ንኤርትራ ዝገለለ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይካይድ

ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ናይተን ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ብሰኑይ 06 ግንቦት ጀሚሩ።

ኣብቲ ‘ቀይሕ ማዕበል – 7 ‘ ዝተምሰየ፣ ብነፈርቲን ኣጋር ሰራዊትን ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ጂቡቲ፣ የመን፣ ግብጺን ዮርዳኖስን ይሳተፋ ኣለዋ።

እቲ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንጉስ ፈይሰል ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝጀመረ ልምምድ፣ ክሳብ ዓርቢ 10 ግንቦት፣ ንሓሙሽተ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ንኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ሓቢራ።

ዕላማ እቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዘጋጥም ጸጥታዊ ብድሆታት ንምግጣምን ውሕስነት ክሊ ማይ እቲ ዞባ ኣብ ምውሓስ ንዝህሉ ኣበርክቶን ምትሕብባርን ንምዕባይ‘ዩ።

ኣብ ርእሲ‘ዚ፣ ንሃገራቶም ወኪሎም ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፉ ወትሃደራውያን መኮንናት ስልጠናታት ክህሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ብጠቕላላ ሸውዓተ‘ ንሳተን ድማ– ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስን እስራኤልን እኳ እንተኾና፣ ኣብዚ ሓባራዊ ልምምድ ዝሳተፋ ዘለዋ ግና ሓሙሽተ‘የን።

እስራኤል፣ ምስ ዝበዝሓ ሃገራት ዓረብን እስላምን ወግዓዊ ዝምድና ስለዘይብላ ካብቲ ሓባራዊ ልምምድ ክትንጸል እንከላ፣ ሱዳን ድማ ብሰንኪ ገጢሙዋ ዘሎ ኵናት ክትጽንበረን ኣይከኣለትን።

ብምዕራባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝነውሐ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትውንን ኤርትራ ግና ካብዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ኤርትራ፣ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ከምዘይትሳተፍ ይፍለጥ።