጽነት ኤርትራ ድሕሪ ምዝዛሙ'ውን፡ ብ1998 ጀሚሩ ብ2000 ብውዕል ኣልጀርስ ክሳዕ ዘብቅዕ ዳግማይ ኣብ ኲናት ኣትየን ምንባረን ይዝከር።
እንተዀነ፡ ኣብ ኣተገባብራ ናይቲ ውዕል ክሰማምዓ ስለ ዘይከኣላ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ክሳዕ ዝመጽእ ኣብ ናይ "ኣይሰላም ኣይኲናት፡" ሃዋሁ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ሓድሕድ ብምውልዑ፡ ነቲ ዞባ ናብ ካልእ ዘይምርግጋእ ከም ዘእተዎ ይፍለጥ። ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ንሓይልታት ኢትዮጵያ ደጊፋ ኣብቲ ኲናት ድሕሪ ምስታፋ ብዙሕ ወቐሳታት ቀሪቡላ እዩ።
እዚ'ውን ኣብ ሕዳር 2022 ብውዕል ፕሪቶርያ ደው እኳ እንተ በለ፡ እቲ ወጥሪ ግን መሊኡ ክሃድእ ኣይተራእየን። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ግጭት ክኣቱ ከሎ፡ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ እናሓሽከረ ድሕሪ ምምጻእ ናብ ዕጽው ማዕጾ ዝበጽሐ ይመስል።