መንግስቲ ኤርትራ 78 እሱራት ተጋሩ ከም ዝፈትሐ ፖሊስ ገሊጹ

እቶም ዝነውሐ ዝተኣስሩ፡ "ኣርባዕተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ዝተኣስሩ፡" ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ኮማንደር፡ 272 እሱራት ከም ዝነበሩን ዝተረፉ ከም ዘለዉ ከም ዝገለጽሉን ሓቢሩ።

ንዅነታት ማእሰርቶም ኣመልኪቱ ድማ፡ "ገሊኦም ብስልኪ ተጸዊዕና ናብ መምሕዳር መጺእና፣ ገሊኦም ከኣ ትጥርጠሩ ኢኹም ንድሕነትኩምን ሓደጋ ከይበጽሓኩምን ተባሂልና፡ ሽዓ ምስ ኣተና ዝሓተተና ሰብ የሎን፡" ከም ዝብሉ ገሊጹ።

እቶም ተጋሩ ኣብ ዓዲ ኣቤቶን ማይስርዋን ኣብ ክልተ ቦታ ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ፡ ደሓር ናብ ሓደ ቦታ ተወሲዶም ከም ዝተኣሰሩ ንፖሊስ ካብ ዝሃቡዎ መረዳእታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ናብዚ ኢኹም ኣይበለናን፣ ጽዒኑ ወሲድና፡" ከም ዝብሉ'ውን ሓቢሩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ራማ ከም ዝርከቡን ብመስርሕ ነናብ ስድራኦም ክኸዱ ከም ዝግበርን ኮማንደር ጸጋይ ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ሰባት ግን ኣብ ኤርትራ ቤትን ንብረትን ስለ ዘለና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪብኩም ተመሊስና ክንከይድ ኣፍቀዱልና ከም ዝበሉ እቲ ኣዛዚ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓመታት፡ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ጨውዩ ብምውሳድ ደሃዮም ክጠፍእ ይገብር ምንባሩ ብወገን ሰበስልጣን ትግራይ ተደጋጋሚ ክሲ ክቐርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቶም ትማሊ ተፈቲሖም ክሳብ ሩባ መረብ ዝተፋነዉ ሰባት ግን፡ ዕጡቓት ዘይኰኑ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ስቪላውያን ምዃኖም ኮማንደር ጸጋይ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ካብ መንጎ እቶም ትማሊ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ 78 ዜጋታት እተን 6 ደቀንስትዮ እየን።

መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጕምቲ ምስ መራሕቲ ትግራይ ብዘይምዝርራብ በይናዊ ተበግሶ ምዃኑ እውን ተነጺሩ ኣሎ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራ ናብ ኤርትራ ተጨውዮም ዝተወሰዱን ገና ብኣማኢት ዝግመቱ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ሰባት ከም ዘለዉ'ውን ቅድም ክብል ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኣባላት ስደራን ካብ ገለ ዘምለጡን ሓቲቱ ሓደ ፀብፃብ ሰሪሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ ትግራይ ዝሰገሩ ኣባላት ስድራኦም፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ እቲ ኲናት ደሃዮም ዝጠፍኡ ክሳዕ ሎሚ ይሓቱሎም ከም ዘለዉ እውን ይንገር።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኰነ ሓቅነት ናይቶም ተጨውዮም ዝበሃሉ ክሳዕ እዚ ግዜ'ዚ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።