ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳያይስን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያን እንታይ ዘትዮም?

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ኢሳያይስ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳይ ምክልኻል ጸጥታን ከምኡ’ውን ጽላታት ዕደና፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሕርሻን ጸዓትን ትሕተ ቅርጽን ምትሕግጋዝ ክግበር ዝተበጽሐ ስምምዕ ምርኵስ ብምግባር ንግብራውነቱ ዝምልከት፡ ምስቲ ምክትል ኣድሚራል ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ቭልድሚር ኮሳንቶቭ ዝመርሖ ልኡኽ ከምዝተዛተየ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኤርትራን ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽዑቕ ርክባት ከም ዝተገብረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ኣብ ጥሪ 2023 ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ዝርርብ ሓደ ካብኡ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን እቲ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ንኤርትራ እትገብሮ ሓገዛት ኣቐሚጡ ነይሩ፤ ኣብ መግለጺኡ ንዓቕምታት ወደብን መዓርፎ ነፈርቲን ባጽዕ ንምምዕባል ሩስያ ከምእትሕግዝ ኣተንቢሁ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዕደና፡ ሕርሻ፡ ትምህርትን ባህልን፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ግጭታት ንምፍታሕ ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ፡ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕግጋዝ ከም ዝግበር ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሩስያ ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ምሕያል ደገፍ ክትገብር ዘለዋ ድሌትን ድሉውነትን’ውን ሚኒስተር ሰርገይ ኣቐሚጡ ነይሩ።

እዚ ኣብዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ርክባት ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ድማ ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሩስያ፡ ንኤርትራ ከም ቀንዲ መሻርኽታ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከምእትርኣያ ድማ ተንተንቲ የመልክቱ። እታ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ተራኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃሲሱ ዝጸንሐ ሩስያ፡ ድሕሪ ናይ ልዕሊ ክልተ ዕቝድ ብኩራት ጽልዋኣ ክትገብር ናብቲ ዞባ ብመገዲ ኤርትራ መርገጽ ክትረክብ ከም ከምእትኽል'ውን ይትንተን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣጋጣሚ ዋዕላ ሩስያ-ኣፍሪቃ፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ምድግጋፍን ዝተሰረተ፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዘንገሰ ስልጡን ዓለማዊ ስርዓት ምፍጣር ግድነት ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሩስያን መራሒኣ ፑቲን መሪሕ ተራኦም ክጻወቱ ተማሕጺንዎ ነይሩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኢሳይያስ፡ “እቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ኣብ ዓለም፡ “ድኹም ስነሓሳብን ልጓም ዘይተገብሮ ሓደ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘስገድድ ተግባራት ዕብለላ፡ ብዙሕ ዕንወት ኣኸቲሉ እዩ፡" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ብሓፈሻ እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ርክባትን ዝርርባትን ድማ መቐጸልታ ናይቲ ክካየድን ክዓሙቕን ዝጸንሐ ዝምድናታትን ርክባትን ክልቲአን ሃገራት ዘመልክት ኰይኑ፡ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ኣብቲ ተኣፋፊ ጂኦ ስትራተጅያዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ግደን ቦታን ዘዕዝዝ ዕድላት እዩ ይበሃል።

ኣብቲ ብሰሉስ 02 ሚያዝያ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኤርትራን ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያን ኣብ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ዝመርሖም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ሓይሊታት ምድሪ፡ ባሕሪን ኣየርን ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ብኣድሚራል ኮሳንቶቭ ተሰንዩ፡ ነታ ኣብ ወደብ ባጽዕ ዑደት ተካይድ ዘላ ዓባይ መርከብ ሩስያ በጺሑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መርከብ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ,HAWELTI

እታ መርከብ ውግእ ሩስያ

እታ ብሓሙስ 28 መጋቢት ወደብ ባጽዕ ዝኣተወት መርከብ ውግእ ሩስያ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐስ 'ፓሲፊክ ፍሊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጭፍራ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኰይና ‘ፍሪጌት ሩስያ ፓሲፊክ ፍሊት ማርሻል ሻፖሽኒኮቭ (BPK543)’ ተባሂላ እያ እትልለ።

ነቲ ብመጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ዘሎ ወጥሪን ስግኣትን ሰጊራ እያ ባጽዕ በጺሓ።

ኣብ ታሕሳስ 1985 ከም ኣዕናዊት መርከብ ውግእ ዝተፈልጠት፣ 163 ሜትሮ ዝንውሓታ መርከብ፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተጻዕነት 7900 ቶን ከም እትፍንቅል ይንገረላ። ኣብ ሰነ 2020 ከም ‘ፍሪጌት’ ዳግማይ ተመዲባ፡ ኣብ 2021 ድማ ዳግማይ ተሓዲሳ ናብ ኣገልግሎት ተመሊሳ።

እዛ መርከብ ዘመናዊት ደረጃ ‘ኡዳሎይ’ [ማዕረ ኣመሪካዊ ደረጃ ስፑረንስ] ዝዓይነታ ኣዕናዊት መርከብ ኰይና፡ ድሕሪኡ እያ ከም ‘ፍሪጌት’ ተመዲባ።

ዝበዝሕ ግዜ ዓመተ-2023 ምስታ ኣዕናዊት መርከብ ኣድሚራል ፓንተለየቭን ታንከር ሓይሊ ባሕሪ ቭላድሚር ኮለቺትስኪን ብምዃን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ተዋፊራ እያ ኣሕሊፋቶ። ኣብኡ ድማ ካልእ ንጥፈታት ሓዊሱ ምስ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ልምምድ ከምዘካየደት ይፍለጥ።

ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ባጽዕ

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣብ ዝኣተወሉ

ምንጪ ስእሊ,HAWELTI

ብምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣድሚራል ቭላድሚር ካሳቶኖቭ ዝመራሕ ልኡኽ፣ ነታ ኣቐዲማ ብ28 መጋቢት ወደብ ባጽዕ ዝበጽሐት ዓባይ መርከብ ውግእ ሩስያ ስዒቡ፡ ብ 01 ሚያዝያ 2024 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ባጽዕ ከም ዝኣተወ ይዝከር።

እቲ ልኡኽ ሩስያ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ኣብ ዝበጽሓሉ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓይሊ ባሕሪን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እቶም ተቐቢሎምዎ ።

መራኽብ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ,X

እታ ኣካል ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝንቀሳቐስ 'ፓሲፊክ ፍሊት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጭፍራ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝዀነት 'ማርሻል ሻፖሺንኮቭ' ዝተባህለት መርከብ ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሩስያን ኤርትራን ንምጽንባል ንባጽዕ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ከም ኣካል ናይቲ ዑደት ድማ ሰበስልጣን ሓይሊ ባሕሪ ናይታ መርከብ ፓስፊክ ሩስያ ማርሻል ሻፖሽኒኮቭ፣ ናብ መካነ መቓብር ሰማእታት፡ ቤተ መዘክር ባጽዕ ከምዝበጽሑ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

እታ መርከብ ውግእ ሩስያ ክሳብ 5 ሚያዝያ ኣብ ወደብ ባጽዕ ክትጸንሕ ምዃና ዝተፈልጠ ኰይኑ፤ ሩስያ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንፈለማ እዋን ምስ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ወተሃደራዊት መርከብ ከምዝለኣኸት ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ባጽዕ ኣብ ዝኣተወሉ

ምንጪ ስእሊ,HAWELTI

ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ 1993 ኤርትራ ከም ሓንቲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ብወግዒ ኣባል ውድብ ሕቡራት ድሕሪ ምዃና፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአ ከም ዝጀመራ ይፍለጥ።

እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ተነጽሎን ጸቕጢን ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና እናሐየለ ይኸይድ ምህላዉ ብዝተፈላለየ መልክዓይ ይርአ ከምዘሎ ይፍለጥ።