"ኣብዚ ዞባ ሃወኽቲ ስርዓታት'ውን ኣለዉ። ኵሉ ግዜ ዝርብሹ፡ ውግእ ዝሰብኩ፡ ልምዓትን ውህደትን ዘይፈልጡ፡ ግጭት ሞያ ዝመስሎም መራሕቲ ኣለዉ።
"ንሕና ተሓባቢርና ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና። ናይ መንግስትና ፖሊሲ ጸጥታ ወጻኢ'ውን ነዚ ዘመልክት፤ ብፍላይ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡" ይብል እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ።
ብወገን ኤርትራ፡ "ኣፍደገ ባሕሪ ሒዘ፡ ንዓኹም ከም ድልየተይ ክገብረኩም ዝብል ኣተሓሳስባ፡" ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ፊልድማርሻል፡ "ወሳኒ ኣጽዋር [ኣፍደገ ባሕሪ] ሒዝካ ነዚ ኵሉ [ህዝቢ ኢትዮጵያ] ከም ድልየትካ ክትገብሮ ምፍታን ቅኑዕ ኣይኰነን ዝብል ነገር ምስ መጽአ፡ ሕጂ ኩራ መጺኡ'ሎ፣ ፈንጠርጠር ኣሎ፡" ኢሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ናብ ዳግማይ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ኣንጸላልዩ ይርከብ።
ብወገን ኣዲስ ኣበባ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት መግለጺታትን ክወሃብ ዝጸንሐ ዀይኑ፡ ብወገን ኣስመራ'ውን ተደጋጋሚ ግብረ-መልሲ ከም ዝተዋህበ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዝተራእየ ዳርባ ቃላት'ውን ኣካል ናይቲ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ'ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያሰ ኣብ መበል 34 ዓመት ጽንብል ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ምትፍናን ወግዓውነት ኣልቢስዎ'ዩ።
"ንተጻብኦ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝፍሓስ ዘሎ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታትን'ውን ዘይፈለጠ የሎን፣ እንታይ'ዩ እቲ መደምደምታ? ተበጊሱ ዝነበረ ትስፉው ሃንቀውታ በኒኑ'ዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ፕረዚደንት ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ገሊጽዎ።
"ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ናይ ማያት፡ ናይ ኒልን ቀይሕ ባሕርን፡ ናይ ባሕሪ መስኮት፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘይውክል 'ኦሮሙማ' ስነሓሳብ፡ ኩሻውያንን ሴማውያንን ሕንቅልሕንቅሊተይ፡ ናይ ኢትኒካት ሓድሕድ ኲናት፡ ህዝቢን መሬትን ዓፈር ከም መድረኽ መጻወቲ ምምዝማዝ ወዘተ፣ እቲ ዕንደራን ምህውታትን ኣብ መወዳእታ ህድማ ንቕድሚትን ጥራይ'ዩ ክበሃል ዝከኣል፡" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ኲናታት - ሓንቲ ዘይኰነ ብዙሕ ኲናታት - ንምብራዕ ዝጓረት ዘሎ ቴክኖሎጂን ኣጽዋርን ምስ ዘሰንዮ ሕሱር ጃህራን ፈኸራን ምዝጉብ'ዩ፡" ይውስኽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግን፡ "ንኤርትራ ከይተረፈ ብሓባር ንስራሕ ኢልና ኢና። ባሕሪ ንዅልና ይዅን ኢልና ኢና፡" ክብል'ዩ ዝምጕት።
"ብዘይተለምደ መንገዲ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምምሕያሽ መንግስትና ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ'ዩ። እንተዀነ ግን ኣይተዓወተን።
"ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝነበረ ናይ ኤርትራ'ዩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ'ውን ብተደጋጋሚ ኢትዮጵያ 'ናይ ጆግራፊ እስርቲ' ኰይና ክትቅጽል ከም ዘይትኽእልን ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ክትረክብን መሰል ከም ዘለዋ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።ምስ ኤርትራ ንምስራሕ ሰፊሕ ዕዮ ምስ ተዓመመ፡ ጽቡቕ ዝመስል ነገር ድሕሪ ምምጽኡ ንድሕሪት ተመሊሱ'ሎ።"
"መንግስትና፡ ናይ 20 ዓመት ምትፍናን ደው ይበል ኢሉ። ዝነበረ ቅርሕንቲ ብምፍታሕ ናብ ልምዓት፡ ውህደት፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ብልጽግናን ክንኣቱ። ኤርትራውያን ዝድልይዎ ጥቕሚ እንተ'ልዩ ካብ ኢትዮጵያ ክጥቀሙ፡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ክትጥቀም ተለፊዕሉ'ዩ።"